ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

መወዳእታ ዓለም

መወዳእታ ዓለም

ኣብ 1 ዮሃንስ 2:17፡ “ዓለም ከኣ ትሓልፍ እያ ዘላ፡ ትምኒታ እውን ከምኡ” ዚብል ነንብብ ኢና። እታ እትሓልፍ “ዓለም” እንታይ እያ፧ መዓስን ብኸመይንከ እያ እትሓልፍ፧

መወዳእታ ዓለም ኪብሃል ከሎ፡ ዓለም እንታይ ተመልክት፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

እታ ዓለም ተባሂላ ዘላ፡ ኣምላኽ ዘይቅበሎ ዓይነት ‘ትምኒት’ ስለ ዘለዋ፡ እዛ እንነብረላ ዓለም ከም ዘይኰነት መሸም ርዱእ እዩ። የግዳስ፡ ነቶም ጸላእቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ደቂ ሰብ እያ እተመልክት። (ያእቆብ 4:4) ንሳቶም ከኣ፡ “ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ኪቕጽዑ እዮም።” (2 ተሰሎንቄ 1:7-9) እቶም ንትእዛዝ የሱስ ክርስቶስ ብምሕላው ‘ካብ ዓለም ዘይኰኑ’ ግና፡ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎም።—ዮሃንስ 15:19

እወ፡ መወዳእታ እታ ኣብ 1 ዮሃንስ 2:17 እትርክብ ጥቕሲ፡ “እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ትብል እያ። ከምቲ ኣብ መዝሙር 37:29 “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ፡ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ዚብሎ፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ኣለዎም።

“ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የላን።”1 ዮሃንስ 2:15

መወዳእታ ዓለም ብኸመይ ይመጽእ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መወዳእታ ዓለም ክልተ ቐንዲ ፍጻመታት ኣለዎ። ፈለማ፡ ኣምላኽ ነታ ንዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት እተመልክት፡ ብኣመንዝራ እተመሰለት “ዓባይ ባቢሎን” ኬጥፍኣ እዩ። (ራእይ 17:1-5፣ 18:8) ከመይሲ፡ ንኣምላኽ እምንቲ እየ እናበለት ክነሳ፡ ምስ መራሕቲ ፖለቲካ እዛ ዓለም ትሓብር እያ። እንተዀነ ግና፡ እዞም መራሕቲ እዚኦም ኪግልብጥዋ እዮም። “[ንሳቶም] ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬጥፍእዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊ ኺህምኽዋን እዮም።”—ራእይ 17:16

ቀጺሉ ድማ፡ ቈላሕታኡ ናብቶም “ነገስታት ብዘላ ዓለም” ተባሂሎም ዘለዉ ፖለቲካውያን ገዛእቲ ኺገብር እዩ። ምስ ኵሎም ክፉኣት ሰባት ብሓባር ከኣ በቲ “ኣርማጌዶን” ተባሂሉ እውን ዚጽዋዕ “ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ኪጠፍኡ እዮም።—ራእይ 16:14, 16

“ኣቱም . . . ትሑታት ምድሪ ዅላትኩም፡ ንእግዚኣብሄር ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሐባእኩምሲ፡ ጽድቂ ድለዩ፡ ትሕትና ድለዩ።”ጸፎንያስ 2:3

መወዳእታ ዓለም መዓስ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብ መላእ ዓለም ንዚነብሩ ሰባት ብዛዕባ እታ ንሰብኣዊ ግዝኣት እትትክእ መንግስቲ፡ ማለት መንግስቲ ኣምላኽ እኹል ምስ ተሰብከ እዩ መወዳእታ ዓለም ዚመጽእ። (ዳንኤል 7:13, 14) የሱስ ክርስቶስ፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) እዚ ዕዮ ስብከት እዚ፡ ንፍትሕን ምሕረትን ኣምላኽ ዜጕልሕ እዩ፣ ሓደ ኻብ መዳያት እቲ “ምልክት” መወዳእታ ዓለም ከኣ እዩ። ገለ ኻብቲ መዳያት እቲ ምልክት ከኣ ኣህጕራዊ ውግእን ምንቅጥቃጥ ምድርን ለበዳን ጥሜትን ኪጥቀስ ይከኣል።—ማቴዎስ 24:3፣ ሉቃስ 21:10, 11

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍጻመታት ዓለም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰባት “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ብዛዕባ ዚህልዎም ባህርያት እውን ኪገልጽ ከሎ፡ “ጽንኩር ግዜ ኸም ዚመጽእ ግና፡ እዚ ፍለጥ። ሰባትሲ ፈተውቲ ርእሶም፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ . . . ንወለዶም ዘይእዘዙ . . . ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ . . . ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ብዝያዳ ተድላ ዚፈትዉ . . . ኪዀኑ እዮም” ይብል እዩ። *2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

እዛ ኽፍእቲ ዓለም ‘ክትሓልፍ እያ።’ —1 ዮሃንስ 2:17

እዚ ፍጻመታት እዚ፡ ኣብታ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ዝጀመረትላ ዓመት፡ ማለት ኣብ ከባቢ 1914 ተራእዩ እዩ። ካብታ ዓመት እቲኣ ንነጀው ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ተኣዊጁ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ዕዮ እዚ ምዕያዮም ከም ክብሪ እዮም ዚቘጽርዎ። አረ ኣርእስቲ እታ ቐንዲ መጽሔቶም እውን መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ እዩ ዚብል።

“እምበኣር፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ወይስ ነታ ሰዓት እቲኣ ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።”ማቴዎስ 25:13

^ ሕ.ጽ. 14 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 9 ርአ። እታ መጽሓፍ፡ ኣብ www.mt711.com እውን ትርከብ እያ።