ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ደቂ ኣንስትዮ ሰበኽቲ ኣለዋኦምዶ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ደቂ ኣንስትዮ ሰበኽቲ ኣለዋኦምዶ፧

 እወ። ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰበኽቲ ወይ ኣገልገልቲ እዮም፣ እዚ ኸኣ፡ ሚልዮናት ደቂ ኣንስትዮ የጠቓልል። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ፡ ‘ብዙሓት ኣንስቲ ነቲ ብስራት ይእውጃ’ እየን።—መዝሙር 68:11ትርጉም 1990።

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ፡ ንኣብነት እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሳ ደቂ ኣንስትዮ ይስዕባ እየን። (ምሳሌ 31:10-31) ኣብ ጉባኤ መሪሕነት ዘይወስዳ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ይካፈላ እየን። ንደቀን ከኣ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይምህራ እየን። (ምሳሌ 1:8) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ፡ ብቓለንን ብግብረንን ሰናይ ኣብነት ኪዀና እየን ዚጽዕራ።—ቲቶስ 2:3-5