ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከመይ ጌርካ ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል፧

ከመይ ጌርካ ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ የተስፉ እዩ። (1 ዮሃንስ 2:17) እሞ ደኣ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እዩ ዚደልየካ፧

  •   ብዛዕባ ኣምላኽን ወዱ የሱስን ፍለጥ። የሱስ ናብ ኣምላኽ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጦም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 17:3) ንኣምላኽን ንየሱስን “ምፍላጦም” ኪብሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን መልእኽቱ ኣብ ህይወትና ብምትግባርን፡ ክንፈልጦም ንኽእል ኢና። a መጽሓፍ ቅዱስ ኣተሓሳስባ እቲ ፈጣሪናን ወሃብ ህይወትናን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ሒዙ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:24, 25) ኣብ ርእሲ እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ “ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ቃል” ዝመሃረና ወዱ የሱስ እውን ይነግረና እዩ።—ዮሃንስ 6:67-69

  •   በቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ እመን። የሱስ “ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን” እዩ ናብ ምድሪ መጺኡ። (ማቴዎስ 20:28) የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ንደቂ ሰብ፡ ኣብ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ መገዲ ኸፊቱሎም እዩ። b (መዝሙር 37:29) ሓደ እዋን፡ የሱስ፡ “ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃንስ 3:16) ኣብዚ ብየሱስ ዝኣመነ ዘይኰነስ፡ “ዚኣምን” ከም ዚብል ኣስተብህል። እዚ ኸኣ ኣብ ሓደ እዋን ጥራይ ዚግበር ዘይኰነስ፡ ምስ ትምህርትታቱን ምስ ፍቓድ ኣቦኡን ተሰማሚዕካ ምምልላስ ዚሓትት ምዃኑ ይሕብር።—ማቴዎስ 7:21፣ ያእቆብ 2:17

  •   ምስ ኣምላኽ ድልዱል ዕርክነት መስርት። ኣምላኽ ክንቀርቦን ፈተውቱ ወይ ኣዕሩኹ ኽንከውንን ይደልየና እዩ። (ያእቆብ 2:23፣ 4:8) ኣምላኽ ዘለኣለማዊ እዩ። ከቶ ኣይመውትን እዩ፣ ንኣዕሩኹ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ ይደልዮም እዩ። ብቓሉ ኣቢሉ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም ዚደልይዎ፡ “ንዘለኣለም ብህይወት ንበሩ” ኢሉ ትምኒቱ ገሊጹሎም ኣሎ።—መዝሙር 22:26

ንዘለኣለም ብዛዕባ ምንባር ዘሎ ግጉይ ርድኢት

 ግጉይ ርድኢት፦ ሰብኣዊ ጻዕርታት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኬምጽእ እዩ።

 ሓቂ፦ ገሊኡ ሕክምናዊ ምዕባለታት ንዕምሪ ሰብ ኬንውሕ ተስፋ ዚግበሮ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ጻዕርታት እዚ ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይኬብጽሕን እዩ። “ምንጪ ህይወት” ኣምላኽ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ንሱ ጥራይ እዩ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህበና ዚኽእል። (መዝሙር 36:9) ንሱ ድማ “ንሞት ንዘለኣለም ኪውሕጦ፡” ንዅሎም እሙናት ደቂ ሰብ እውን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም ኣተስፍዩ ኣሎ።—ኢሳይያስ 25:8፣ 1 ዮሃንስ 2:25

 ግጉይ ርድኢት፦ ገሊኦም ዓሌት ጥራይ እዮም ንዘለኣለም ዚነብሩ።

 ሓቂ፦ ኣምላኽ ኣየዳሉን እዩ። “የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ንኣምላኽ ዚእዘዝዎ ኻብ ኵሉ ዓሌትን ባህልን ዝዀኑ ሰባት ንዘለኣለም ኪነብሩ ይኽእሉ እዮም።

 ግጉይ ርድኢት፦ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዜሰልኪ ኪኸውን እዩ።

 ሓቂ፦ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝሃበና ኣምላኽ እዩ፣ ንሱ ድማ የፍቅረናን ሕጉሳት ክንከውን ይደልየናን እዩ። (ያእቆብ 1:17፣ 1 ዮሃንስ 4:8) ሕጉሳት ምእንቲ ኽንከውን፡ ዕላማ ዘለዎ ዕዮ ኸም ዜድልየና ይፈልጥ እዩ። (መክብብ 3:12) እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ዚነብሩ ሰባት ንዓታቶምን ንዜፍቅርዎም ሰቦምን ዚጠቅም ትርጉም ዘለዎ ዕዮ ኸም ዚዓይዩ ኣምላኽ ኣተስፍዩ ኣሎ።—ኢሳይያስ 65:22, 23

 ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ፡ እቶም ንዘለኣለም ዚነብሩ ብዛዕባ ፈጣሪኦምን ብዛዕባ እቲ ሰፊሕ ፍጥረቱን ብቐጻሊ ሓድሽ ነገር ኪምሃሩ እዮም። ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ንዘለኣለም ንምንባርን ብዛዕባኡ ንምፍላጥን ድሌት ከም ዘለዎም ገይሩ እዩ ፈጢርዎም፣ “ሰብ ግና ነቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ኸቶ ምሉእ ብምሉእ ኣይኪፈልጦን እዩ።” (መክብብ 3:10, 11) እምበኣር፡ እቶም ንዘለኣለም ዚነብሩ ሰባት በብግዜኡ ዚፈልጥዎን ዚገብርዎን መሳጢ ነገራት ኪህልዎም እዩ።

a ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይህቡ እዮም። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ዚምራሕ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

bየሱስ የድሕን—ብኸመይ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።