ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድሕሪ ፍትሕ ንቕድሚት ምስጓም

ድሕሪ ፍትሕ ንቕድሚት ምስጓም

“ከም ዝጸደፍኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ጽቡቕ ህይወት ክትመርሕ ጸኒሕካ፡ ሃንደበት፡ ምንም ዘይብልካ ትተርፍ።”—ማርክ፡ * ካብ ዚፋታሕ ሓደ ዓመት ዝገበረ።

“ሰብኣየይ ምስ ሓንቲ መሰታ ጓልና ዝዀነት ሰበይቲ ዝሙት ፈጸመ። ምስ ተፋታሓና፡ ካብቲ ሕማቕ ባህርያቱ እኳ እንተ ተገላገልኩ፡ ከም እተዋረድኩን ከም ዘይረብሕን ኰይኑ እውን ተሰምዓኒ።”—ኤመሊን፡ ካብ እትፋታሕ 17 ዓመት ዝገበረት።

ገሊኦም ሰባት ዚፋትሑ፡ ዝሓሸ ናብራ ህይወት ንኺነብሩ ኢሎም ኪዀኑ ኸለዉ፡ ገሊኣቶም ግና ኪፋትሑ እኳ እንተ ዘይደለዩ፡ ንመጻምድቶም ምስኦም ከም ዚነብር ኪገብርዎ ስለ ዘይክእሉ ይፋትሑ። ግናኸ፡ ዳርጋ ዅሎም ዚፋትሑ ሰባት፡ ድሕሪ ፍትሕ ዘሎ ናብራ ኻብቲ እተጸበይዎ ንላዕሊ ኸቢድ ኰይኑ እዮም ዚረኽብዎ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተፋታሕካ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ህይወትካ ኻብ ዜጋጠመካ ዜጨንቕ ነገራት፡ እዚ እቲ ዝኸፍአ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ስለዚ፡ ነቲ ብፍትሕ ዚመጽእ ብድሆታት ብዓወት ንኽትሰግሮ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ዝዀነ ምኽሪ ኽትምርምር ጠቓሚ እዩ።

ብድሆ 1፦ ኣሉታዊ ስምዒታት

ምስ ገንዘብን ቈልዑ ምዕባይን ጽምዋን እተተሓሓዘ ጭንቀት ኣዝዩ ኸቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እቲ ስምዒታት ቀልጢፉ ዜልግስ ኣይኰነን። ሕጂ ብህይወት ዘየላ፡ ስነ ኣእምሮኛ ጁዲት ዋለርስታይን ከም ዝገለጸቶ፡ ገሊኣቶም ምስ ተፋትሑ ዓመታት ጸኒሖም እውን ከይተረፈ፡ እተጠልሙን እተጠንጠኑን ኰይኑ ይስምዖም እዩ፣ “ህይወት ዘይፍትሓውን ተስፋ ዜቝርጽን ዜጸሙን” ኰይኑ ድማ ይስምዖም።

ክትገብሮ እትኽእል ነገር

  • በቲ ዝሰኣንካዮ ነገር ሓዘንካ ግለጽ። ነቲ ሕጂ እውን ከይተረፈ እተፍቅሮ መጻምድትኻ ዝነበረ ሰብ ትናፍቖ ትኸውን። እቲ ዝነበረኩም  ርክብ ሕማቕ እኳ እንተ ነበረ፡ ሕጂ እቲ ኣብ ሓዳር ክትረኽቦ እትኽእል ዝነበርካ ሓጐስ ስለ ዘይብልካ ትሓዝን ትኸውን። (ምሳሌ 5:18) ግዜ መዲብካ ‘ንኽትበኪ’ ኣይትሕፈር።—መክብብ 3:1, 4

  • ርእስኻ ኣይትፍለ። ሓዘንካ ንኽትገልጽ ብሕት ክትብል ዘድልየካ እኳ እንተ ዀነ፡ ንንውሕ ዝበለ እዋናት ርእስኻ ምፍላይ ግና ጥበባዊ ኣይኰነን። (ምሳሌ 18:1) ምስ ፈተውትኻ ኽትዘራረብ ከለኻ ዚሃንጽ ዘረባ ተዛረብ። ከመይሲ፡ ብዛዕባ እቲ መጻምድትኻ ዝነበረ ሰብ ብተደጋጋሚ ተማርር እንተ ዄንካ፡ መረረኻ መሰረት ኪህልዎ ዚኽእል እውን እንተ ዀነ፡ ንኻልኦት ሰባት ካባኻ ኸም ዚርሕቑ ኽትገብሮም ትኽእል ኢኻ። ምስ ተፋታሕካ ብኡብኡ ኣገዳሲ ውሳነታት ክትገብር ምስ ዜድልየካ፡ ንሓደ እትኣምኖ ሰብ ኣማኽሮ።

  • ጥዕናኻ ሓሉ። ብፍትሕ ዚመጽእ ጭንቀት፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ከም ልዑል ጸቕጢ ደም ወይ መርዘን ዝኣመሰለ ኣካላዊ ጸገማት እውን የምጽእ እዩ። ጽቡቕ ተመገብ፡ ኣካላዊ ምውስዋስ ግበር፡ ግቡእ ዕረፍቲ ድማ ውሰድ።—ኤፌሶን 5:29

  • ብዛዕባ እቲ መጻምድትኻ ዝነበረ ሰብ ሓርቖትካ ንዘለዓዕለልካ ወይ ንዘየድልየካ ነገራት ኣወግዶ። ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ወረቓቕቲ ግና ዓቅቦ። ናይ መርዓኹም ስእልታት፡ ዜጕህየካ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ሳጹን ጌርካ ንደቅኻ ኣቐምጠሎም።

  • ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኣወግድ። ኦልጋ፡ ሰብኣያ ዝሙት ስለ ዝፈጸመ ፈትሓቶ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “‘እታ ሰበይቲ፡ እንታይ ንዓይ ዘይብለይ ነገር ኰን እዩ ዘለዋ፧’ እናበልኩ ዅሉ ሳዕ ንርእሰይ እሓትታ እየ።” ጸኒሓ ግና፡ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እናደጋገምካ ምሕሳብ፡ ‘እተሰብረ መንፈስ’ ጥራይ ከም ዜምጽእ ተገንዘበት።—ምሳሌ 18:14

    ሓያሎ ሰባት ንሓሳባቶም ኣብ ጽሑፍ ምስፋሮም፡ ሓሳባቶም ንምንጻርን ንምቍጽጻርን ከም ዚሕግዞም ተገንዚቦም እዮም። ከምዚ እንተ ጌርካ፡ ነቲ ንኸተውግዶ እትቃለሶ ዘሎኻ ኣሉታዊ ሓሳባት ብሓድሽን ኣወንታውን ሓሳባት ክትትክኦ ጽዓር። (ኤፌሶን 4:23) ክልተ ኣብነታት ርአ፦

    ኣሉታዊ፦ መጻምድተይ ዘይእሙን ዝዀነ ብሰንከይ እዩ።

    ኣወንታዊ፦ መጻምድተይ ብሰንኪ ጕድለታተይ ኬታልለኒ መሰል የብሉን።

    ኣሉታዊ፦ እቲ ብሉጽ ዓመታተይ ምስ ዘይኰነኒ ሰብ ብኸንቱ ኣጥፊአዮ።

    ኣወንታዊ፦ ሕጉስ ክኸውን ዝኽእል ኣብ ህይወተይ ንድሕሪት ዘይኰነስ፡ ንቕድሚት ምስ ዝጥምት ጥራይ እዩ።

  • ነቲ ሰባት ዚህብዎ ጐዳኢ ሓሳባት ዕሽሽ በሎ። ፈተውትን ኣዝማድን ብጽቡቕ ድራኸ ተላዒሎም ጐዳኢ ወይ ኣባኻ ዘይዓዪ ዘረባ ኺዛረቡ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ‘ቀደሙ እውን ንዓኻ እትኸውን ኣይነበረትን’ ወይ ከኣ ‘ኣምላኽ ፍትሕ ይጸልእ እዩ’ * ይብሉኻ ይዀኑ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዚዝረብ ዘበለ ዅሉ ቓላት ኣይተቕልበሉ” ዚብል ምኽሪ ምሃቡ ብዘይምኽንያት ኣይኰነን። (መክብብ 7:21) ካብ እትፋታሕ ክልተ ዓመት ዝገበረት ማርቲና፡ “ብዛዕባ እቲ ጐዳኢ ዝዀነ ቓላት ኪሓስብ ኣይውዕልን እየ፡ ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ጕዳይ ብኣረኣእያ ኣምላኽ ክርእዮ እየ ዝጽዕር። ሓሳባቱ ኻብ ሓሳባትና ልዕል ዝበለ እዩ” በለት።—ኢሳይያስ 55:8, 9

  • ናብ ኣምላኽ ጸሊ። የሆዋ ንኣምለኽቱ፡ ‘ንዅሉ ጭንቀቶም ናብኡ ኺድርብይዎ’ የተባብዖም እዩ። ስለዚ፡ ብፍላይ ከቢድ ጭንቀት ኬጋጥሞም ከሎ ኸምዚ ኺገብሩ ይጽበዮም እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:7

ነዚ ፈትኖ፦ ኪሕግዘካ ዚኽእል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ጽሒፍካ፡ ኵሉ ሳዕ ክትርእዮ ኣብ እትኽእል ቦታታት ኣቐምጦ። ሓያሎ እተፋትሑ ሰባት፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጥቕስታት፡ ካብዚ ዚስዕብ ጥቕስታት እውን ተጠቒሞም እዮም፦ መዝሙር 27:10፣ 34:18፣ ኢሳይያስ 41:10፣ ሮሜ 8:38, 39

ቃል ኣምላኽ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ሓይሊ ኺህበካ ፍቐደሉ

ብድሆ 2፦ ምስቲ ናይ ቀደም መጻምድትኻ ዝነበረካ ርክብ

ኣብ ሓዳር 11 ዓመት ዝገበረት ጁልያና፡ “ንበዓል ቤተይ ምሳይ ኪነብር ለሚነዮ እየ። ጠንጢኑኒ ምስ ከደ ግና፡ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ እታ ዝኸዳ ሰበይትን ነደርኩ” በለት። ሓያሎ  እተፋትሑ ሰባት በቲ መጻምድቶም ዝነበረ ሰብ ንነዊሕ ዓመታት ይሓርቁ እዮም። ምስናይዚ ግና፡ ብፍላይ እኳ ቘልዑ ምስ ዚህልውዎም፡ ኣዘውቲሮም ሓሳብ ንሓሳብ ንኺለዋወጡ ይግደዱ እዮም።

ክትገብሮ እትኽእል ነገር

  • ምስቲ መጻምድትኻ ዝነበረ ሰብ ክትራኸብ ከለኻ ምቕሉል ኩን። ኣብ ኣገዳሲ ጕዳይ ጥራይ ብምትኳር፡ ሓሳባትካ ኣሕጽር ኣቢልካን ብንጹርን ግለጸሉ። ሓያሎ ሰባት ከምዚ ዓይነት ኣቀራርባ፡ ሰላም ከም ዜስፍን ተመኪሮምዎ እዮም።—ሮሜ 12:18

  • ዜቘጥዕ ዘረባ ኣይትዛረብ። ብፍላይ እኳ ኸም እተበደልካ ዀይኑ ኺስምዓካ ኸሎ፡ “እቲ ፍልጠት ዘለዎስ ቃላቱ ይቝጥብ” ንዚብል ጥበባዊ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ዕየየሉ። (ምሳሌ 17:27) ፍረ ንዘይብሉ ዝርርብ ናብ ጽቡቕ ክትመልሶ እንተ ዘይክኢልካ፡ “ነቲ ዝበልካዮ እንደገና ኽሓስበሉ ኼድልየኒ እዩ፡ ካልእ ግዜ ድማ ክንዘራረበሉ ኢና” ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ።

  • ብእተኻእለ መጠን ምስቲ ናይ ቀደም መጻምድትኻ ዘራኽበካ ነገራት ብተኮ፣ ንኣብነት፡ ኣብቲ ምስ ሕግን ገንዘብን ሕክምናን እተተሓሓዘ ሰነዳት ከም እትፈላለዩ ግበር።

ነዚ ፈትኖ፦ ኣብ ዚመጽእ እዋን ምስቲ ናይ ቀደም መጻምድትኻ ኽትራኸብ ከለኻ፡ ሓዴኹም ኪማጐት ወይ ኪተርር እንተ ጀሚሩ፡ ብኣጋኡ ኸተለልዮ ፈትን። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዝርርብ ንግዜኡ ኸተቋርጽዎ ሓሳብ ኣቕርብ፡ ወይ ከኣ ነቲ ጕዳይ ብኢ-መይል ንኽትመያየጡሉ ተሰማምዑ።—ምሳሌ 17:14

ብድሆ 3፦ ንደቅኻ ኺለምዱ ሓግዞም

ማርያ፡ ብዛዕባ እቲ ደድሕሪ እቲ ፍትሕ ዝነበረ ዅነታት ከምዚ ብምባል ትገልጾ፦ “እታ ንእሽቶ ጓለይ ምሉእ መዓልቲ ኽትበክን እንደገና ኣብ ዓራት ክትሸይንን ጀመረት። እታ ዓባይ ጓለይ እውን ስምዒታ ኽትሓብእ እኳ እንተ ፈተነት፡ ነቲ ዝነበራ እተፈልየ ስምዒት ከስተብህለሉ ኽኢለ እየ።” ንደቅኻ ኣብቲ እተድልዮም እዋን ንኽትሕግዞም ዜኽእል ግዜ ወይ ዓቕሚ ዘይብልካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን።

ክትገብሮ እትኽእል ነገር

  • ንደቅኻ ስምዒቶም ኪገልጹ ኣተባብዓዮም። እዚ፡ ‘ዘይተገትአ ዘረባ’ ንኺዛረቡ መገዲ ዚኸፍተሎም ኰይኑ እውን እንተ ተሰምዓካ፡ ከምኡ ኻብ ምግባር ኣይትቈጠብ።—እዮብ 6:2, 3

  • ንደቅኻ ልዕሊ ዓቕሞም ኪገብሩ ኣይትጸበዮም።ስምዒታዊ ደገፍ ኪግበረልካ ሃርር ትብል እኳ እንተ ዀንካ፡ እቲ ብዕድመ ንእሽቶ ዝዀነ ውሉድካ ነዚ ሓገዝ እዚ ኺገብረልካ ፍቓደኛ እውን እንተ መሰለ፡ ብዛዕባ እቲ ንዓበይቲ ዜጋጥሞም ጸገማት ኪሕግዘካ ምሕታቱ፡ ቅኑዕ ኣይኰነን፡ ጐዳኢ እውን እዩ። (1 ቈረንቶስ 13:11) ንውሉድካ ኸም ሓደ ምስጢርካ እተካፍሎ ሰብ፡ ወይ ከኣ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እቲ መጻምድትኻ ዝነበረ ሰብን ማእከላይ ወይ ልኡኽ ከም ዝዀነ ጌርካ ኣይትቝጸሮ።

  • ህይወት ውሉድካ ብጽቡቕ ከም ዚቕጽል ግበር። መንበርን መደባትን ኣይትቐያይር። ብዝያዳ ድማ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ፡ እንተላይ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣምልኾ ስድራ ቤትን ይሃልኹም።—ዘዳግም 6:6-9

ነዚ ፈትኖ፦ ኣብ ውሽጢ እዚ ሰሙን እዚ፡ ንደቅኻ ኸም እተፍቅሮም፡ ንስኻን መጻምድትኻን እተፋታሕኹም ድማ ብሰንኮም ከም ዘይኰነ ኣረጋግጸሎም። ሕቶታት ኪሓትቱ ኸለዉ፡ ንመጻምድትኻ ኸይነቐፍካ መልሰሎም።

ድሕሪ ፍትሕ እውን ህይወትካ ንቕድሚት ከም እትስጕም ክትገብር ትኽእል ኢኻ። መሊሳ ዝስማ ኣብ ሓዳር 16 ዓመት ዝገበረት ሰበይቲ፡ “ምስ ተፋታሕኩ፡ ‘ህይወተይ ናብዚ ኸምዚ ኽትቅየር ኣይኰንኩን ደልየ ነይረ’ ኢለ ሓሰብኩ” በለት። ኣብዚ ግዜ እዚ ግና፡ ኵነታታ ብዘየገድስ፡ ዕግበት ተሰሚዕዋ ትነብር ኣላ። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ነቲ ሕሉፍ ኵነታት ክቕይር ካብ ምፍታን ምስ ኣቋረጽኩ፡ ጽቡቕ ተሰምዓኒ” በለት።

^ ሕ.ጽ. 2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 18 ኣምላኽ ብምትላልን ብጕርሕን ዚግበር ፍትሕ ይጸልእ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ሰብ ምስ ዚምንዝር፡ ኣምላኽ ነቲ ንጹህ መጻምድቲ ንኺፋታሕ ወይ ንኸይፋታሕ ኪውስን መሰል ሂብዎ እዩ። (ሚልክያስ 2:16፣ ማቴዎስ 19:9) ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሕተም መጽሔት ንቕሑ!፡ ኣብ ናይ 8 ለካቲት 1994 ሕታም (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ—ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ፍትሕ እዩ ዚጸልእ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

  • ብሓቂዶ ግዜ መዲበ ብዛዕባ እቲ ፍትሕ ሓዘነይ እገልጽ እየ

  • ነቲ ብዛዕባ መጻምድተይ ዘሎኒ ቕሬታ ኻብ ውሽጠይ ንኽሓኮ እንታይ ክገብር እኽእል