ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ውሉዳት ንኣምላኽ ምፍቃር ኪመሃሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ውሉድካ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺፈልጦን ምእንቲ ኼፍቅሮን፡ ፍጥረት ተጠቒምካ ምሃሮ

ውሉዳትካ ንኣምላኽ ምፍቃር ኪመሃሩ ዚኽእሉ፡ ኣምላኽ ከም ዘሎን ከም ዜፍቅሮምን መርትዖ እንተ ኣልይዎም ጥራይ እዩ። ንኣምላኽ ምእንቲ ኼፍቅርዎ ድማ ኪፈልጥዎ ኣለዎም። (1 ዮሃንስ 4:8) ንኣብነት፡ መልሲ እዘን ዚስዕባ ሕቶታት ኪፈልጡ የድልዮም እዩ፦ ኣምላኽ ንሰብ ዝፈጠረሉ ዕላማ እንታይ እዩ፧ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ መጻኢ ንደቂ ሰብ እንታይ ኪገብረሎም እዩ፧ፊልጲ 1:9 ኣንብብ።

ደቅኻ ንኣምላኽ ንኼፍቅርዎ ኽትሕግዞም እትኽእል፡ ንስኻ ንኣምላኽ ከም እተፍቅሮ ምስ እተርኢ እዩ። ደቅኻ ነዚ ምስ ዚርእዩ፡ ኣብነትካ ኺስዕቡ ይኽእሉ እዮም።ዘዳግም 6:5-7፣ ምሳሌ 22:6 ኣንብብ።

ልቢ ውሉዳትካ ኽትትንክፍ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን እዩ። (እብራውያን 4:12) ስለዚ፡ ንደቅኻ ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺመሃሩ ሓግዞም። የሱስ፡ ልቢ ሰባት ንምትንካፍ ሕቶታት ይሓትቶምን ጽን ኢሉ ይሰምዖምን ንቕዱሳት ጽሑፋት ይገልጸሎምን ነበረ። ልቢ ውሉዳትካ ምእንቲ ኽትትንክፍ፡ ንኣገባብ ኣመሃህራ የሱስ ክትቀድሖ ትኽእል ኢኻ።ሉቃስ 24:15-19, 27, 32 ኣንብብ።

ብተወሳኺ፡ ንውሉዳትካ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስ ደቂ ሰብ ዝነበሮ ርክብ ዚገልጽ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እትምህሮም፡ ንኣምላኽ ኪፈልጥዎን ኬፍቅርዎን ይኽእሉ እዮም። ነዚ ዕላማ እዚ እተዳለወ ሕታማት ኣብ www.mt711.com/ti ይርከብ እዩ።2 ጢሞቴዎስ 3:16 ኣንብብ።