ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ንውሉድካ ብኸመይ ከም እትንእዶ

ንውሉድካ ብኸመይ ከም እትንእዶ

ጸገም

ገሊኦም ሰባት ንውሉድ እምብዛ ምንኣድ ዚብሃል ነገር ከም ዘየልቦ ይዛረቡ እዮም። ገሊኦም ግና ንውሉድ ወትሩ ምንኣድ፡ የበላሽዎ፡ ድሌቱ ኺገብር መሰል ዘለዎ ዀይኑ ከም ዚስምዖ ኸኣ ይገብር ኢሎም ይኣምኑ።

ንውሉድካ ኽንደይ ሳዕ ክትንእዶ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንታይ ዓይነት ናእዳ ኸም እትህቦ እውን ክትሓስበሉ ኣሎካ። እንታይ ዓይነት ናእዳ እዩ ንውሉድካ ዜተባብዖ፧ እንታይ ዓይነት ናእዳኸ ዕንቅፋት ኪዀኖ ይኽእል፧ ብሉጽ ፍረ ኼፍሪ ዚኽእል ናእዳ ብኸመይ ክትህቦ ትኽእል፧

ክትፈልጦ ዘሎካ

ኵሉ ናእዳ ማዕረ ኣይኰነን። ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ።

ብዙሕ ናእዳ ጐዳኢ ኪኸውን ይኽእል። ገሊኦም ወለዲ ርእሰ ምትእምማን ውሉዶም ክብ ንምባል ዘይግብኦም ናእዳ ይህብዎም እዮም። ዶክተር ዴቪድ ዎልሽ ግና፡ ቈልዑ “ተጋንን ከም ዘለኻ የስተውዕሉን እቲ እትብሎ ዘለኻ ናይ ሓቂ ኸም ዘይኰነ ይርድኦምን እዩ” ኢሉ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ እቲ ናእዳ “ኸም ዘይግብኦም ይፈልጡ፡ . . . ኪኣምኑኻ ኸም ዘይክእሉ ድማ ኪድምድሙ ይኽእሉ እዮም” ኢሉ እዩ። *

ኣብ ክእለት እተመርኰሰ ናእዳ ይሓይሽ። ንኣብነት ጓልካ ናይ ስእሊ ተውህቦ ኣለዋ ንበል። ነዚ ኽእለት እዚ ዝያዳ ምእንቲ ኸተማዕብሎ፡ ክትንእዳ ንቡር እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምኡ ምግባርካ ጸገም ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ኣብ ክእለት ጥራይ እተመርኰሰ ናእዳ፡ ኣብቲ ብቐሊሉ ኸተማዕብሎ እትኽእል ክእለት ጥራይ ከተተኵር ከም ዘለዋ ኽትሓስብ ትኽእል እያ። ሓድሽ ብድሆታት ኬጋጥማ ኸሎ፡ ከም ዘይትኽእሎ ገይራ ብምሕሳብ፡ ካብኡ ትሃድም ትኸውን። ‘ብዙሕ ክጽዕር እንተ ኣሎኒ፡ እዚ ንዓይ ኣይከውንን እዩ። ስለዚ፡ ንምንታይ ዝደክም፧’ ክትብል ትኽእል እያ።

ኣብ ጻዕሪ እተመርኰሰ ናእዳ ኻብ ኵሉ ይበልጽ። ኣብ ክእለቶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ጻዕሮምን ትግሃቶምን እተመርኰሰ ናእዳ ዚረኽቡ ቘልዑ፡ ክእለት ንምርካብ ትዕግስትን ጻዕርን ከም ዜድሊ ይግንዘቡ እዮም። ሌቲን ጎ ዊዝ ላቭ ኤንድ ኮንፊደንስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ “ነቲ ዚደልይዎ ውጽኢት ንምርካብ፡ ይጽዕሩ እዮም” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ “ዋላ እኳ እንተ ዘይተዓወቱ፡ ንርእሶም ከም ፍሹላት ዘይኰነስ፡ ከም ሰልጠንቲ እዮም ዚርእይዋ” ትብል።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ክእለት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጻዕሪ ንኣድ። ንውሉድካ “ንፍዕቲ ሰኣሊት ኢኺ” ኣብ ክንዲ ምባል፡ “ነዚ ስእልኺ ብዙሕ ኢኺ ጽዒርክሉ” ምባል ይሓይሽ። እዚ ኽልቲኡ ናእዳ እዩ፣ እቲ ቐዳማይ ግና ውሉድካ ነቲ ተውህቦኣ ጥራይ ናይ ምምዕባል ክእለት ከም ዘለዋ ኺእምት ይኽእል እዩ።

ነቲ ውሉድካ ዝገበረቶ ጻዕሪ ምስ እትንእድ ግና፡ መንፍዓት ምስ ልምዲ ኸም ዚርከብ ኢኻ ትምህራ ዘለኻ። ሓድሽ ብድሆታት ምስ ዜጋጥማ ድማ፡ ብምትእምማን ክትዋጽኣሉ ኽትጽዕር ትኽእል እያ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 14:23

ንውሉድካ ፍሽለት ኪጻወር ሓግዞ። ንፉዓት ሰባት እኳ ይጋግዩ እዮም፣ አረ ብተደጋጋሚ እውን ኪጋገዩ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ 24:16) እንተዀነ ግና፡ ካብ ጌጋኦም ተማሂሮም ንቕድሚት ይስጕሙ እዮም። ውሉድካ ነዚ ኼማዕብል ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

ኣብቲ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኣተኵር። ንኣብነት፡ ንጓልካ ኣዘውቲርካ፡ “ኣብ ናይ ሕሳብ ትምህርቲ ንፍዕቲ ኢኺ” ትብላ እንተ ዄንካ እሞ ኣብ ፈተና ኸኣ እንተ ተሪፋ፡ ክእለት ስለ ዘይብላ ኸተምሓይሽ ክትጽዕር ከም ዘይብላ ዀይኑ ኺስምዓ ይኽእል እዩ።

ኣብ ጻዕሪ እንተ ኣተኲርካ ግና፡ ጽንዕቲ ኽትኸውን ኢኻ ትምህራ ዘለኻ። በዚ ኸምዚ ድማ ውሉድካ ዕንቅፋት ኬጋጥማ ኸሎ፡ ከም ፍሽለት ገይራ ኸይትወስዶ ትሕግዛ። ስለዚ፡ ተስፋ ኣብ ክንዲ እትቘርጽ፡ ዝያዳ ኽትጽዕር እያ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ያእቆብ 3:2

ሃናጺ ነቐፌታ ሃብ። ብግቡእ እተዋህበ ነቐፌታ ንቘልዓ ይጠቕሞ እምበር፡ ኣይጐድኦን እዩ። ብተመሳሳሊ እውን፡ ግቡእ ናእዳ ነቲ ዚውሃቦ ርእይቶ ተቐቢሉ ኸም ዚመሓየሽ እዩ ዚገብሮ። ሽዑ፡ ንስኻን ውሉድካን ብዕዮኡ ኽትዓግቡ ኢኹም።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 13:4

^ ሕ.ጽ. 8 ኖ፦ ዋይ ኪድስ—ኦቭ ኦል ኤጅስ—ኒድ ቱ ሂር ኢት ኤንድ ወይስ ፓረንትስ ካን ሰይ ኢት ካብ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።