ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ከተለልዮ ትኽእል፧

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ከተለልዮ ትኽእል፧

ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ከተለልዮ ትኽእል፧

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኼተሓሳስበካ ዚኽእል ሕቶታት ኣበጊሳ፡ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣበይ ከም እትረኽቦ ኽትሕብረካ እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼመያይጡኻ ባህ እዩ ዚብሎም።

1. ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ጥራይ ድያ ዘላ፧

የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ ሓንቲ ሃይማኖት፡ ማለት ብዛዕባ ናይ ሓቂ ሃይማኖት መሃሮም። እዛ ሃይማኖት እዚኣ፡ ናብ ህይወት ምስ እትመርሕ መገዲ ትመሳሰል እያ። የሱስ ብዛዕባ እታ መገዲ እቲኣ ኺዛረብ ከሎ፡ “እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም” በለ። (ማቴዎስ 7:14) ኣምላኽ፡ ኣብ ቃል ሓቂ እተመርኰሰ ኣምልኾ ጥራይ እዩ ዚቕበል። ኵሎም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ እምነት ዝሓበሩ እዮም።​—ዮሃንስ 4:23, 24፣ 14:6፣ ኤፌሶን 4:4, 5 ኣንብብ።

2. ብዙሓት ሃይማኖታት፡ ክርስትያናት ከም ዝዀና ዚዛረባ ስለምንታይ እየን፧

ነብያት ሓሶት ንክርስትና ኣበላሽዮምዎን ንብሕታዊ ጥቕሞም ኣውዒሎምዎን እዮም። ከምቲ የሱስ እተነበዮ፡ “ኣባጊዕ” መሲሎም እኳ እንተ ቐረቡ፡ ብተግባሮም ግና ኸም ዝጠመዩ ተዃሉ እዮም። (ማቴዎስ 7:13-15, 21, 23) ናይ ሓሶት ክርስትና፡ ብፍላይ ሃዋርያት የሱስ ምስ ሞቱ እዩ ኣስፋሕፊሑ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30 ኣንብብ።

3. ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚፍለየሉ ገለ መዳያት እንታይ እዩ፧

ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ የኽብርዎ። ብስርዓታቱ ኺምርሑ ኸኣ እዮም ዚጽዕሩ። ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ካብቲ ኣብ ሓሳባት ሰብ እተመርኰሰ ሃይማኖት እተፈልየት እያ። (ማቴዎስ 15:7-9) ብዘይካዚ፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ፡ ዚሰብክዎን ዚገብርዎን ነገራት ኣይፈላለን እዩ።​—ዮሃንስ 17:17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ኣንብብ።

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ተኽብሮ። የሱስ፡ ስም ኣምላኽ ኣፍሊጡ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ኪፈልጡ ሓጊዝዎምን ብዛዕባ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ኪጽልዩ ምሂርዎምን እዩ። (ማቴዎስ 6:9) ኣብቲ ንስኻ እትነብረሉ ኸባቢ፡ ስም ኣምላኽ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል እተተባብዕ ሃይማኖት ኣየነይቲ እያ፧​—ዮሃንስ 17:26፣ ሮሜ 10:13, 14 ኣንብብ።

4. ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ብኸመይ ከተለልዮም ትኽእል፧

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ። የሆዋ ንየሱስ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰብኽ ለኣኾ። መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ፡ እንኮ ተስፋ ደቂ ሰብ እያ። የሱስ ክሳዕ ግዜ ሞቱ፡ ብዛዕባኣ ይዛረብ ነበረ። (ሉቃስ 4:43፣ 8:1፣ 23:42, 43) ንሰዓብቱ እውን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ነገሮም። ሓደ ሰብ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪነግረካ ኢሉ እንተ ዚመጸካ፡ ኣባል ኣየነይቲ ሃይማኖት ይመስለካ፧ —ማቴዎስ 10:7፣ 24:14 ኣንብብ።

ሰዓብቲ የሱስ ካብዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ኣይኰኑን። ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ግጭት እውን ኢዶም ኣየእትዉን እዮም። (ዮሃንስ 17:16) ብዘይካዚ፡ ደድሕሪ እቲ ጐዳኢ ተግባራትን ኣረኣእያታትን እዛ ዓለም እዚኣ ኣይስዕቡን እዮም። —ያእቆብ 1:27፣ 4:4 ኣንብብ።

5. ቀንዲ መለለዪ ናይ ሓቂ ክርስትና እንታይ እዩ፧

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ንሓድሕዶም እተደንቕ ፍቕሪ ኣላቶም። ንዅሎም ዓሌት ኬኽብሩ ኸም ዘለዎም ካብ ቃል ኣምላኽ ይመሃሩ እዮም። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዚግበር ውግእ ኢዳ ተእቱ እኳ እንተ ዀነት፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ግና ኸምኡ ኣይገብሩን እዮም። (ሚክያስ 4:1-4) ኣብ ክንዳኡስ፡ ግዜኦምን ጥሪቶምን ተጠቒሞም ንኻልኦት ይሕግዙን የተባብዑን እዮም።​—ዮሃንስ 13:34, 35፣ 1 ዮሃንስ 4:20, 21 ኣንብብ።

ኣየነይቲ ጕጅለ እያ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመርኰሰ ትምህርቲ እትምህር፡ ንስም ኣምላኽ እተኽብር፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንኮ ተስፋ ደቂ ሰብ ምዃና እትእውጅ፧ ኣየነይቲ ጕጅለ እያ ፍቕሪ እተንጸባርቕን ኣብ ውግእ ዘይትካፈልን፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ዝረኣናዮ ነጥብታት ከም ዜማልኡ እተረጋገጸ እዩ።​—1 ዮሃንስ 3:10-12

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ንምዕራፍ 15 እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ርአ።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

“ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፡ . . . በቲ ግብሮም [ግና] ይኽሕድዎ አለዉ።”​—ቲቶስ 1:16