ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ እንታይ ይብል፧ ምስታይ ሓጢኣት ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ እንታይ ይብል፧ ምስታይ ሓጢኣት ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ብመጠኑ ኣልኮል ምስታይ ሓጢኣት ኣይኰነን። ወይኒ ኣብ ህይወት ሓጐስ ዚውስኽ ውህበት ኣምላኽ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። (መዝሙር 104:14, 15፣ መክብብ 3:13፣ 9:7) ወይኒ ሕክምናዊ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ እውን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 5:23

 የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ወይኒ ሰትዩ እዩ። (ማቴዎስ 26:29፣ ሉቃስ 7:34) ኣብ ሓደ ኻብቲ ዝገበሮ ፍሉጥ ተኣምራቱ ኸኣ፡ ኣብ ሓደ መርዓ ንማይ ናብ ወይኒ ለዊጥዎ እዩ።—ዮሃንስ 2:1-10

ሓደጋታት ምብዛሕ መስተ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወይኒ ዘለዎ ጥቕሚ እኳ እንተ ገለጸ፡ ንምብዛሕ መስተን ስኽራንን ግና ይዅንኖ እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን ኣልኮል ኪሰቲ ምስ ዚውስን፡ ብመጠኑ ኪኸውን ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 3:8፣ ቲቶስ 2:2, 3) መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ መስተ ኸነብዝሕ ከም ዘይብልና ንምግላጽ እተፈላለየ ምኽንያታት ይህብ።

  •   ናይ ምሕሳብን ምምዝዛንን ዓቕሚ የዳኽም። (ምሳሌ 23:29-35) ኣልኮል ዘብዝሐ ሰብ፡ ነቲ “ንሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ቅቡልን መስዋእቲ ጌርኩም፡ ማለት ብኣእምሮኹም ተጠቒምኩም ቅዱስ ኣገልግሎት ጌርኩም ከተቕርብዎ” ዚብል ትእዛዝ መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጽሞ ኣይክእልን እዩ።—ሮሜ 12:1

  •   ምብዛሕ መስተ፡ ርእስኻ ኸም ዘይትገትእ ይገብር፣ “ቅኑዕ ድራኸ” ኸኣ የጥፍእ።—ሆሴእ 4:11፣ ኤፌሶን 5:18

  •   ናብ ድኽነትን ከቢድ ጸገማት ጥዕናን ኪመርሕ ይኽእል።—ምሳሌ 23:21, 31, 32

  •   ምብዛሕ መስተን ስኽራንን ንኣምላኽ የጕህዮ።—ምሳሌ 23:20፣ ገላትያ 5:19-21

ኣብዚሕካ ዚብሃል መዓስ እዩ፧

 ሓደ ሰብ ኣልኮል ኣብዚሑ ዚብሃል፡ ንገዛእ ርእሱ ወይ ንኻልእ ሓደጋ ዜስዕብ ምስ ዚኸውን ኢዩ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብ ሰኺሩ ዚብሃል ሃለዋቱ ምስ ዜጥፍእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዚገብሮ ምስ ዘይፈልጥ፡ ሰንከልከል ምስ ዚብል፡ ተባኣሲ ምስ ዚኸውን፡ ወይ እውን ኰልተፍተፍ ምስ ዚብል እዩ። (እዮብ 12:25፣ መዝሙር 107:27፣ ምሳሌ 23:29, 30, 33) እቶም ዘይሰኽሩ እውን እንተዀነ፡ ‘ምብዛሕ መስተ ንልቦም ኪኸብዶን’ ሕማቕ ሳዕቤናት ኬምጽኣሎምን ይኽእል ኢዩ።—ሉቃስ 21:34, 35

ፈጺምካ ምሕራም

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ክርስትያን ካብ ኣልኮላዊ መስተ ምሉእ ብምሉእ ኪርሕቀሉ ዘለዎ እዋናት ከም ዘሎ እውን ይገልጽ እዩ፦

  •   ንኻልኦት ዚዕንቅፍ ምስ ዚኸውን።—ሮሜ 14:21

  •   ምስታይ ኣልኮል ንሕጊ እታ ዚነብረላ ሃገር ዚጥሕስ ምስ ዚኸውን።—ሮሜ 13:1

  •   መጠን ዚሰትዮ ኺቈጻጸር ምስ ዘይክእል። ውሉፍ ኣልኮላዊ መስተ ዝዀነ ወይ እውን ኣልኮላዊ መስተ ዜብዝሕ ሰብ፡ ቈራጽ ስጕምቲ ንምውሳድ ድሉው ኪኸውን ኣለዎ።—ማቴዎስ 5:29, 30