ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኵሎም ሰባት ንኣምላኽ ንኺፈልጥዎ ማዕረ ኣጋጣሚ ኣለዎም ድዩ፧

ኵሎም ሰባት ንኣምላኽ ንኺፈልጥዎ ማዕረ ኣጋጣሚ ኣለዎም ድዩ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ኵሎም ሰባት ንኣምላኽ ንኺፈልጥዎ ማዕረ ኣጋጣሚ ኣለዎም ድዩ፧

የሱስ፡ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣየነይቲ ምዃና ምስ ተሓትተ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” ኢሉ መለሰ። (ማቴዎስ 22:37) ሰባት ንኣምላኽ ቅድሚ ምፍቃሮም ግን፡ ብዛዕባኡ ቕኑዕ ፍልጠት ኪቐስሙ ኣለዎም። (ዮሃንስ 17:3) እሞኸ ዅሎም ሰባት ነዚ ፍልጠት እዚ ንኼጥርዩ ማዕረ ኣጋጣሚ ኺረኽቡ ድዮም፧

ቀንዲ ምንጪ ፍልጠት ኣምላኽ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ብዙሓት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ ኺረኽቡ ኣብ ዚኽእሉሉ ማሕበረሰብ እዮም ዚነብሩ። ነዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም፡ ብብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሎም ቅኑዕ ፍልጠት ኣምላኽ ንኺረኽቡ፡ ተደጋጋሚ ዕድመ ይቐርበሎም ይኸውን። (ማቴዎስ 28:19) ገሊኦም ብፈቃራት ክርስትያን ወለዲ ስለ ዝዓበዩ፡ መዓልታዊ ብዛዕባ ኣምላኽ ንኺመሃሩ ኣጋጣሚ ረኺቦም እዮም።—ዘዳግም 6:6, 7፣ ኤፌሶን 6:4

ገሊኦም ግን ምሹእ ኵነታት የብሎምን። ገለ ኻብዚኣቶም፡ ኣብ ሃሰይቲ ስድራ ቤታት እዮም ዓብዮም፣ ካብ ወለዶም እውን ፍቕሪ ኣይረኸቡን። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) እቶም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው ዝዓበዩ ሰባት፡ ንኣምላኽ ከም ፈቃር ሰማያዊ ኣቦ ገይሮም ምርኣይ ይኸብዶም ይኸውን። ብዙሓት እኹል ትምህርቲ ብዘይምርካቦም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ የጸግሞም እዩ። ገሊኦም ከኣ ኣእምሮኦም ብትምህርትታት ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ዓዊሩ እዩ፣ ወይ ድማ ንትምህርትታት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኣብ ዚጻረሩ ስድራ ቤታት፡ ማሕበረሰባት፡ ወይ ሃገራት እዮም ዚነብሩ። (2 ቈረንቶስ 4:4) እዞም ሰባት እዚኣቶም ብሰንኪ ዅነታቶም፡ ንኣምላኽ ንኺፈልጥዎን ንኼፍቅርዎን ኣጋጣሚ ኸይረኸቡ ኺተርፉ ድዮም፧

ገሊኦም ሰባት ዜጋጥሞም ብድሆታት ንኣምላኽ ንኼፍቅርዎን ንኺእዘዝዎን ኣሸጋሪ ኸም ዝዀኖም፡ የሱስ ገሊጹ እዩ። (ማቴዎስ 19:23, 24) ይኹን እምበር፡ ገሊኡ ዕንቅፋታት ዘይስገር እኳ እንተ መሰለ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ብኣምላኽ ግና ዅሉ ይከኣል እዩ” ኢልዎም እዩ።—ማቴዎስ 19:25, 26 ትርጕም 1990።

ነዚ ዚስዕብ ሓቅታት እስከ ንርአ፦ የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ታሪኽ ልዕሊ ዅሉ ዝርጋሐ ዝረኸበ መጽሓፍ ከም ዚኸውን ገይርዎ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማን ዚገልጽ ብስራት “ኣብ ብዘላ ዓለም” ከም ዚስበኽ ተነበዩ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ሎሚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ነቲ ብስራት እቲ ይሰብኩ ኣለዉ፣ ብ500 ዚኣክል ቋንቋታት ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት የዳልዉ ኣለዉ። እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ኣጋጣሚ ዘይብሎም ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ነቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝገበሮ ነገራት ብምዕዛብ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም።—ሮሜ 1:20

ብተወሳኺ፡ ቃል ኣምላኽ፡ “እግዚኣብሄር ንዅሉ ኣልባብ ይመራምሮ፡ ንዅሉ ምኽሪ ሓሳባት ድማ ይፈልጦ እዩ እሞ፡ እንተ ደሌኻዮስ፡ ኪርከበልካ እዩ” ይብል እዩ። (1 ዜና መዋእል 28:9) ስለዚ፡ የሆዋ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሕደ ኣጋጣሚ ኸም ዚረክብ እኳ እንተ ዘይተመባጽዓልና፡ ንቕኑዓት ሰባት ኣጋጣሚ ኸም ዚኽፈተሎም ግን ይገብር እዩ። ነቶም ብዛዕባኡ ኺፈልጡ ኣጋጣሚ ዘይረኸቡ ሰባት እውን፡ ኣብታ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ከም ዚትንስኡ ብምግባር ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15