ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ንስራሕካ ብኸመይ ከም እትሕጐሰሉ

ጻዕሪ ንዚሓትት ስራሕ ብኸመይ ከም እትሕጐሰሉ

ጻዕሪ ንዚሓትት ስራሕ ብኸመይ ከም እትሕጐሰሉ

“ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።” (መክብብ 3:13) ኣምላኽ ብስራሕና ባህ ኪብለና ዚደሊ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ብኸመይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጐስ ክንረክብ ከም እንኽእል ኬርእየናስ ርትዓዊዶ ኣይኰነን፧ (ኢሳይያስ 48:17) እቲ ዜሐጕስ፡ በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ሓጐስ ክንረኽበሉ እንኽእል መገዲ የርእየና እዩ። ኣብ ስራሕካ ዕግበት ምእንቲ ኽትረክብ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣብ መጻሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ መርምር።

ብዛዕባ ስራሕ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣማዕብል

ስራሕካ ኣእምሮኣዊ ወይ ጕልበታዊ ወይ እውን ክልቲኡ ዘጣመረ ይኹን ብዘየገድስ፡ “ኣብ ዕዮ ዘበለ ረብሓ አሎ።” (ምሳሌ 14:23) እንታይ ዓይነት ረብሓ እዩ፧ ቅድም ቀዳድም፡ ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕ፡ ብስጋ ዜድልየና ነገራት ንኸነማልእ ይሕግዘና እዩ። ሓቂ እዩ፡ ኣምላኽ ነቶም ብቕንዕና ዜምልኽዎ ሰባት ዜድልዮም ዘበለ ነገራት ከም ዜማልኣሎም ተመባጺዑ እዩ። (ማቴዎስ 6:31, 32) ይኹን እምበር፡ ብትግሃትን ብቕንዕናን ንመነባብሮና ኢልና ብምዕያይ፡ ዝከኣለና ኽንገብር እውን ይጽበየና እዩ።—2 ተሰሎንቄ 3:10

ስለዚ፡ ንስራሕ ከም ሓደ ናብ ሸቶና ዜብጽሕ ሜላ ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ስራሕ፡ ክብረት ብዘለዎ መገዲ ሓላፍነትና ንኽንፍጽም ዚሕግዝ እዩ። ወዲ 25 ዓመት ዝዀነ ጆሽዋ፡ “ንገዛእ ርእስኻ ኽትናቢ ምኽኣል፡ ሓደ ዓወት እዩ” በለ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ወጻኢታትካ ኽትሽፍን እንተ ኽኢልካ፡ ስራሕካ ነቲ እትደልዮ ነገር ኣማሊኡልካ ኣሎ ማለት እዩ” በለ።

ብተወሳኺ፡ ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕ፡ ጽዒርካ ስለ እትሰርሖ ንርእስኻ ኣኽብሮት ከም ዚህልወካ እዩ ዚገብር። ስራሕና ዜሰልኪ ወይ እውን ኣጸጋሚ እኳ እንተ መሰለ፡ ኣብ ስራሕና ንኽንጸንዕ ገዛእ ርእስና ምስ እንግስጽ፡ ልዑል መለክዒታት ንስዕብ ከም ዘለና ብምፍላጥና ዕግበት ክንረክብ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኻብቲ ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕ ንኽንሃድም ዘሎና ዝንባለ ኸም እተዓወትናሉ እዩ ዜርኢ። (ምሳሌ 26:14) ስለዚ እምበኣር፡ ስራሕ ብዙሕ ዕግበት እዩ ዜምጽእ። እቲ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ኣሮን፡ “ምሉእ መዓልቲ ኽሰርሕ ድሕሪ ምውዓለይ፡ ጽቡቕ እዩ ዝስምዓኒ” በለ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ኣብ ስራሐይ ኣዝየ እኳ እንተ ደኸምኩ፡ ዋላ እውን ሰባት ንስራሐይ እንተ ዘየስተብሃልሉ፡ ሓደ ነገር ከም ዝዓመምኩ እፈልጥ እየ” በለ።

ኣብ ስራሕካ ብትግሃት ዕየ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ “ኣብ ዕዮኡ ፈጣን ዝዀነ” ሰብኣይን ብዛዕባ እታ ‘ተሐጒሳ ብኢዳ እትዓዪ’ ሰበይትን ብጽቡቕ ይዛረበሎም እዩ። (ምሳሌ 22:29፣ 31:13) ሓደ ሰብ ብኡብኡ ኽኢላ ኪኸውን ከም ዘይኽእል ፍሉጥ እዩ። መብዛሕትና ድማ ዘይንመልኮ ስራሕ ክንሰርሕ ኣየሐጕሰናን እዩ። ብዙሓት ሰባት ንዕዮኦም ዘይሕጐሱሉ እውን ብእኡ ምኽንያት እዩ፣ ንኺመልክዎ ኸኣ ኣይጽዕሩን እዮም።

ሓደ ሰብ፡ ሓደ ዕዮ ብኸመይ ብኽእለት ኪዕየ ኸም ዚከኣል ኪመሃር እንተ ጽዒሩ፡ ኣብ ዝዀነ ዓይነት ስራሕ ባህ ኢልዎ ኺሰርሕ ይኽእል እዩ። ወዲ 24 ዓመት ዝዀነ ዊልያም፡ “ኣብ ሓደ ዕዮ ዝከኣለካ ብምግባር ውጽኢቱ ኽትርኢ ኸለኻ፡ ኣዝዩ ዜዕግብ እዩ” በለ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ኪርከብ ዚከኣል ግና ብኣቋራጭ ወይ ካብቲ ዚግብኣና ንታሕቲ ብምዕያይ ኣይኰነን” በለ።

ስራሕካ ንኻልኦት ኣብ ዚጠቕመሉ መገዲ ኣተኵር

ብዛዕባ እቲ እተእትዎ ዘለኻ መጠን ገንዘብ ጥራይ ኣይትሕሰብ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘እዚ ስራሕ እዚ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ስራሕ እዚ፡ ብግቡእ እንተ ዘይዕይየ ወይ እውን ፈጺሙ እንተ ዘይስራሕ ነይሩኸ እንታይ መጋጠመ፧ ስራሐይ ንኻልኦት ብኸመይ እዩ ዚጠቕሞም፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።

ብፍላይ እታ ናይ መወዳእታ ሕቶ ኽንሓስበላ ጽቡቕ እዩ፣ ምኽንያቱ ስራሕ ኣዝዩ ዜዕግብ ኪኸውን ዚኽእል ንኻልኦት ሰባት ብኸመይ ከም ዚጠቕሞም ምስ እንግንዘብ እዩ። የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ካብቲ እንህቦ ኣገልግሎት ብቐጥታ ዚጥቀሙ ኣስራሕትን ዓማዊልን እኳ እንተ ዀኑ፡ ካልኦት ሰባት እውን ካብ ጻዕርና ይጥቀሙ እዮም። እዚኣቶም ድማ ኣባላት ስድራ ቤትናን እቶም ስኡናትን እዮም።

ኣባላት ስድራ ቤትና። ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ንኣባላት ስድራቤቱ ንኺናቢ ኣበርቲዑ ምስ ዚዓዪ፡ እንተ ወሓደ ብኽልተ መገዲ ይጠቕሞም። ቀዳማይ፡ ዜድልዮም ስጋዊ ነገራት ማለት ምግብን ክዳንን መዕቘብን የማልኣሎም። በዚ ኸምዚ፡ ‘ነቶም ናቱ ኺናቢ’ ብኣምላኽ ንእተዋህቦ ሓላፍነት ይፍጽም። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ካልኣይ፡ ሓደ ትጉህ ኣላዪ ስድራ ቤት፡ ብኣብነቱ ኣቢሉ ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕ ዘለዎ ኣገዳስነት ይምህር እዩ። እቲ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ሼን፡ “ኣቦይ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ልማድ እዩ ነይርዎ፣ በዚ ድማ ብሉጽ ኣብነት ዚኸውን እዩ” በለ። ኣስዒቡ እውን፡ “ኣቦይ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ብጻዕሪ ዝዓየየ፡ ሓቀኛ ሰብኣይ እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ጸራቢ ዀይኑ እዩ ዓይዩ። ካብ ኣብነቱ ድማ በእዳውካ ብምዕያይ ንኻልኦት ሰባት ግብራዊ ጥቕሚ ዜምጽእ ነገር ምስራሕ፡ ዋጋ ኸም ዘለዎ ተማሂረ እየ” በለ።

ስኡናት። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ . . . ይጽዓር” ብምባል ምኽሪ ሃበ። (ኤፌሶን 4:28) እወ፡ ንዓናን ንስድራ ቤትናን ብስጋ ዜድሊ ንምምላእ ምስ እንጽዕር: ንሽጉራት ክንሕግዝ ዜኽእለና ዓቕሚ እውን ይህልወና እዩ። (ምሳሌ 3:27) ስለዚ እምበኣር፡ ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕ ምስራሕ፡ ነቲ ኻብ ምሃብ ዚርከብ ዝዓበየ ሓጐስ ንኸነስተማቕሮ ይሕግዘና እዩ።

ካብቲ ኻባኻ ዚድለ ንላዕሊ ዕየ

የሱስ ኣብቲ ውሩይ ናይ ከረን ስብከቱ፡ “ሓደ ብዓል ስልጣን ከተገልግሎ ኢሉ ሓደ ምዕራፍ ምስኡ ኽትከይድ እንተ ገዲዱካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ” በለ። (ማቴዎስ 5:41) ነዚ ስርዓት እዚ ኣብ ስራሕካ ኽትዓይየሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ኣብ ክንዲ ኻብቲ ዚግብኣካ ንታሕቲ እትዓዪ፡ ካብቲ ዚግብኣካ ንላዕሊ ኽትዓይየሉ እትኽእል መገዲ ኣናዲ። ብሕታዊ ሸቶታት ኣውጽእ፣ ኣብ ስራሕካ ኻብቲ ዚግብኣካ ንላዕሊ ብዝበለጸን ብዝቐልጠፈን መገዲ ንኽትዓዪ ቘራጽነት ግበር። ኣብ ንኣሽቱ ነገራት እውን ከይተረፈ፡ ብብሉጽ መገዲ ኽትዓዪ ጽዓር።

ካብቲ ዚግብኣካ ንላዕሊ ምስ እትዓዪ፡ ንስራሕካ ብዝያዳ ኽትሕጐሰሉ ትኽእል ኢኻ። ስለምንታይ፧ ንተግባራትካ ባዕልኻ ስለ እትቈጻጸሮ እዩ። ዝያዳ እትዓዪ ዘለኻ ብፍታውካ ደኣ እምበር፡ ካልእ ሰብ ስለ ዘገደደካ ኣይኰነን። (ፊልሞን 14) እዚ ድማ ነቲ፡ “ኢድ ትጉሃት ክትገዝእ እያ፡ እታ ሃካይ ግና ክትግብር እያ” ዚብል ኣብ ምሳሌ 12:24 ዚርከብ ስርዓት እዩ ዜዘኻኽረና። ሓቂ እዩ፡ ሒደት ሰባት ቃል ብቓሉ ባሮት ኰይኖም ይዓይዩ ወይ ይግብሩ እዮም። ይኹን እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ንታሕቲ ጥራይ ዚዓዪ ሰብ፡ ብትእዛዝ ካልኦት ስለ ዚሰርሕ፡ ባርያ ኸም ዝዀነ ይስምዖ ይኸውን። እቲ ፈትዩ ኻብቲ ዚግብኦ ንላዕሊ ዚዓዪ ሰብ ግና ንህይወቱ ባዕሉ ኸም ዚቈጻጸራ ዀይኑ እዩ ዚስምዖ። ጐይታ ተግባራቱ ኸኣ እዩ ዚኸውን።

ንስራሕ ብዚምልከት ሚዛንካ ሓሉ

ጻዕሪ ዚሓትት ስራሕ ምስራሕ ዚነኣድ እኳ እንተ ዀነ፡ ህይወት ግና ኣብ ስራሕ ጥራይ እተመርኰሰት ኣይኰነትን። መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ክንዓዪ እዩ ዜተባብዓና። (ምሳሌ 13:4) ብስራሕ ውሉፋት ክንከውን ግና ኣየተባብዓናን እዩ። ኣብ መክብብ 4:6፡ “ካብ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ ሓንቲ ዕሙዅቲ ምስ ዕረፍቲ ይሐይሽ” ዚብል ነንብብ። እዚ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ ብስራሕ ውሉፍ ዝዀነ ሰብ፡ ስራሑ ንዅሉ ግዜኡን ሓይሉን ዚጽንቅቖ እንተ ዀይኑ፡ ፍረ ጻዕሩ ፈጺሙ ዘየሐጕሶ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ስራሑ ፋይዳ ዘይብሉ፡ “ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ” እዩ ዚኸውን።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኸነማዕብል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ሽሕ እኳ ኣብ ስራሕና ብትግሃት ክንዓዪ ኸም ዘሎና ዚነግረና እንተ ዀነ፡ ‘እቲ ዚሓይሽ ክንምርምር’ እውን ይምዕደና እዩ። (ፊልጲ 1:10) እቲ ዚሓይሽ ተባሂሉ ዘሎ፡ ነቲ ምስ ስድራ ቤትካን ፈተውትኻን እተሕልፎ ግዜ እዩ ዜጠቓልል። ካብዚ ብዝያዳ ዚሓይሽ ድማ ከም ቃል ኣምላኽ ምንባብን ምስትንታንን ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ንጥፈታት እዩ።

እቶም ንህይወቶም ብሚዛናዊ መገዲ ዚመርሕዋ ሰባት፡ ንስራሖም ብዝያዳ ኺሕጐሱሉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዊልያም፡ “ሓደ ኻብቶም ናይ ቀደም ኣስራሕተይ፡ ሚዛናዊ ናይ ስራሕ ልማድ ብምህላው ዝመጸ ጽቡቕ ኣብነት እዩ ዚዀነኒ” በለ። ቀጺሉ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ኣበርቲዑ እዩ ዚዓዪ፣ ስራሑ ብሉጽ ስለ ዝዀነ ድማ ምስ ዓማዊሉ ጽቡቕ ርክብ እዩ ዘለዎ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ስራሑ ምስ ወድአ፡ ከመይ ገይሩ ስራሑ ገዲፉ ኣብ ስድራ ቤቱን ኣብ ኣምልኾኡን ጥራይ ከም ዜተኵር ይፈልጥ እዩ። ንሱ ሓደ ኻብቶም ኣነ ዝፈልጦም ኣዝዮም ሕጉሳት ሰባት እዩ።”