ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር | ኣምላኽ የድልየና ድዩ፧

ኣምላኽ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

ሰብ ሞያ ጥዕና ኣእምሮ፡ ሰባት ብሓቂ ንኺሕጐሱ፡ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ይገልጹ እዮም። ሰባት፡ ኣብ ሓደ ዕላማ ኺበጽሑ ፋሕተርተር ዚብሉ፡ ወይ ከኣ ካባታቶም ንዚዓቢ ሰብ ወይ ነገር ኬገልግሉ ዚደልዩ ምዃኖም፡ ነዚ ዜረጋግጽ እዩ። ገሊኣቶም ነዚ ድሌት እዚ ንኼማልኡ ኢሎም፡ ንግዜ ዕረፍቶም ኣብ ተፈጥሮ፡ ስነ ጥበብ፡ ሙዚቃ፡ ወይ ኣብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ኬሕልፍዎ ይመርጹ። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ንግዜኦም ኣብዚ ነገራት እዚ እኳ እንተ ኣሕለፍዎ፡ ውሽጣዊ ወይ ቀጻሊ ዕግበት ኣይስምዖምን እዩ።

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ሕጅን ንዘለኣለምን ተሓጒሶም ኪነብሩ ይደልዮም

ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደቂ ሰብ ብተፈጥሮኦም መንፈሳዊ ሃረርታ ዘለዎም ምዃኑ ኣየገርሞምን እዩ። ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ፈጠሮም፡ ምስኡ መንፈሳዊ ርክብ ምእንቲ ኺህልዎም ኣዘውቲሩ ይዛረቦም ከም ዝነበረ፡ ኣብተን ቀዳሞት ምዕራፋት መጽሓፍ ዘፍጥረት ተገሊጹ ኣሎ። (ዘፍጥረት 3:8-10) ኣምላኽ ንሰባት ብዘይ ብእኡ ኺነብሩ ኸም ዚኽእሉ ገይሩ ኣይፈጠሮምን። እወ፡ ሰባት ምስ ፈጣሪኦም ኪራኸቡ ኸም ዜድልዮም ኰይኖም እዮም ተፈጢሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ብተደጋጋሚ ይገልጽ እዩ።

ንኣብነት የሱስ፡ “መንፈሳውነት ዚሃርፉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:3) ብመሰረት እዘን ቃላት እዚአን፡ ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ምእንቲ ኺህልወና፡ ነቲ ተፈጥሮኣዊ መንፈሳዊ ሸውሃትና ኸነዕግብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ብኸመይ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል፧ መልሱ ኻብቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። የሱስ፡ “ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” በለ። (ማቴዎስ 4:4) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳባትን መምርሒታትን ኣምላኽ፡ ዜሐጕስን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ንኽንነብር ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ሰለስተ መሰረታዊ መገድታት እስከ ንርአ።

ጽቡቕ መምርሒ የድልየና

ሎሚ፡ ማእለያ ዘይብሎም ክኢላታትን ሰብ ሞያን ብዛዕባ ርክብን ፍቕርን ናብራ ስድራ ቤትን ዕርቅን ሓጐስን ትርጕም ህይወትን ምኽሪ ኺህቡ ድሉዋት እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኵሉ እዚ ጕዳያት እዚ ጥዑይን ሚዛናውን መምርሒ ኺህበና ዚበቅዕ፡ ካብቲ ፈጣሪ ደቂ ሰብ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ሓሊፉ እሞ መን እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ልክዕ ከም መጽሓፍ መምርሒ፡ መምርሒ ህይወት እዩ

ንኣብነት፡ ከም ካሜራ ወይ ኮምፕዩተር ዝኣመሰለት ሓዳስ መሳርሒት ምስ እትዕድግ፡ ብኸመይ ተሓጒስካ ኽትጥቀመላ  ኸም እትኽእል ዚሕብር መጽሓፍ መምርሒ ኺህልዋ ትጽበ ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ መጽሓፍ መምርሒ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። እዚ መጽሓፍ እዚ፡ እቲ ንህይወትና ዝፈጠረ ኣምላኽ ዝሃበና መምርሒ ዀይኑ፡ ህይወትና ንምንታይ ዕላማ ኸም እተነድፈትን ብኸመይ ብጽቡቕ ክንጥቀመላ ኸም እንኽእልን ይገልጽ እዩ።

ከምቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን መምርሒ መጽሓፍ ዘሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ነቶም ዜንብብዎ ሰባት፡ ንህይወቶም ዜስግእ ነገራት ከይገብሩ የጠንቅቖም እዩ። ገሊኣቶም ንኽትስዕቦ ቐሊል ዚመስል መምርሒ ኺህቡና ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ክንረክብን ካብ ጸገማት ክንርሕቕን እንኽእል ግና ንመምርሒ ፈጣሪና ምስ እንስዕብ ጥራይ ምዃኑስ ርትዓዊዶ ኸይኰነ፧

“ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን፡ በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ።” —ኢሳይያስ 48:17, 18

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዜድልየና መምርሕን ሓገዝን ንረክብ ኢና

የሆዋ ኣምላኽ መምርሒታት ዚህበና እኳ እንተ ዀነ፡ ንኽንቅበሎ ግና ኣየገድደናን እዩ። ስለ ዜፍቅረናን ክንጥቀም ስለ ዚደልየናን፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን፡ በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ” ይብለና። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ብሓጺሩ፡ መምርሒ ኣምላኽ እንተ ስዒብና፡ ብጽቡቕ ክንነብር ኢና። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ተሓጒስና ብጽቡቕ ምእንቲ ኽንነብር፡ ኣምላኽ የድልየና እዩ።

ስለምንታይ ጸገማት ከም ዜጋጥመና፡ መልሲ የድልየና

ገሊኦም ሰባት ኣብ ህይወቶም ሓያሎ ዜደንጹ ነገራት ስለ ዜጋጥሞም፡ ሓደ ፈቃር ኣምላኽ ከም ዘሎ ኺኣምኑ የጸግሞም እዩ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ዘየድልዮም ኰይኑ ይስምዖም። ንኣብነት፡ ‘ሕያዎት ሰባት ስለምንታይ እዮም ዚሳቐዩ፧’ ‘ንጹሃት ህጻናት፡ ስንኩላት ኰይኖም ዚውለዱ ስለምንታይ እዮም፧’ ‘ኣብ ህይወት ዘይፍትሓዊ ነገራት ዜጋጥም ስለምንታይ እዩ፧’ ኢሎም ይሓትቱ ይዀኑ። እዚ ሕቶታት እዚ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ዜዕግብ መልሲ ምርካብና ድማ ኣብ ህይወትና ዓብዪ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ብዛዕባ እዚ ጸገማት እዚ፡ ተሃዊኽና ንኣምላኽ ኣብ ክንዲ እንወቕሶ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዚብል ንርአ።

ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ ሰለስተ፡ ሰይጣን ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፈልጥ ኦም ንኸይበልዑ ዝሃቦም ትእዛዝ ንኺጥሕሱ ብተመን ገይሩ ኸም ዘስሓቶም ዚገልጽ ታሪኽ ተመዝጊቡ ኣሎ። ሰይጣን ንሄዋን፡ “ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ፡ ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር፡ ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ።—ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:4, 5

ሰይጣን በዘን ቃላት እዚአን፡ ኣምላኽ፡ ሓሳዊ ኸም ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዜመሓድረሉ መገዲ እውን ዘይፍትሓዊ ኸም ዝዀነ እዩ ዚእምት ነይሩ። ድያብሎስ፡ ደቂ ሰብ ንዕኡ እንተ ሰሚዖምዎ፡ ብጽቡቕ ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ ተኸራኸረ። እዚ ሕቶታት እዚ፡ ብኸመይ እዩ ኺፍታሕ ዚኽእል ነይሩ፧ የሆዋ፡ ኵሎም ፍጡራቱ፡ እቲ ኣንጻሩ እተላዕለ ኽስታት፡ ሓቂ ወይ ሓሶት እንተ ዀይኑ ምእንቲ ኺርእዩ፡ ግዜ ኺህብ መረጸ። በዚ ኸምዚ፡ ንሰይጣንን ነቶም ምስኡ ዝወገኑን፡ ደቂ ሰብ ብዘይ ኣምላኽ ኪነብሩ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ኬርእዩ ኣጋጣሚ ሃቦም።

ብወገንካ፡ መልሲ እቲ ሰይጣን ዘበገሶ ሓሳባት እንታይ እዩ ኢልካ ምፈረድካ፧ ሰባት ብዘይ ኣምላኽ ብጽቡቕ ኪነብሩን ንርእሶም ብዝሓሸ መገዲ ኼመሓድሩን ይኽእሉ ድዮም፧ እቲ ኣብ ደቂ ሰብ ንዘመናት ኪወርድ ዝጸንሐ ስቓይ፡ ግፍዒ፡ ሕማም፡  ሞት፡ ገበን፡ ስነ ምግባራዊ ብልሽውና፡ ውግእ፡ ጃምላዊ ቕትለት ኰነ ኻልእ በደላት፡ ደቂ ሰብ ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ንርእሶም ኬመሓድሩ ኸም ዘይክእሉ ዚሕብር ድልዱል መርትዖ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ዅሉ ኣብ ደቂ ሰብ ዚወርድ ዘሎ ወዮታት ዚሕተተሉ፡ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣይሕብርን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ አሎ” ብምባል እቲ ቐንዲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ይነግረና እዩ።—መክብብ 8:9

ብመሰረት እዚ ዝረኣናዮ፡ መልሲ እቲ ንደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ ኣሸጋሪ ሕቶታትን መፍትሒኡ እንታይ ምዃኑን ንኽንፈልጥ፡ ኣምላኽ ከም ዜድልየናስ ንጹርዶ ኣይኰነን፧ ኣምላኽ እንታይ እዩ ኺገብር፧

ሓገዝ ኣምላኽ የድልየና

ሰባት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም፡ ካብ ሕማምን እርጋንን ሞትን ሓራ ንኺወጹ ሃረር ኪብሉ ጸኒሖም እዮም። ነዚ ሓርነት እዚ ንኺረኽብዎ፡ ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ገንዘብን እኳ እንተ ኣጥፍኡሉ፡ ኣይሰለጦምን። ገሊኦም ሰባት እተፈላለየ ቐመማት ብምውሳድ፡ እተፈልየ ማይ ብምስታይ፡ ወይ ከኣ ኣብ ፍሉይ ቦታ ብምንባር ከይኣረጉ ንኺነብሩ ተስፋ ኺገብሩ ጸኒሖም እዮም። ሕልሞም ግና፡ ከንቱ ዀይኑ ተረፈ።

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ተሓጒሶም ብጽቡቕ ኪነብሩ ይደልዮም እዩ። መጀመርታ ንደቂ ሰብ ኪፈጥሮም ከሎ፡ ዕላማኡ ኸምኡ እዩ ነይሩ፣ ነዚ ዕላማ እዚ ድማ ኣይረስዖን። (ዘፍጥረት 1:27, 28፣ ኢሳይያስ 45:18) ንዅሉ ዕላማኡ ኸይፈጸሞ ኸም ዘይተርፍ እውን ውሕስነት ሂቡና ኣሎ። (ኢሳይያስ 55:10, 11) መጽሓፍ ቅዱስ ነታ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዘጥፍእዋ ገነት፡ እንደገና ኸም ዚመልሳ ተመባጺዑልና ኣሎ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መወዳእታ እትርከብ መጽሓፍ፡ “[የሆዋ ኣምላኽ] ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ” ትብል። (ራእይ 21:4) ኣምላኽ ነዚ ዜደንቕ ኵነታት እዚ ብኸመይ እዩ ኼምጽኦ፧ ካብዚ መብጽዓ እዚኸ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧

እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሰዓብቱ ፍቓድ ኣምላኽ ንኺፍጸም ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት፡ ነቲ ገሊኦም፡ “ኣቡነ ዘበሰማያት” ኢሎም ዚጽውዕዎ ጸሎት፡ ይፈልጥዎ እዮም ወይ ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ደጋጊሞም ይጽልይዎ እዮም። እቲ ጸሎት፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ይብል። (ማቴዎስ 6:9, 10) እወ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ብሰንኪ ምምሕዳር ደቂ ሰብ ዝመጸ ወዮታት ኣወጊዱ፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ዜምጽእ፡ ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ እዩ። * (ዳንኤል 2:44፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) ካብ መብጽዓታት ኣምላኽ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

የሱስ ክርስቶስ፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ብምባል፡ እንታይ ዓይነት ስጕምቲ ኽንወስድ ከም ዘሎና ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ኸኣ ከቢድ ኣይኰነን። (ዮሃንስ 17:3) እወ፡ ብሓገዝ ኣምላኽ፡ ኣብታ ንሱ ዘተስፈዋ  ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ክንነብር ንኽእል ኢና። እዚ ተስፋ እዚ፡ ነታ ‘ኣምላኽ የድልየና ድዩ፧’ እትብል ሕቶ፡ ‘እወ’ ኢልካ ንኽትምልሳ፡ ተወሳኺ ምኽንያት ኪህበካ ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ኣምላኽ እንሓስበሉ ግዜ

ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣቴንስ፡ ኣርዮስፋጎስ፡ ነቶም ናጻ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ሰብ ኣቴና ብዛዕባ ኣምላኽ ከምዚ ብምባል ተዛረቦም፦ “ንሱ ንዅሉ፡ ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ዚህብ . . . እዩ። ከመይሲ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን፡ ብእኡ እውን ኢና ዘሎና፣ ከምቲ ገለ ኻብ ተቐነይትኹም ዚብልዎ፡ ‘ንሕና እውን ዓሌቱ ኢና።’”—ግብሪ ሃዋርያት 17:25, 28

እቲ ጳውሎስ ንሰብ ኣቴና እተዛረቦም ነገር፡ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ሓቂ እዩ። እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ፡ እነስተንፍሶ ኣየር፡ እንምገቦ ምግቢ፡ እንሰትዮ ማይ ይህበና እዩ። ነዚ ጽቡቕ ነገራት እዚ እንተ ዘይህበና ነይሩ፡ ክንነብር ኣይምኸኣልናን። ይኹን እምበር፡ ነዚ መሰናድዎ እዚ ንዅሎም ሰባት፡ ማለት ብዛዕባኡ ንዚሓስቡን ንዘይሓስቡን ዚህቦም ስለምንታይ እዩ፧ ጳውሎስ፡ “እዚ ድማ ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ ኽነሱ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎ፡ ሃሰስ ኢሎም እውን እንተ ረኸብዎ ኢሉ እዩ” ብምባል ምኽንያቱ ነጊሩና ኣሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:27

ብዛዕባ ኣምላኽ፡ ማለት ብዛዕባ ዕላማታቱን ብዛዕባ እቲ ሕጅን ንዘለኣለምን ብጽቡቕ ምእንቲ ኽንነብር ዚህበና ምኽርን ዝያዳ ኽትፈልጥ ምደለኻዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ነዛ መጽሔት ዝሃበካ ሰብ ተዛረቦ ወይ ከኣ ምስቶም ሓተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ተራኸብ። ንኺሕግዙኻ ድማ ሕጕሳት እዮም።

^ ሕ.ጽ. 20 መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኪኸውን ዚግበር ጸሎት ብኸመይ ከም እትፍጽሞ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 8 ርአ። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣብ ኢንተርነት፡ ኣብ www.mt711.com ከተንብባን ከተራግፋን ትኽእል ኢኻ።