ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓቂዶ ንኣምላኽ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና፧

ብሓቂዶ ንኣምላኽ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና፧

“ኣምላኽ ኪርድኣካ ዘይክእል እዩ።” —ፊሎ ብዓል እስክንድርያ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ፈላስፋ።

‘ኣምላኽ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ እዩ።’ —ሳውል ብዓል ጠርሴስ፡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ኣቴንስ ዝነበሩ ፈላስፋታት እተዛረቦ።

ነዘን ክልተ ሓሳባት ምስ ኣንበብካየን፡ ንኣረኣእያኻ እትገልጾ ኣየነይቲ ዀይና ረኺብካያ፧ ብዙሓት ሰባት፡ ቃላት እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ተባሂሉ ዚፍለጥ ሳውል ብዓል ጠርሴስ፡ ሰሓብን ዜጸናንዕን ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 17:26, 27) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ኻልእ መረጋገጺ እውን ይርከብ እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ፡ ሰዓብቱ ንኣምላኽ ኪፈልጥዎን በረኸቱ ኺረኽቡን ከም ዚኽእሉ ዚገልጽ ፍቕራዊ መረጋገጺ ዝሓዘ ጸሎት ኣቕሪቡ እዩ።—ዮሃንስ 17:3

ይኹን እምበር፡ ከም ፊሎ ዝኣመሰሉ ፈላስፋታት እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም። እዞም ፈላስፋታት እዚኦም፡ ‘ኣምላኽ ፈጺሙ ኺርድኣካ ኣይክእልን እዩ’ ብምባል ንኣምላኽ ፈጺምና ኽንፈልጦ ኸም ዘይንኽእል እዮም ዚእምቱ። እቲ ሓቂ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ኪርድኦም ዘይክእል ነገራት ከም ዘሎ ብንጹር ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ንውሓት ህልውና ፈጣርን ብልሒ ኣእምሮኡን ዕምቈት ጥበቡን ኪልካዕ፡ ኪድረት፡ ወይ ዕምቈቱ ኺርድኣካ ኣይክእልን እዩ። ብሓጺሩ፡ ልዕሊ ዓቕሚ ደቂ ሰብ እዩ። እንተዀነ ግና፡ እዚ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪርድኣና ዘይክእል መዳያት እዚ፡ ንኣምላኽ ንኸይንፈልጦ ዕንቅፋት ኣይኰነናን እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ምስትንታንና፡ ‘ንኣምላኽ ክንቀርቦ’ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (ያእቆብ 4:8) ካብቲ ኺርድኣና ዘይክእል ነገራት ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ። ብድሕሪ እዚ ብዛዕባ እቲ ኺርድኣና ዚኽእል መዳያት ክንርኢ ኢና።

ኣየናይ መዳያት እዩ ኺርድኣካ ዘይክእል፧

ዘለኣለምነት ኣምላኽ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም” ከም ዚነብር እዩ ዚምህር። (መዝሙር 90:2) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣምላኽ መጀመርታ ዀነ መወዳእታ የብሉን። ብኣተሓሳስባ ደቂ ሰብ፡ ‘ቍጽሪ ዓመታቱ ኣይምርመርን’ እዩ።—እዮብ 36:26

ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧ ኣምላኽ፡ ንዕኡ ብሓቂ እንተ ደኣ ፈሊጥካዮ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም እትረክብ ኣተስፍዩካ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:3) ኣምላኽ ዘለኣለማዊ እንተ ዘይከውንሲ፡ እቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ዜተኣማምን ምዀነዶ፧ እቲ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ጥራይ እዩ ነዚ ተስፋ እዚ ኺፍጽሞ ዚኽእል።—1 ጢሞቴዎስ 1:17

ኣእምሮ ኣምላኽ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓሳባት ኣምላኽ ካብ ሓሳባትና ኣዝዩ ስለ ዚልዕል “ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመር” እዩ ዚምህር። (ኢሳይያስ 40:28፣ 55:9) መጽሓፍ ቅዱስ “ምእንቲ ኺምህሮስ፡ ኣእምሮ ጐይታ ዚርዳእ መን እዩ፧” ኢሉ ኺሓትት እምበኣር ሓቁ እዩ።—1 ቈረንቶስ 2:16ኢንግሊሽ ስታንዳርድ ቨርሽን።

ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧ ኣምላኽ፡ ንዅሉ እቲ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ዜቕርብዎ ጸሎት ኪሰምዖ ይኽእል እዩ። (መዝሙር 65:2) ንነፍሲ ወከፍ እተን ኣብ ምድሪ ዚወድቃ ጨራሩ እውን የስተብህለለን እዩ። እሞ ደኣ ኣምላኽ ኬስተብህለልካን ጸሎትካ ኺሰምዖን ክሳዕ ዜጸግሞ ኣእምሮኡ ልዕሊ ዓቕሙ ኺመልእ ይኽእል ድዩ፧ ኣይፋሉን። ከመይሲ፡ ኣእምሮኡ ድሩት ኣይኰነን። ብዘይካዚ፡ ንስኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ‘ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጽ ኢኻ።’—ማቴዎስ 10:29, 31

መገድታት ኣምላኽ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ኼስተውዕሎ’ ኸም ዘይክእል እዩ ዚምህር። (መክብብ 3:11) ስለዚ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ኵሉ ነገር ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ መገድታት ኣምላኽ ሒዝዎ ዘሎ ጥበብ ‘ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብ እዩ።’ (ሮሜ 11:33) ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ነቶም ንዕኡ ኼሐጕሱ ዚደልዩ ሰባት መገድታቱ ኺገልጸሎም ፍቓደኛ እዩ።—ኣሞጽ 3:7

ንውሓት ህልውና ፈጣርን ናይ ኣእምሮኡ ብልሕን ዕምቈት ጥበቡን ኪልካዕ፡ ኪድረት፡ ወይ ዕምቈቱ ኺርድኣካ ኣይክእልን እዩ

ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብን ከተጽንዕን ከለኻ፡ ብዛዕባ ኣምላኽን መገድታቱን ወትሩ ሓድሽ ነገር ክትመሃር ኢኻ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ንዘለኣለም ናብቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝያዳ እናቐረብና ኽንከይድ ንኽእል ኢና ማለት እዩ።

ክትፈልጦ እትኽእል ነገራት

ንገሊኡ መዳያት እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ስለ ዘይንኽእል ጥራይ፡ ንኣምላኽ ፈጺምና ኽንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ጽቡቕ ጌርና ንኽንፈልጦ ዚሕግዘና ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ስም ኣምላኽ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንርእሱ ስም ከም ዘውጽአ እዩ ዚምህር። ኣምላኽ፡ “ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ” በለ። ስም ኣምላኽ፡ ልዕሊ ማንም ካልእ ስም ኣብቲ በዅሪ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ 7,000 ሳዕ ተጠቒሱ ይርከብ እዩ።—ኢሳይያስ 42:8

ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧ የሱስ ኣብታ ኣብነት እትዀነና ጸሎቱ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” በለ። (ማቴዎስ 6:9) ንስኻኸ፡ ኣብ ጸሎትካ ስም ኣምላኽ ክትጥቀም ትኽእልዶ፧ የሆዋ ነቶም ንስሙ ግቡእ ኣኽብሮት ዜርእዩ ዘበሉ ኼድሕኖም እዩ።—ሮሜ 10:13

ስፍራ ኣምላኽ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክልተ ስፍራ ኸም ዘሎ እዩ ዚምህር። እቲ ቐዳማይ፡ መንፈሳዊ ኣካል ዘለዎም መንፈሳውያን ፍጡራት ዚነብሩሉ መንፈሳዊ ስፍራ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ እቲ ንምድርናን ዩኒቨርስን ዜጠቓልል ብዓይኒ ዚርአ ስፍራ እዩ። (ዮሃንስ 8:23፣ 1 ቈረንቶስ 15:44) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ሰማይ” እትብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ መንፈሳውያን ፍጡራት ዚነብሩሉ ስፍራ እያ እተመልክት። እቲ ፈጣሪ ‘ዚነብረሉ ስፍራ’ ኸኣ እዚ “ሰማይ” እዚ እዩ።—1 ነገስት 8:43

ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧ ብዛዕባ ኣምላኽ ንጹር ምርዳእ ይህልወካ። ፈጣሪ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚርከብ ዘይርአ ሓይሊ ኣይኰነን። የሆዋ ኣብ እተወሰነ ስፍራ ዚነብርን መንፈሳዊ ኣካል ዘለዎን እዩ። ኰይኑ ግና፡ “ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጥረት የልቦን።”—እብራውያን 4:13

ባህርያት ኣምላኽ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ተፈታዊ ባህርያት ከም ዘለዎ ይምህር እዩ። “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” (1 ዮሃንስ 4:8) ፈጺሙ ድማ ኣይሕሱን እዩ። (ቲቶስ 1:2) ዘየዳሉን መሓርን ለዋህን ንዅራ ደንጓይን እዩ። (ዘጸኣት 34:6፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ፈጣሪ ምስቶም ዜኽብርዎ ሰባት “ናይ ቀረባ ዕርክነት” ኪምስርት ይደሊ እዩ።—መዝሙር 25:14NW።

ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧ ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (ያእቆብ 2:23) ባህርያት ኣምላኽ ምስ ፈለጥካ ድማ ንጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝሓሸ መገዲ ኽትርድኦ ትኽእል።

‘ንኣምላኽ ድለዮ’

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ንጹር ሓበሬታ እዩ ዚህበና። ፈጣሪ ኺርድኣካ ዘይክእል ኣይኰነን፣ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ንዕኡ ኽትፈልጦ እዩ ዚደልየካ። እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እንተ ደሌኻዮስ፡ ኪርከበልካ እዩ” ብምባል ይመባጻዕ። (1 ዜና መዋእል 28:9) ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብምስትንታንን ንምንታይ ንኣምላኽ ክትፈልጦ ዘይትጽዕር፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣምላኽ እውን ኪቐርበካ’ ምዃኑ እዩ ዚምህር።—ያእቆብ 4:8

መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብን ከተጽንዕን ከለኻ፡ ብዛዕባ ኣምላኽን መገድታቱን ወትሩ ሓድሽ ነገር ክትመሃር ኢኻ

‘ብዛዕባ ፈጣሪ ዅሉ ነገር ኪርድኣኒ ዘይክእል እንተ ዀይኑ፡ ከመይ ኢለ እየ ዓርኩ ኪኸውን ዚኽእል፧’ ብምባል ትሓስብ ትኸውን። ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦ ሓደ ሰብ ዓርኪ መጥባሕቲ ዚገብር ሓኪም ንኪኸውን፡ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ዲግሪ ኺህልዎ የድልዮ ድዩ፧ ናይ ግድን ኣይኰነን! እዚ ዓርኪ እዚ፡ ካብቲ ሓኪም ኣዝዩ እተፈልየ ሞያ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ገና ግና፡ ኣዝዮም ዚቀራረቡ ኣዕሩኽ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዜገድስ፡ ዓርኪ እቲ ሓኪም፡ ብዛዕባ ባህርያት እቲ ሓኪምን ንሱ ዚፈትዎን ዚጸልኦን ዚፈልጥ ምዃኑ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ምስኡ ዕርክነት ንኽትምስርት ዜድልየካ ድማ እዚ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ዜደናግር ሓበሬታ ኣይህብን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ንኣምላኽ ንኽንፈልጦ ዚሕግዝ ንጹር ሓበሬታ እዩ ዚህበና። ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ዝያዳ ኽትመሃር ትደሊዶ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናጻ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ እዮም። ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ወይ ከኣ ነቲ www.mt711.com ዚብሃል ወብ ሳይትና ኽትርእዮ ንዕድመካ።