ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ህይወትን ሞትን—መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ህይወትን ሞትን እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ህይወትን ሞትን እንታይ ይብል፧

ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ዚርከብ ብዛዕባ ፍጥረት ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ሰብ ዝዀነ ኣዳም፡ “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ምብላዕካ ብላዕ። ብዛዕባ እታ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን ግና፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፣ ከመይሲ፡ በታ ኻብኣ እትበልዓላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ” ኸም ዝበሎ ነንብብ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) ካብዚ ንጹርን ቀሊልን ዝዀነ ሓሳባት እዚ፡ ኣዳም ንትእዛዝ ኣምላኽ እንተ ዚሕሉ፡ ከይሞተ ኣብ ገነት ኤደን ንዘለኣለም ኪነብር ይኽእል ከም ዝነበረ ኽንርኢ ንኽእል ኢና።

እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣዳም ተኣዚዙ ንዘለኣለም ኣብ ክንዲ ዚነብር፡ ሰበይቱ ሄዋን ንዝሃበቶ እተኸልከለት ፍረ ብምብላዕ ትእዛዝ ኣምላኽ ጥሒሱ እዩ። (ዘፍጥረት 3:1-6) ሳዕቤን እቲ ትእዛዝ ብምጥሓስ እተፈጸመ ተግባር፡ ሎሚ እውን ንርእዮ ኣለና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ” ብምባል ነዚ ገሊጽዎ ኣሎ። (ሮሜ 5:12) እዚ፡ “ሓደ ሰብ” ተባሂሉ ዘሎ ኣዳም እዩ። እቲ ሓጢኣት ግና እንታይ እዩ፧ ናብ ሞት ዚመርሕከ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ኣዳም ዝገበሮ ነገር፡ ማለት ደይ መደይ ኢሉ ዘይምእዛዙ ወይ ሕጊ ኣምላኽ ምጥሓሱ፡ ሓጢኣት እዩ። (1 ዮሃንስ 3:4) ከምቲ ኣምላኽ ንኣዳም ዝነገሮ ኸኣ መቕጻዕቲ ሓጢኣት፡ ሞት እዩ። ኣዳምን ናይ መጻኢ ዘርኡን ትእዛዝ ኣምላኽ ክሳዕ ዝሓለዉ፡ ኣይምሓጥኡን፣ ከቶ እውን ኣይምሞቱን ነይሮም። ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኪሞቱ ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ፈጢርዎም።

ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገለጾ፡ ሞት “ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ” ኸም ዘሎ ዜከራኽር ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ምስ ሞትና ገለ ኽፋል ሰብነትና ምንባር ይቕጽል ድዩ፧ ብዙሓት፡ ‘እወ’ ኢሎም ምመለሱ። ነፍስና ዘይትመውት ምዃና እዮም ዚዛረቡ። እዚ ግና ኣምላኽ ንኣዳም ከም ዝሓሰዎ እዩ ዚእምት። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ምስ ሞትና ገለ ኽፋል ሰብነትና ኣብ ካልእ ቦታ ዚነብር እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ሞት ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ መቕጻዕቲ ሓጢኣት ኣይምዀነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣምላኽ ኪሕሱ ኣይክእልን እዩ’ ይብለና። (እብራውያን 6:18) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ንሄዋን “ከቶ ኣይክትሞቱን ኢኹም” ብምባል ዝሓሰወ፡ ሰይጣን እዩ።—ዘፍጥረት 3:4

እዚ ግና ሕቶ የበግስ እዩ። እቲ ብዛዕባ ዘይትመውት ነፍሲ ዚገልጽ ትምህርቲ ኣብ ሓሶት እተመስረተ እንተ ዀይኑ፡ ድሕሪ ሞት ብሓቂ እንታይ እዩ ዜጋጥም፧

መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መልሲ

እቲ ብዛዕባ ፍጥረት ዚገልጽ ጸብጻብ ዘፍጥረት፡ “የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ፡ እቲ ሰብ ከኣ ህያው ፍጡር ኰነ” ይብል። እዚ “ህያው ፍጡር” ዚብል መግለጺ እዚ፡ ካብታ ቓል ብቓሉ “ዜተንፍስ ፍጡር” ዚብል ትርጉም ዘለዋ ነፈሽ * እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል እተተርጐመ እዩ።—ዘፍጥረት 2:7፣ እግረ ጽሑፍ።

እምበኣር፡ ሰባት ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘይብሎም መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ። የግዳስ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ “ህያው ፍጡር” እዩስለዚ ኸኣ ኢኻ ዝደለኻ እንተ ደለኻ “ዘይትመውት ነፍሲ” ዚብል ዘለዋ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ዘይትኽእል።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ገሊኦም ዚብልዎ፡ ሰባት ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላቶ ዘይምህር ካብ ኰነ፡ ስለምንታይ ደኣ እየን ብዙሓት ሃይማኖታት ምስዚ ዚጻረር ትምህርቲ ዚምህራ፧ እቲ መልሲ ናብ ጥንታዊት ግብጺ እዩ ዚመልሰና።

ኣረማዊ ትምህርቲ ኣስፋሕፊሑ

ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ሄሮዶተስ ዚብሃል ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ግብጻውያን ነፍሲ ኸም ዘይታመውት ዚኣምኑ ዝነበሩ ቐዳሞት ሰባት ምዃኖም ገሊጹ እዩ። ኣብ ባህሊ ጥንታውያን ባቢሎናውያን እውን ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላ ይኣምኑ ኸም ዝነበሩ ይንጸባረቕ ነይሩ እዩ። እስክንድር እቲ ዓብዪ ብ332 ቅ.ክ. ንማእከላይ ምብራቕ ኣብ እተቘጻጸረሉ እዋን፡ ፈላስፋታት ግሪኽ ነዚ ትምህርቲ እዚ ህቡብ ከም ዚኸውን ገይሮምዎ እዮም። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ናብ መላእ ግዝኣት ግሪኽ ኣስፋሕፊሑ እዩ።

“ዘይትመውት ነፍሲ” ዚብል ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ኢሰናውያንን ፈሪሳውያንን ዚብሃሉ ኽልተ ጕጅለ ሃይማኖት ኣይሁድ፡ ኣብ ግዜ ሞት ነፍሲ ኻብ ስጋ ተፈልያ ኸም እትነብር ይምህሩ ነይሮም። ዘ ጂዊሽ ኢንሳይክሎፔድያ ኸም ዝገለጾ፡ “ኣይሁድ ኣብ ዘይትመውት ነፍሲ ኺኣምኑ ዝጀመሩ፡ ብኣተሓሳስባ ግሪኻውያን ብቐንዱ ድማ ብፍልስፍና ፕላቶ ስለ እተጸልዉ እዩ።” ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ጆሰፈስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ነዚ ትምህርቲ እዚ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይኰነስ፡ ምስቲ ኸም እኩብ ዛንታታትን ጽውጽዋያትን ገይሩ ዚርእዮ “እምነት ደቂ ግሪኽ” እዩ ኣተሓሒዝዎ።

ባህሊ ግሪኽ ጽልዋኡ እናኣስፋሕፍሐ ኪኸይድ ከሎ፡ ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ነዚ ኣረማዊ ትምህርቲ እዚ ተቐበልዎ። ዮና ለንደሪንግ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ፡ “እቲ ነፍስና ሓደ እዋን ኣብ ዝሓሸ ቦታ ኸም ዝነበረት፡ ሕጂ ግና ኣብ ዝወደቐት ዓለም ትነብር ከም ዘላ ዚገልጽ ጽንሰ ሓሳብ ፕላቶ፡ ንፍልስፍና ፕላቶ ምስ ክርስትና ንምጽንባር ቀሊል ከም ዚኸውን ገይርዎ እዩ።” በዚ ኸምዚ፡ እቲ ብዛዕባ ዘይትመውት ነፍሲ ዚገልጽ ኣረማዊ ሰረተ እምነት ኣብታ “ክርስትያናዊት” ቤተ ክርስትያን ኣተወ፣ ቀንዲ ኽፍሊ እምነታታ ድማ ኰነ።

‘ሓቂ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ’

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “በቲ ዳሕራይ እዋናት ግና፡ ገሊኦም ብድራኸ መንፈስ ናብ ዚዝረብ ዜስሕት ዘረባታትን ናብ ትምህርትታት ኣጋንንትን እናኣቕለቡ፡ ካብ እምነት ከም ዚወድቁ፡ እቲ ብድራኸ መንፈስ እተዘርበ ቓል ብንጹር ይብል እዩ” ኢሉ መጠንቀቕታ ሂቡ ነይሩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:1) እዘን ቃላት እዚአን፡ ሓቂ ዀይነን ተረኺበን እየን። ሰረተ እምነት ዘይትመውት ነፍሲ ኸኣ፡ ሓደ ኻብ “ትምህርትታት ኣጋንንቲ” እዩ። ብመጽሓፍ ቅዱስ ዚድገፍ ኣይኰነን፣ ምንጩ ድማ ካብቲ ጥንቲ ዝነበረ ኣረማዊ ሃይማኖታትን ፍልስፍናታትን እዩ።

እቲ ዜሐጕስ፡ የሱስ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፣ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ዮሃንስ 8:32) ብዛዕባ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ፍልጠት ምስ እነጥሪ፡ ካብቲ ብዙሓት ሃይማኖታት ዓለም ዜስፋሕፍሓኦ ንኣምላኽ ዜሕስር ትምህርትታትን ተግባራትን ሓራ ኽንወጽእ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ፡ ካብ መቝሕ እቲ ምስ ሞት ዚተሓሓዝ ልምድታትን ማሪትን ሓራ የውጽኣና እዩ።—“ ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ 70 ወይ 80 ዓመት ጥራይ ኪነብሩ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ካልእ ዓለም ንዘለኣለም ኪነብሩ ዕላማ ፈጣሪና ኣይነበረን። እቲ ናይ መጀመርታ ዕላማኡ፡ ሰብኣውያን ፍጡራቱ እዙዛት ውሉዳት ብምዃን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ነይሩ። እዚ ዓብዪ ዕላማ እዚ መግለጺ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ እዩ፣ ከይተፈጸመ ድማ ኣይኪተርፍን እዩ። (ሚልክያስ 3:6) ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ዚብል ዜጸናንዕ ቃላት ጽሒፉ እዩ።—መዝሙር 37:29

 

^ ሕ.ጽ. 9 ኣብ ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ከም ትርጉም 1956፡ እዛ ነፈሽ እትብል ቃል፡ “ህያው ነፍሲ” ተባሂላ እኳ እንተ ተተርጐመት፡ ኣብ ሓያሎ ዘመናዊ ትርጉማት፡ “ህያው ፍጡር” (ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል)፡ “ህያው ሰብ” (ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን፡ ዘ ጀሩሳሌም ባይብል)፡ “ኪነብር ጀመረ” (ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን)፡ ወይ “ሕይወት ዘለዎ ኾነ” (ትርጉም 1990) ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ።