ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር | ንኣምላኽ ክትቀርቦ ትኽእል ኢኻ

ንኣምላኽ ዝቐረብካዮ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧

ንኣምላኽ ዝቐረብካዮ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧

“ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ እንተ መስሪትካ፡ ድሕነትን ዕግበትን ርግኣትን እዩ ዚስምዓካ። ኣምላኽ ወትሩ ዚሓልየልካ ዀይኑ ድማ ይስምዓካ።”—ክሪስቶፈር፡ ኣብ ጋና ዚነብር መንእሰይ።

“ኣምላኽ ብግዜ ጓሂኻ ስለ ዚርእየካ፡ ካብቲ ቕድሚኡ ዝነበረካ ንላዕሊ፡ ዝያዳ ፍቕሪ ይህበካን ኣቓልቦ ይገብረልካን እዩ።”—ጓል 13 ዓመት ሃና፡ ኣላስካ፡ ሕ.መ.ኣ.።

“ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ከም ዘሎካ ምፍላጥ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ኽቡርን ባህ ዜብልን ስምዒት እዩ ዚፈጥረልካ።”—ጂና፡ ኣብ 40ታት ዕድሚኣ እትርከብ ጃማይካዊት ሰበይቲ።

ክሪስቶፈርን ሃናን ጂናን ጥራይ ኣይኰኑን ከምዚ ዚስምዖም። ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ከም ኣዕሩኹ ገይሩ ኸም ዚርእዮም እዮም ዚኣምኑ። ንስኻኸ ንኣምላኽ ዝቐረብካዮ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ወይ ከኣ ብዝያዳ ናብኡ ኽትቀርብ ትደሊዶ፧ ምናልባት፡ ‘ሰባት ብሓቂ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኪምስርቱ ይኽእሉ ድዮም፧ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖምከ ብኸመይ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

ንኣምላኽ ክትቀርቦ ትኽእል ኢኻ

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ኣምላኽ ጥብቅን ብሕታውን ርክብ ክትምስርት ትኽእል ኢኻ። ኣምላኽ ነቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ኣብርሃም፡ “ፈታውየይ” ኢሉ ኸም ዝጸውዖ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ኢሳይያስ 41:8) ነቲ ኣብ ያእቆብ 4:8 ዚርከብ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ዚብል ምዉቕ ዕድመ እውን ኣስተብህለሉ። ስለዚ፡ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ክትምስርት ወይ እውን ዓርኩ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ ንኣምላኽ ብዓይንና ኽንርእዮ ስለ ዘይንኽእል፡ ‘ናብኡ ኽትቀርብን’ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ክትምስርትን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ሰባት ዕርክነት ንምምስራት እንታይ ከም ዚገብሩ እስከ ንርአ። ፈለማ፡ እቶም ክልተ ሰብ፡ ስሞም ብምንጋር ይላለዩ። ድሕሪኡ፡ እቶም ክልተ ሰባት ብዝያዳ ኼዕልሉ፡ ሓሳቦምን ስምዒቶምን ድማ ኪገልጹ ኸለዉ፡ ዕርክነቶም እናዓበየ ይኸይድ። ንሓድሕዶም ጽቡቕ ነገራት ኪገብሩ ኺጽዕሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ዕርክነቶም ኣዝዩ ይድልድል። ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ክንምስርት እንተ ደሊና እውን፡ ከምኡ ኢና ኽንገብር ዘሎና። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት እስከ ንርአ።