ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንውግእ ብዚምልከት ክትኣምና እትኽእል ሃይማኖት ኣላዶ፧

ንውግእ ብዚምልከት ክትኣምና እትኽእል ሃይማኖት ኣላዶ፧

ኣልቤርቶ ዳርጋ ንዓሰርተ ዓመት ዚኸውን ኣብ ውትህድርና ኣገልጊሉ እዩ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ቀሽና፡ ‘ኣምላኽ ምሳኻትኩም እዩ’ ብምባል ባረኸና። ኣነ ግና፡ ‘ክቐትል እየ ዝኸይድ ዘለኹ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ “ኣይትቕተል” እዩ ዚብል፡’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ።”

ረይ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ተኸቲቡ ይዓዪ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ድማ፡ ነቲ ቐሺ፡ “ናብ መርከብ መጺእካ፡ ንወተሃደራት ዓወት ኪረኽቡ ትጽልየሎም ኢኻ። ጸላኢ እውን እንተ ዀነ፡ ከምዚ ዓይነት ስርዓትዶ ኣይኰነን ዚኽተል፧” ኢሉ ሓተቶ። ሽዑ፡ እቲ ቐሺ፡ ‘ጐይታ ብምስጢራዊ መገዲ እዩ ዚዓዪ’ ኢሉ መለሰሉ።

መልሲ እቲ ቐሺ እንተ ዘየዕጊቡካ፡ ከም ናትካ ስምዒት ዘለዎም ብዙሓት ኣለዉ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህር፧

የሱስ ሓንቲ ኻብተን ዓበይቲ ትእዛዛት ኣምላኽ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” እትብል ምዃና ገለጸ። (ማርቆስ 12:31) እሞኸ፡ ኣብ ዓዲ ወይ ኣብ ዜግነት ብጻይና ተመርኲስና ኸነፍቅር ከም ዘሎና ሓቢሩ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 13:34, 35) እታ ንሓድሕዶም ዘላቶም ፍቕሪ ሓለፍ ዝበለት ብምዃና፡ መለለይቶም እያ። ህይወት ሰባት ኣየሕልፉን፣ እኳ ደኣ ህይወቶም ንብጻዮም ኣሕሊፎም ኪህቡ እዮም ዚመርጹ።

እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ምስ ቃላት የሱስ ተሰማሚዖም እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን ከምዚ ይብል፦ “እቶም ቀዳሞት ኣቦታት ቤተ ክርስትያን፡ እንተላይ ተርቱልያንን ኦሪጀንን፡ ክርስትያናት ህይወት ሰባት ካብ ምሕላፍ ይቝጠቡ ኸም ዝነበሩ፡ ብመሰረት እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ድማ፡ ኣብ ሰራዊት ሮሜ ንኸይሳተፉ ይኣብዩ ኸም ዝነበሩ ኣረጋጊጾም እዮም።”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዚ መዳይ እዚ ኸመይ እዮም፧”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዳርጋ ኣብ ኵለን ሃገራት ስለ ዚነብሩ፡ ገለ ኻብተን ዚነብሩለን ሃገራት ንሓድሕደን ዚጻልኣ ኪዀና ይኽእላ እየን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና፡ ብእተኻእሎም መጠን ነታ መለለይቶም ዝዀነት ፍቕሪ ኼንጸባርቑ እዮም ዚጽዕሩ።

መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ይምህሩ ድዮም፧

ንኣብነት፡ ብ1994 ኣብ ሩዋንዳ፡ ኣብ መንጎ ሁቱን ቱትሲን ዓሌታዊ ግጭት ምስ ተላዕለ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሉእ ብምሉእ ገለልተኛታት እዮም ነይሮም። ሓደ ዓሌት ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ካልእ ዝዓሌቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምዕቋብ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም እዮም። ንቱትሲ ኣሕዋቶም ዘዕቈቡ ኽልተ ሁቱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ተታሕዙ፡ ኣባላት ሚሊሽያ ኢንትራሃምወ ሁቱ፡ “ንቱትሲ ኼምልጡ ስለ ዝሓግዝኩምዎም ክትሞቱ ይግብኣኩም” በልዎም። እቲ ዜሕዝን ከኣ ክልቲኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተቐትሉ።—ዮሃንስ 15:13

እሞኸ፡ ተግባራት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቲ የሱስ ብዛዕባ እታ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ እተዛረቦ ቓላት ዚሰማማዕዶ ይመስለካ፧