ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንደቂ ኣንስትዮ ኣኽቢሩ ይርእየን

ኣምላኽ ንደቂ ኣንስትዮ ኣኽቢሩ ይርእየን

ኣምላኽ ንደቂ ኣንስትዮ ኣኽቢሩ ይርእየን

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንባህርያትን ተግባራትን ሰማያዊ ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቕዎ እዩ። “ከምቲ ኣቦይ ዝመሀረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ . . . ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብር . . . ኽትፈልጡ ኢኹም። . . . ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ” በለ። (ዮሃንስ 8:28, 29፣ ቈሎሴ 1:15) ስለዚ፡ ነቲ የሱስ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ርክብን ብዛዕባአን ዝነበሮ ኣረኣእያን ብምምርማር፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ኣረኣእያን ነቲ ኺግበረለን ዚጽበዮ ነገራትን ክንርድኦ ንኽእል ኢና።

ሓያሎ ምሁራት ከም ዚገልጽዎ፡ የሱስ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ኣረኣእያ፡ ካብቲ ወንጌላት ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ዝነበረ ኣረኣእያ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ብኸመይ፧ ትምህርትታቱኸ ሎሚ ንደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ናጽነት የምጽኣለን ድዩ፧

የሱስ ንደቂ ኣንስትዮ ዝሓዘሉ መገዲ

የሱስ ንደቂ ኣንስትዮ ኸም መርወዪ ጾታዊ ስምዒት ገይሩ ጥራይ ኣይኰነን ዚርእየን ነይሩ። ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ምትንኻፍ ናብ ጾታዊ ህርፋን ከም ዚመርሕ ገይሮም እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። ደቂ ኣንስትዮ ኸም ምንጪ ፈተና ጌርካ ይርኣያ፡ በዚ ኸኣ ይፍርሃ ስለ ዝነበራ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታ ምስ ሰብኣይ ኪዛረባ ወይ ከኣ ጕልባብ ከይገበራ ኺወጻ ኣይፍቀደለንን እዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ ግና፡ የሱስ ንሰብኡት፡ ስጋዊ ትምኒቶም ኪቈጻጸሩ እዩ መኺርዎም፣ ብዘይካዚ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ኻብ ማሕበራዊ ርክባት ኬግልልወን ዘይኰነስ፡ ብኣኽብሮት ኪሕዝወን እዩ ነጊርዎም።—ማቴዎስ 5:28

የሱስ፡ “ዝዀነ ይኹን ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዜእቱ ኣብኣ ዘመወ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማርቆስ 10:11, 12) እዚ ኸኣ ነቲ ሽዑ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ትምህርትታት ረቢ፡ ማለት ነቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ‘ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓ’ ኸም እተፈቕደሉ ዚገልጽ ትምህርቲ ዚነጽግ እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 19:3, 9) ኣብ ሰበይትኻ ምዝማው ዚብልዎ ሓሳብ ንመብዛሕትኦም ኣይሁድ ሓድሽ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ እቶም ረቢታት፡ ሰበይቲ ኣብ ሰብኣያ ደኣ እምበር፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቱ ኺዝሙ ኸም ዘይክእል እዮም ዚምህሩ ነይሮም። ሓደ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርእይቶ ዚህብ መጽሓፍ፡ “የሱስ፡ እቲ ንሰበይቲ ዚምልከታ ስነ ምግባራዊ ግዴታ፡ ንሰብኣይ እውን ከም ዚምልከቶ ብምግላጽ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ኣኽቢርወን እዩ” በለ።

እቲ የሱስ ዝሃቦ ትምህርቲ፡ ሎሚ ዘሕደሮ ጽልዋ፦ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ደቂ ኣንስትዮ ብናጻ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ኣኼባታት ይሓብራ እየን። ይኹን እምበር፡ ክርስትያን ሰብኡት፡ “ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት . . . ብዅሉ ንጽህና” ኺሕዝወን ስለ ዚጽዕሩ፡ ዜሰክፍ ነገር የብለንን።—1 ጢሞቴዎስ 5:2

የሱስ ግዜ ወሲዱ ንደቂ ኣንስትዮ መሃረን። የሱስ ነቲ ረቢታት ዝነበሮም ደቂ ኣንስትዮ ኺምሃራ ኸም ዘይብለን ዚሕብር ኣረኣእያ ብምንጻግ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ምሂርወንን ሓሳባተን ኪገልጻ ኣተባቢዕወንን እዩ። ማርያም ካብኡ ኽትምሃሮ እትኽእል ትምህርቲ ኸየምልጣ ብምዝራብ፡ ናብራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ክሽነ ጥራይ እተሓጽረ ኸም ዘይኰነ ኣርኣየ። (ሉቃስ 10:38-42) ማርታ ሓብቲ ማርያም ድሕሪ ሞት ኣልኣዛር ንየሱስ ዝሃበቶ መልሲ፡ ንሳ እውን ካብ ትምህርትታት የሱስ ጥቕሚ ኸም ዝረኸበት ዚሕብር እዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 11:21-27

የሱስ ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ዚህባኦ ሓሳባት ይግደሰሉ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መብዛሕትአን ኣይሁዳውያን ኣዴታት፡ ንፉዕ ወዲ፡ እንተ ተኻኢሉ ኸኣ ነብዪ ኺወልዳ ይደልያ ነበራ። ሓንቲ ሰበይቲ ንየሱስ፡ ‘ዝጾረትካ ኸርሲ ብጽእቲ እያ’ ምስ በለቶ፡ ንሱ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ዝሓሸ ነገር ነገራ። (ሉቃስ 11:27, 28) ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ፡ መንፈሳውነት ምዃኑ ብምሕባር፡ ካብቲ ባህሊ ኣይሁድ ብዛዕባ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ዚገልጾ ሓሳብ ዚበልጽ ነጥቢ ጠቐሰላ።—ዮሃንስ 8:32

እቲ የሱስ ዝሃቦ ትምህርቲ፡ ሎሚ ዘሕደሮ ጽልዋ፦ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ መምህራን፡ ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚህባኦ ሓሳባት ብሓጐስ ይቕበልዎ እዮም። ንብሱላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኰነ ጽቡቕ ኣብነት ብምዃን “መሃርቲ ሰናይ” ስለ ዝዀና፡ የኽብርወን እዮም። (ቲቶስ 2:3) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ እውን፡ ኣባታተን ይውከሉ እዮም።—መዝሙር 68:11፣ ነታ ኣብ ላዕሊ ዘላ፡ “ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኸይዛረባ ኸልኪሉ ድዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

የሱስ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ይግደስ ነበረ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ፡ ደቂ ተባዕትዮ ይፍተዉ ነበሩ። ታልሙድ እውን እንተ ዀነ፡ “ኣወዳት ዝወለደ ሕጉስ እዩ፣ ኣዋልድ ዝወለደ ግና ወይለኡ” ስለ ዚብል፡ ነቲ ሓሳብ ይድግፎ እዩ። ገሊኦም ወለዲ ንጓሎም ሰብኣይ ኬማጽኡላን ገዝሚ ኪኸፍሉን ስለ ዘለዎም፡ ኣብ ግዜ እርጋኖም ከኣ ኣለይ መለይ ክትብሎም ስለ ዘይትኽእል፡ ንጓል ኣንስተይቲ ኸም ጾር ገይሮም እዮም ዚርእይዋ ነይሮም።

የሱስ ንጓል ያኢሮስን ንሓደ ኣብ ናይን ዚነብር ዝነበረ ወዲ ሓንቲ መበለትን ካብ ሞት ብምትንሳእ፡ ህይወት ሓንቲ ጓል፡ ልክዕ ከም ህይወት ሓደ ወዲ ኣገዳሲት ከም ዝዀነት ኣርኣየ። (ማርቆስ 5:35, 41, 42፣ ሉቃስ 7:11-15) ንሓንቲ “ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ መንፈስ ድኻም ዝሐደራ ሰበይቲ” ምስ ኣሕወያ፡ “ጓል ኣብርሃም” ኢሉ ጸውዓ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ጽሑፋት ኣይሁዳውያን ዘይተለምደ እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 13:10-16) የሱስ ግና ነቲ ኣኽብሮታውን ለውሃት ዝመልኦን ኣዘራርባ ብምጥቃም፡ እታ ሰበይቲ ኣገዳሲት ኣባል እቲ ሕብረተሰብ ከም ዝዀነት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዓባይ እምነት ከም ዘላታ ገይሩ እውን ከም ዚርእያ ገለጸ።—ሉቃስ 19:9፣ ገላትያ 3:7

እቲ የሱስ ዝሃቦ ትምህርቲ፡ ሎሚ ዘሕደሮ ጽልዋ፦ ኣብ እስያ፡ “ጓል ምዕባይ፡ ኣታኽልቲ ጐረቤትካ ማይ ከም ምስታይ እዩ” ዚብል ምስላ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ፈቃራት ክርስትያን ወለዲ፡ በዚ ኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ስለ ዘይጽለዉ፡ ንዅሎም ደቆም፡ ማለት ንኣወዳቶምን ንኣዋልዶምን ይከናኸንዎም እዮም። ክርስትያን ወለዲ፡ ኵሎም ደቆም ግቡእ ትምህርትን ሕክምናን ከም ዚረኽቡ ኺገብሩ እዮም ዚጽዕሩ።

የሱስ ንደቂ ኣንስትዮ ይኣምነን ነበረ። ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኣይሁድ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዚህባኦ ምስክርነት ምስቲ ባሮት ዚህብዎ ምስክርነት ጥራይ እዩ ማዕረ ጌርካ ዚርአ ዝነበረ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ጆሰፈስ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ፡ “ቍም ነገረኛታትን ህዱኣትን ስለ ዘይኰና፡ ደቂ ኣንስትዮ ዜቕርባኦ መርትዖ ተቐባልነት የብሉን” ኢሉ ነበረ።

ብኣንጻሩ ግና የሱስ፡ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ንኺምስክራ ዝመረጸን ንደቀ ኣንስትዮ እዩ። (ማቴዎስ 28:1, 8-10) እዘን እሙናት ኣንስቲ እዚአን፡ የሱስ ኪስቀልን ኪቕበርን ከሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እኳ እንተ ነበራ፡ እቶም ሃዋርያት ግና ነቲ እተን ኣንስቲ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ እተዛረባኦ ዘረባ ኺኣምንዎ ኣይከኣሉን። (ማቴዎስ 27:55, 56, 61፣ ሉቃስ 24:10, 11) ይኹን እምበር፡ የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንፈለማ እዋን ንደቂ ኣንስትዮ እዩ ተራእይወን፣ ከምኡ ዝገበረ፡ ንሳተን እውን ልክዕ ከም ካልኦት ደቀ መዛሙርቱ ምስክርነት ኪህባ ኸም ዚኽእላ ይተኣማመነለን ስለ ዝነበረ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8, 14

እቲ የሱስ ዝሃቦ ትምህርቲ፡ ሎሚ ዘሕደሮ ጽልዋ፦ ኣብተን ሎሚ ዘለዋ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰብኡት፡ ነቲ ደቂ ኣንስትዮ እተዓዘባኦ ትዕዝብቲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንደቂ ኣንስትዮ ሓልዮት የርእይወን እዮም። ክርስትያን ሰብኡት እውን፡ ንኣንስቶም ጽን ኢሎም ብምስማዕ፡ ‘የኽብርወን’ እዮም።—1 ጴጥሮስ 3:7፣ ዘፍጥረት 21:12

ንሓጐስ ደቂ ኣንስትዮ ኣበርክቶ ዝገብር ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

ደቂ ተባዕትዮ ንክርስቶስ ኪመስልዎ ኸለዉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ፈለማ ዓሊሙለን ዝነበረ ኣኽብሮትን ናጽነትን ይረኽባ እየን። (ዘፍጥረት 1:27, 28) ክርስትያን ሰብኡት፡ ነቲ ወዲ ተባዕታይ ብጾታ ኻብ ደቂ ኣንስትዮ ኸም ዚበልጽ ዚገልጽ ሓሳብ ኣይድግፍዎን እዮም፣ የግዳስ፡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሑ እዮም ዚጽዕሩ፣ እዚ ኸኣ ነታ መጻምድቶም የሐጕሳ እዩ።—ኤፌሶን 5:28, 29

የለና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን፡ ንሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰብኣያ ተጻዊራ እያ እትነብር ነይራ። ዓመጽ ኣብ ዝበዝሖ፡ ማለት ዘረፋን ኣካላዊ ማህሰይትን ልሙድ ኣብ ዝዀነሉ ኸባቢ እያ ዓብያ። ከምዚ ድማ በለት፦ “እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ትምህርቲ፡ ብርታዐ ሃበኒ። ዜፍቅረንን ኣኽቢሩ ዚርእየንን ብዛዕባይ ዚግደስን ኣካል ከም ዘሎ ተረዳእኩ። ብዘይካዚ፡ ሰብኣየይ ምሳይ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣጽኒዑ፡ ኣረኣእያኡ ኪቕየር ከም ዚኽእል ተገንዘብኩ።” ሰብኣያ ኣብ መወዳእታኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ምስ ተሰማምዐ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ኸኣ ምስ ተጠምቀ፡ ሓሳብ ልባ ሰመረላ። “ርእሰ ግትኣት ብምርኣይ ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ኰነ። ንሓድሕድና ይቕረ ኽንብሃሃል ተማሂርና ኢና” በለት። እሞኸ የለና ኣብ ምንታይ መደምደምታ በጽሐት፧ “ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተደላዪት ኰይኑ ኸም ዚስምዓንን ኣብ ሓዳረይ ዕቝባ ኸም ዝረክብን ገይሩ እዩ” በለት።—ቈሎሴ 3:13, 18, 19

ከም ናይ የለና ዝበለ ብዙሕ ተመክሮታት ኣሎ። ብሚልዮናት ዚቝጸራ ክርስትያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስ ሰብኡተን ብሓባር ኰይነን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳረን ኪትግብራኦ ስለ ዚጽዕራ፡ ሕጉሳት እየን። ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ክርስትያን ብጾተን ኪዀና ኸለዋ ኸኣ፡ ኣኽብሮትን ምጽንናዕን ናጽነትን ይረኽባ እየን።—ዮሃንስ 13:34, 35

ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን፡ ሓጥኣንን ዘይፍጹማትን ሰባት ከም ምዃኖም መጠን፡ ‘ንኸንቱ ተገዚኦም’ ከም ዘለዉ ይግንዘቡ እዮም። ይኹን እምበር፡ ናብቲ ፈቃር ኣምላኾምን ኣቦኦምን ዝዀነ የሆዋ ብምቕራብ፡ ‘ካብ ባርነት ጥፍኣት ሓራ ናይ ምውጻእን’ “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ናይ ምርካብን ተስፋ ኸም ዚረኽቡ ይፈልጡ እዮም። ከመይ ዝኣመሰለ ንደቂ ተባዕትዮን ንደቂ ኣንስትዮን ዚኸውን ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ!—ሮሜ 8:20, 21

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን]

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኸይዛረባ ኸልኪሉ ድዩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣንስቲ ኣብ ማሕበር . . . ስቕ ይበላ” ኢሉ ጽሒፉ ነበረ። (1 ቈረንቶስ 14:34) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ምስትውዓል ኣትሒቱ ድዩ ዚርእዮ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኺምህራኦ ዚኽእላ ጥዑይ ትምህርቲ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:26፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ ቲቶስ 2:3-5) ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ብቛንቋታት ናይ ምዝራብን ናይ ምንባይን ውህበት ዝነበሮም ውልቀ ሰባት እውን፡ ካልእ ኣማኒ ኺዛረብ ከሎ፡ ንሳቶም ‘ስቕ ኪብሉ’ ነጊርዎም ነይሩ እዩ። * (1 ቈረንቶስ 14:26-30, 33) ምናልባት ገሊአን ክርስትያን ኣንስቲ፡ ነቲ ሓድሽ እምነተን ኣዝየን ስለ እተሓጐሳሉ፡ ሕቶ ንምሕታት ነቲ ተዛራባይ ይዀልፋኦ ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን፣ ኣብቲ ኸባቢ ድማ፡ ከምኡ ምግባር እተለምደ እዩ ነይሩ። ከምዚ ዓይነት ዝርግርግ ምእንቲ ኸይህሉ ኢሉ እዩ ጳውሎስ ንደቂ ኣንስትዮ ብዚምልከት፡ “ገለ ኺምሀራ እንተ ደለያ፡ ኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ” ዝበለ።—1 ቈረንቶስ 14:35

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 24 ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለወን ግደ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ገጽ 23 ዘላ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀና ኣገልገልቲ ኣለዋኦም ድየን፧” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንማርያም መግደላዊት፡ ንሃዋርያት ብዛዕባ ትንሳኤኡ ንኽትነግሮም ብምልኣኽ ኣኽበራ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚስዕቡ ሰባት፡ ንደቂ ኣንስትዮ የኽብርወን