ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኬገድሰካ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኬገድሰካ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ ህቡብ ዝዀነ መጽሓፍ እዩ። ስለምንታይ፧ ቀዳማይ፡ ንኽትርድኦ ቐሊል እዩ። ከመይሲ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ናይ ሓቂ ሰባት፡ ኣብ ንሓድሕዶምን ምስ ኣምላኽን ብዛዕባ ዝነበሮም ርክብ ዚገልጽ ጸብጻብ ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ። እዚ ታሪኽ እዚ፡ ብቐሊልን ብዘይተሓላለኸን ቃላት ገይሩ ግብራዊ ትምህርቲ ይምህር፣ ከምኡ ብምዃኑ ድማ ብኣማእታት ቋንቋታት ኪትርጐምን ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ወይ እዋን ዚነብሩ ሰባት ኪርድእዎ ዚኽእሉን መጽሓፍ እዩ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ወትሩ ዚዓዪ እዩ።

ብዝያዳ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መጽሓፍ ምዃኑ እውን ባዕሉ ይነግረና እዩ። ከምኡውን፡ ብዛዕባ ስም ኣምላኽን ባህርያቱን ብዛዕባ እቲ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዝፈጠረሉ ዘይቅየር ዕላማኡን ይገልጸልና እዩ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን እተገብረ ቓልሲ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ማራኺ ዝዀነ ዩኒቨርሳዊ ታሪኽን ብዛዕባ እቲ ባህ ዜብል መደምደምታኡን ይገልጽ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኽፉት ኣእምሮ ምንባቡ፡ እምነትን ተስፋን ንምጥራይ መሰረት ዜንብር እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ካልእ ክንረኽቦ ዘይንኽእል ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ርእሰ ነገራት እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ይነግረና እዩ፦

  • ካበይ ከም ዝመጻእናን ስለምንታይ ከም እንሳቐን

  • ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ንምብጃው ዝገበሮ መሰናድዎ

  • የሱስ ዝገበረልና ነገር

  • መጻኢ ምድርን ደቂ ሰብን

ኣብዚ ቐጺሉ ዘሎ ገጻት ብምንባብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኸም ዘሎ ኽትፈልጥ ነተባብዓካ።