ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

8ይ ክፋል

ዜሕዝን ኵነታት ኬጋጥም ከሎ

ዜሕዝን ኵነታት ኬጋጥም ከሎ

“ንቝሩብ ግዜ ብእተፈላለየ ፈተናታት ክትጕህዩ እኳ እንተ ኣሎኩም፡ በዚ ባህ ይብለኩም ኣሎ።”—1 ጴጥሮስ 1:6

ሓጐስ ዝመልኦ ሓዳርን ስድራ ቤትን ኪህልወካ እኳ እንተ ጸዓርካ፡ ሓጐስ ከም እትስእን ዚገብር ሃንደበታዊ ዅነታት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። (መክብብ 9:11) ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ ይሕግዘና እዩ። ነዚ ዚስዕብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እንተ ስዒብካዮ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ንዝኸፍአ ዅነታት እውን እንተ ዀነ ኽትዋጽኡሉ ትኽእሉ ኢኹም።

1 ኣብ የሆዋ ተወከል

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ጭንቀትኩም ናብኡ ደርብይዎ።” (1 ጴጥሮስ 5:7) ኣምላኽ በቲ ዜጋጥመካ ዘሎ ፈተናታት ተሓታቲ ኸም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። (ያእቆብ 1:13) ናብኡ ብዝያዳ ብዝቐረብካ መጠን፡ ብዝበለጸ መገዲ ኺሕግዘካ እዩ። (ኢሳይያስ 41:10) ስለዚ፡ ‘ልብኻ ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስስ።’—መዝሙር 62:8

በብመዓልቱ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብምጽናዕን እውን ክትጸናናዕ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ‘ኣብ ኵሉ ጸበባና ብኸመይ ከም ዜጸናንዓና’ ኽትምከሮ ኢኻ። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4፣ ሮሜ 15:4) ንሱ፡ “ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ከም ዚህበካ ተመባጺዑ ኣሎ።—ፊልጲ 4:6, 7, 13

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ህድእ ክትብልን ብንጹር ክትሓስብን ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ናብ የሆዋ ጸሊ

  • ኣማራጺታትካ ብምግምጋም፡ ብዝበለጸ ዜዋጽኣካ ግበር

2 ርእስኻን ስድራ ቤትካን ተኸናኸን

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ልቢ ብዓል ኣእምሮ፡ ፍልጠት የጥሪ፣ እዝኒ ጥበበኛ ኸኣ ፍልጠት ትደሊ።” (ምሳሌ 18:15) ነቲ ጕዳይ፡ ውሽጡን ውሻጠኡን ፍለጦ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤትካ እንታይ ከም ዜድልዮ እውን ፍለጥ። ኣዘራርቦም። ስምዓዮም ድማ።—ምሳሌ 20:5

እተፍቅሮ ሰብ እንተ ሞይቱኸ፧ ስምዒትካ ኣይትሕባእ። የሱስ እውን ‘ከም ዝነብዐ’ ዘክር። (ዮሃንስ 11:35፣ መክብብ 3:4) ብዘይካዚ፡ እኹል ዕረፍትን ድቃስን ኣገዳሲ እዩ። (መክብብ 4:6) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ነቲ ዜጨንቕ ኵነታት ክትዋጽኣሉ ቐሊል ኪዀነልካ እዩ።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ዜሕዝን ኵነታት ከየጋጠመ ኸሎ፡ ወትሩ ምስ ስድራ ቤትካ እሂን ምሂን ናይ ምብህሃል ልማድ ኣማዕብል። ጸገማት ኬጋጥም ከሎ፡ ስድራ ቤትካ ፍዅስ ኢልዎም ኬዘራርቡኻ እዮም

  • ተመሳሳሊ ዅነታት ንዘጋጠሞም ሰባት ኣዘራርቦም

3 ሓገዝ ካልኦት ድለ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።” (ምሳሌ 17:17) ፈተውትኻ ኺሕግዙኻ እኳ እንተ ደለዩ፡ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ግና ኣይፈልጡን ይዀኑ። ስለዚ፡ ነቲ ብሓቂ ዜድልየካ ነገራት ካብ ምንጋር ድሕር ኣይትበል። (ምሳሌ 12:25) ብዘይካዚ፡ ካብቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚርድእዎ ሰባት፡ መንፈሳዊ ሓገዝ ድለ። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜርእዩኻ መምርሒ፡ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ያእቆብ 5:14

ምስቶም ብኣምላኽን በቲ ንሱ ዘተስፈዎ ተስፋታትን ዚኣምኑ ሰባት ኣዘውቲርካ ትሓብር እንተ ዄንካ፡ ዜድልየካ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ምትብባዕ ንዜድልዮም ሰባት ክትሕግዝ ከለኻ እውን፡ ዓብዪ ምጽንናዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ነዞም ሰባት እዚኦም፡ ብየሆዋን በቲ ዘተስፈዎ ተስፋታትን ከም እትኣምን ንገሮም። ግዜኻ ደገፍ ንዜድልዮም ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ኣሕልፎ፡ ካብቶም ዜፍቅሩኻን ዚሓልዩልካን ሰባት ከኣ ኣይትፈለ።—ምሳሌ 18:1፣ 1 ቈረንቶስ 15:58

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ንናይ ቀረባ ፈታዊኻ ኣዘራርቦ፣ ኪሕግዘካ ድማ ፍቐደሉ

  • ብዛዕባ እቲ ዜድልየካ ነገራት ብንጹርን ብቕንዕናን ተዛረብ