ግምቢ ዘብዐኛ ጥቅምቲ 2013 | መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝመጻእናን ኣምላኽ ብመሲሕ ኣቢሉ ንደቂ ሰብ ንምድሓን እንታይ መሰናድዎ ኸም ዝገበረን ይገልጸልና።

ገበር

መጽሓፍ ቅዱስ ኬገድሰካ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መጽሓፍ ምዃኑ እውን ባዕሉ ይነግረና እዩ። ካብኡ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

ገበር

ከመይ ኢልና ኢና መጺእና፧

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መጀመርታ እትርከብ መጽሓፍ፡ ማለት ዘፍጥረት፡ ዩኒቨርስ ብኸመይ ከም ዝመጸ፡ ብሒደት ቃላት ገሊጻቶ ኣላ። ካብ ዘፍጥረት እንታይ ካልእ ትምህርቲ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

ገበር

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ንምድሓን መሰናድዎ ገበረ

ኣብቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዚኣተወሉ መብጽዓ እቲ መሲሕ ግደ ዝነበሮ ብኸመይ እዩ፧ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ካብ ሕማምን ስቓይን ሞትን ብኸመይ ሓራ ኸም ዜውጽኦም ርአ

ገበር

‘ንመሲሕ ረኺብናዮ’

መብዛሕትኦም ሰባት የሱስ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መሲሕ ከም ዝዀነ ይኣምኑ እዮም። ገሊኣቶም ግና ኣይኣምኑን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል መርምር።

ገበር

ንዅሎም ደቂ ሰብ ዚኸውን ብስራት

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ መልእኽቲ፡ ንሕጅን ንዚመጽእን ዚጠቕመካ ብኸመይ እዩ፧

ድሕሪ ፍትሕ ንቕድሚት ምስጓም

ዳርጋ ኵሎም እተፋትሑ ሰባት፡ ድሕሪ ፍትሕ ዘሎ ናብራ ህይወት፡ ካብቲ እተጸበይዎ ንላዕሊ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነ እዩ ዚስምዖም። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ግብራዊ ምኽሪ፡ ነዚ ብዓወት ንኽትሰግሮ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ንኣምላኽ ቅረቦ

‘የሆዋ ብናጻ ይቕረ በለልኩም’

ኣምላኽ ንእተነስሑ ሓጥኣን ብፍታው ይቕረ ይብለሎም። እዚኸ ነቲ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ብኸመይ ኪጸልዎ ይግባእ፧ ይቕረ ምባል ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

“ሓያሎ ሰባት ጸልኡኒ”

ሓደ ዓመጸኛ ዝነበረ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዐ ብኸመይ ከም እተቐየረ ርአ።

ሕብሪ ብኸመይ ይጸልወካ፧

ሕብሪ ኣብ ስምዒት ሰባት ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ሰለስተ ሕብርን ብኸመይ ኪጸልወካ ኸም ዚኽእልን ርአ።

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም፧ ክትንስኡ ይኽእሉ ድዮም፧

ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ በቤት ዚኸዱ ስለምንታይ እዮም፧

የሱስ ነቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ እንታይ ከም ዝበሎም ኣንብብ።