ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ድያ፧

ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ድያ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣይፋልን፣ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ከም ዝዀነት ኣይምህርን እዩ፣ ክርስትያናት ኬምልኽዋ እውን ኣይእዝዝን እዩ። a ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦

  •   ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ከም ዝዀነት ተዛሪባ ኣይትፈልጥን እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ን“ወዲ ኣምላኽ” ከም ዝወለደት እዩ ዚሕብር።—ማርቆስ 1:1፣ ሉቃስ 1:32

  •   የሱስ ክርስቶስ፡ ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ከም ዝዀነት ወይ ፍሉይ ተወፋይነት ኪውሃባ ኸም ዚግባእ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን እዩ። እኳ ደኣስ፡ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ማርያም ኣዲኡ ብምዃና ሕጕስቲ ኸም ዝዀነት ምስ ተዛረበት፡ “ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ደኣ እዮም!” ኢሉ ኣሪምዋ እዩ።—ሉቃስ 11:27, 28

  •   እቲ “ወላዲት ኣምላኽ” ወይ “ቲኦቶኮስ” ዚብል ስያመ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን እዩ።

  •   እቲ “ንግስቲ ሰማይ” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጸውዒ፡ ከሓድቲ እስራኤላውያን ንዜምልኽዋ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ንማርያም ዜመልክት ኣይኰነን። (ኤርምያስ 44:15-19) እታ “ንግስቲ ሰማይ” እተባህለት ከኣ፡ ነታ ኢሽታር (ኣስታርተ) እትብሃል ኣምላኽ ባቢሎናውያን እተመልክት ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ።

  •   ቀዳሞት ክርስትያናት ንማርያም ኣየምለኽዋን፣ ፍሉይ ክብሪ እውን ኣይሃብዋን። ሓንቲ ጸሓፊት ታሪኽ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት “ንማርያም ኣምልኾ ኺውሃባ ኣይምተቐበልዎን፡ ዘይግቡእ ቈላሕታ እንተ ዚግበረላ እውን ኣምልኾ ኣንስተይቲ ኣምላኽ ጌርካ ኸይርአ ኢሎም ምፈርሁ” ኢላ ገሊጻ ኣላ።—ኢን ኰስት ኦቭ ዘ ጂዊሽ ሜሪ።

  •   መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ መጀመርታ ኸም ዘይብሉ እዩ ዚገልጽ። (መዝሙር 90:1, 2፣ ኢሳይያስ 40:28) መጀመርታ ስለ ዘይብሉ ኸኣ፡ ኣደ ኺህልዎ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ማርያም ንኣምላኽ ኣብ ማሕጸና ኽትሕዞ ኣይምኸኣለትን፣ ከመይሲ፡ ሰማያት እውን ኪሕዝዎ ኸም ዘይክእሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—1 ነገስት 8:27

ማርያም ኣደ የሱስ ደኣ እምበር፡ “ወላዲት ኣምላኽ” ኣይኰነትን

 ማርያም ካብ መስመር ወለዶ ንጉስ ዳዊት እተወልደት ኣይሁዳዊት እያ። (ሉቃስ 3:23-31) ብእምነታን ብተወፋይነታን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዙሕ ሞገስ ረኺባ ነይራ። (ሉቃስ 1:28) ኣምላኽ ከኣ ኣደ የሱስ ክትከውን ሓርይዋ። (ሉቃስ 1:31, 35) ማርያምን ብዓል ቤታ ዮሴፍን፡ ካልኦት ውሉዳት ነይሮምዎም እዮም።—ማርቆስ 6:3

 ማርያም ሰዓቢት የሱስ ከም ዝዀነት መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባኣ ብዙሕ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይህብን እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:14

a ገሊአን ሃይማኖታት፡ ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ምዃና ይምህራ እየን። “ንግስቲ ሰማይ” ኢሎም ይጽውዕዋ፡ ወይ ብግሪኽኛ ቲኦቶክስ ማለት “ወላዲት ኣምላኽ” ይብልዋ እዮም።