ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስነ ምግባር ብዚምልከት ክትኣምና እትኽእል ሃይማኖት ኣላዶ፧

ንስነ ምግባር ብዚምልከት ክትኣምና እትኽእል ሃይማኖት ኣላዶ፧

ኣብ ትካል ሓለዋ ጥዕና እትዓዪ ሲልቭያ፡ “ምስ ሓያሎ ሃይማኖታውያን ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ ሰባት እየ ኣብ ኮሌጅ ዝመሃር ነይረ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ፈተና ይቐድሑን ሓሽሽ ይወስዱን ነበሩ። ሃይማኖት ኣብ ብሕታዊ ህይወቶም ምንም ጽልዋ ኣይነበሮን” በለት።

ልያነል እተባህለ ሰብኣይ፡ “መሳርሕተይ ይሕስዉ እዮም፣ ዘይሓመሙ ኽነሶም ከኣ ከም ዝሓመሙ ይዛረቡ። ሃይማኖት እኳ እንተ ኣለዎም፡ ልክዕ ከም ሓደ ንመልክዕ ጥራይ ዜገልግል ኣቕሓ እዮም ዚጥቀሙሉ” በለ።

ሃይማኖት ኣብ ናብራ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ሓያል ስነ ምግባራዊ ጽልዋ የብሉን። ሓያሎ ሰባት፡ “መልክዕ ኣምላኻዊ ተወፋይነት” እኳ እንተ ኣለዎም፣ ‘ንሓይሉ ግና ይኽሕድዎ’ እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:5) መራሕቲ ሃይማኖቶም ጽቡቕ ኣብነት ኣይኰንዎምን እዮም። ኣቕሽሽቲ ንመጓሰኦም ብስነ ምግባር ጽፉፋት ኰይኖም ንኺነብሩ ዚሕግዞም ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣይህብዎምን እዮም። ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ብናብራኦም ዘይግደስ ኰይኑ እንተ ተሰምዖም እምበኣር ኣየገርምን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህር፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ስምዒት ከም ዘለዎ፡ ኣካይዳና ኸኣ ኣጸቢቑ ኸም ዜገድሶ ይገልጽ እዩ። ጥንታውያን እስራኤልውያን ካብ ኣምላኽ ምስ ዓለዉ፡ ኣምላኽ ብኣታቶም ‘ጕህዩ’ እዩ። (መዝሙር 78:40) ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰብ ነቲ ሕማቕ ጠባዩ እንተ ገዲፍዎ፡ “ኣብ ሰማይ ዝያዳ ሓጐስ” ይኸውን እዩ። (ሉቃስ 15:7) ሓደ ሰብ ነቲ ሰናይ ባህርያት እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኼማስወሉ እንተ ጀሚሩ፡ እታ ንኣምላኽ ዘላቶ ፍቕሪ ትዓቢ እያ፣ እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ዜፍቅሮ ንኼፍቅር፡ ነቲ ኣምላኽ ዝጸልኦ ድማ ንኺጸልእ ትድርኾ እያ።—ኣሞጽ 5:15

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዚ መዳይ እዚ ኸመይ እዮም፧

ኣብ ሶልት ለይክ ሲቲ፡ ኡታ፡ ሕ.መ.ኣ. እትሕተም ደዘረት ኒውስ እትብሃል ጋዜጣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ድልዱላት ስድራ ቤታት ከምኡውን ውጽኢታውያንን ቅኑዓትን ዜጋታት ከም ዚህልዉ ዚገብሩ” ምዃኖም ገለጸት። እታ ጋዜጣ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ኣባላቶም በቲ ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ይኣምኑ እዮም። ምትካኽ ሽጋራ፡ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ፡ ሓሽሽ፡ ጠላዕ፡ ጾታዊ ብዕልግና፡ ከምኡውን ግብረ ሰዶም መንፈሳዊ ጕድኣት ዜስዕብ ተግባራት ምዃኑ ይኣምኑ እዮም” በለት።

መራሕቲ ሃይማኖት ንመጓሰኦም ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ንኺሕልዉ ሓጊዞምዎም ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ዚገልጽ ትምህርቲ ምቕሳሞም ብኸመይ ይሕግዞም፧ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሲልቭያ፡ “ኣብ ትካል ሓለዋ ጥዕና፡ ምትላል ልሙድ እዩ። በዚ ተጸሊኻ ኽትነብር ድማ ቀሊል እዩ። የሆዋ * ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚስምዖ ምግንዛበይ ግና፡ ቅኑዕ ዘበለ ንኽገብር ሓጊዙኒ እዩ። ሕጂ ሕጕስቲ እየ፡ ውሽጣዊ ሰላም ከኣ ኣሎኒ” በለት። ሲልቭያ ምስቲ እትኣምነሉ ስርዓታት ሃይማኖታ ተሰማሚዓ ብምንባራ፡ ናብራኣ ተመሓይሹ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 9 የሆዋ ኣብቲ ብበዅሪ ቛንቋታት እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።