ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

የሆዋ መሓርን ይቕረ በሃልን ምዃኑ ተመሃርኩ

የሆዋ መሓርን ይቕረ በሃልን ምዃኑ ተመሃርኩ
  • ዓመተ ልደት: 1954

  • መበቈል ሃገር: ካናዳ

  • ታሪኽ: መታለልን ተጣላዕን

ሕሉፍ ህይወተይ፦

ኣብ ከተማ ሞንትርያል፡ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ሰባት ኣብ ዚነብርሉ ኸባቢ እየ ዓብየ። ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ኸለኹ ኣቦይ ስለ ዝሞተ፡ ኵሉ ሓላፍነታት ስድራ ቤት ናብ ኣደይ እዩ ወዲቑ። ካብታ ሸሞንተ ቘልዑ ዝነበርዋ ስድራ፡ ኣነ ሕሳስ ልደ እየ ነይረ።

እናዓበኹ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን፡ መዓልታዊ ህይወተይ ኣብ ሓሽሽን ጠላዕን ዓመጽን ምስ ገበነኛታት ኣብ ዝነበረኒ ዕርክነትን እተሓጽረ እዩ ነይሩ። ወዲ ዓሰርተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ንኣመናዝርን ብሓረጣ ንዜለቅሑን ኪለኣኣኽ ጀመርኩ። ብቐጻሊ እየ ዝሕሱ ነይረ፣ ኬታልለሉ ዚኽእል እተፈላለየ መገድታት ገይረ ንሰባት ምምዝማዝ የሐጕሰኒ ነበረ። እዚ ነገራት እዚ፡ ከም ወልፊ ሓሽሽ እዩ ዀይኑኒ ነይሩ።

ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ንሰባት ዜታልል ነገራት ብምምሃዝ ዝመጸ ኽኢላ ዀንኩ። ንኣብነት፡ ብወርቂ እተለበጠ ሰዓትን በናጅርን ቀለቤትን ብብዝሒ እዕድግ እሞ፡ 14 ካራት ወርቂ ኸም ዝዀነ ዚሕብር እተቐርጸ ማሕተም እገብረሉ፣ ሽዑ ኣብ ጐደናታትን ኣብ ቦታታት ዕዳጋ ኣብ ዚርከብ መቘም ማካይንን ኰይነ እሸጦ ነበርኩ። ብቐሊሉ ገንዘብ ክትረክብ ምኽኣል ጥዒሙኒ ነበረ። ሓደ እዋን፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ 10,000 ዶላር ካናዳ ረኸብኩ።

ወዲ 15 ዓመት ከለኹ ኻብ መአረሚ ቤት ትምህርቲ ስለ እተሰጐጕኩ፡ ዚድቅሰሉ ቤት ኣይነበረንን። ኣብ ጐደናታት፡ መናፈሻታት፡ ወይ ኣብ ቤት እቶም ዚፈልጦም ሰባት እየ ዚድቅስ ነይረ።

ኵሉ ንጥፈታተይ ምትላል ዝመልኦ ስለ ዝነበረ ብዙሕ ሳዕ ብፖሊስ እሕተት ነበርኩ። እተሰርቀ ኣቝሑት እሸይጥ ስለ ዘይነበርኩ ግና ተኣሲረ ኣይፈልጥን እየ። ይኹን እምበር፡ ብምትላልን እተፈላለየ ነገራት ብምስናዕን ብዘይ ወረቐት ፍቓድ ብምሻጥን፡ ብዙሕ ገንዘብ እየ ተቐጺዐ። ንማንም ሰብ ዘይፈርህ ስለ ዝነበረኩ፡ ነቶም ብሓረጣ ዜለቅሑ፡ ካብቶም እተለቅሑ ሰባት ገንዘብ አምጽኣሎም ነበርኩ። ከምኡ ምግባር ሓደገኛ ብምንባሩ፡ ሓድሓደ ግዜ ጠበንጃ ዚሕዘሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ከኣ ኣብ እተወደበ ገበናት ተኻፊለ እየ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ፦

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ዝፈለጥኩ፡ ገና ወዲ 17 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ምስታ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ እትመሃር ዝነበረት ዓርከይ እየ ዚቕመጥ ነይረ። ይኹን እምበር፡ ንስነ ምግባራዊ ቐይድታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተቐበልክዎን፣ ስለዚ ንዓርከይ ገዲፈ፡ ምስታ ድሮ ኽተዓራረኻ ጀሚረ ዝነበርኩ ኻልእ ሰበይቲ ኽነብር ጀመርኩ።

እዛ ኻልአይቲ ዓርከይ እውን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ ጀመረት፣ እዚ ኸኣ ንዓይ ነጥበ መቐይሮ እዩ ነይሩ። ንሳ ኣብ ህይወታ ለውጥታት ክትገብር ጀመረት፣ ልዝብትን ዝያዳ ዕግስትን እናዀነት ትኸይድ ብምንባራ ኸኣ ተመሰጥኩ። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዚግበር ኣኼባ ኽመጽእ ንዝቐረበለይ ዕድመ ተቐበልክዎ። ኣብኡ ድማ እሩማትን ሕያዎትን ሰባት ተቐበሉኒ። ምስታ ዝፈልጣ ዓለምሲ ኸመይ ዝበለ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ኰን እዩ ነይሩ! ብስድራ ቤተይ እተፈቐርኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን እዩ፣ ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ፍቕርን ሓልዮትን እተነፈግኩ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ ነይሩ። እቲ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝረኸብክዎ ፍቕሪ ግና ብሓቂ ሃረር ዝብሎ ዝነበርኩ እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምህሩኒ ዕድመ ምስ ኣቕረቡለይ ከኣ ብሓጐስ ተቐበልክዎ።

እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃሮ ዝነበርኩ፡ ንህይወተይ ኣድሒኑዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ብሰንኪ ጠላዕ ዝነበረኒ ልዕሊ 50,000 ዶላር ካናዳ ዚኸውን ዕዳ ንምኽፋል ምስ ክልተ ብጾተይ ኰይነ ኽሰርቕ መዲበ ነበርኩ። ይኹን እምበር፡ ንመደበይ ስለ ዝሓደግክዎ ኣዝየ ሕጉስ እየ። እቶም ብጾተይ ግና ኺሰርቁ ኸዱ። ሽዑ ሓደ ኻብኦም ተኣስረ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ተቐትለ።

መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር ብዝቐጸልኩ፡ ብዙሕ ለውጥታት ክገብር ከም ዜድልየኒ ተረዳእኩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:10፡ “ሰረቕቲ ዀኑ፡ ስሱዓት ኰኑ፡ ሰኽራማት ኰኑ፡ ተጻረፍቲ ዀኑ፡ ወይ ዘረፍቲ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም” ከም ዚብል ተመሃርኩ። ነዛ ጥቕሲ ምስ ኣንበብክዋ፡ እቲ ዝነበረኒ ሕማቕ ኵነታት ከም ዝነብዕ ገበረኒ። ምሉእ ብምሉእ ኣነባብራይ ኪልውጥ ከም ዘሎኒ ኸኣ ተገንዘብኩ። (ሮሜ 12:2) ዓማጽን ቍጡዕን እየ ነይረ፣ ኵሉ ህይወተይ ድማ ኣብ ሓሶት እተሰረተ እዩ ነይሩ።

እንተዀነ ግና፡ የሆዋ መሓርን ይቕረ በሃልን ምዃኑ እውን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂረ እየ። (ኢሳይያስ 1:18) የሆዋ ኻብቲ ሕሉፍ ኣነባብራይ ንኽላቐቕ ምእንቲ ኽሕግዘኒ፡ ዓሚቝ ጸሎት ጸለኹ። ሳላ ሓገዝ የሆዋ ድማ በብቝሩብ ባህርያተይ ክልውጥ ከኣልኩ። ኣገዳሲ ስጕምቲ ብምውሳድ ከኣ ኣነን እታ ዓርከይን ንመርዓና ሕጋዊ ገበርናዮ።

ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወተይ ስለ ዝዓየኹሉ፡ ሎሚ ብህይወት ኣሎኹ

ኣብ 24 ዓመት ዕድመይ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቘልዑን ስለ ዝነበርኩ፡ ሕጋዊ ስራሕ ክረክብ የድልየኒ ነበረ። ይኹን እምበር፡ እኹል ትምህርቲ ዀነ ምስክር ወረቐት ኣይነበረንን። ሕጂ እውን ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ድሕሪ ምቕራብ፡ ስራሕ ከናዲ ወጻእኩ። ነቶም ኣስራሕቲ፡ ህይወተይ ክቕይርን ብቕንዕና ኽሰርሕን ከም ዝደሊ ነገርክዎም። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ እመሃር ከም ዘለኹን ዝሓሸ ዜጋ ንምዃን ባህጊ ኸም ዘሎንን እገልጸሎም ነበርኩ። ይኹን እምበር፡ ሓያሎ ኣስራሕቲ ክቘጽሩኒ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ግና፡ ነቲ ቓለ መጠይቕ ዚገብረለይ ዝነበረ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝነበረኒ ሕማቕ ህይወት ከይሓባእኩ ብግልጺ ምስ ነገርክዎ፡ “ስለምንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን፡ ክቘጽረካ ኸም ዘሎኒ ዀይኑ ግና ይስምዓኒ ኣሎ” በለኒ። እዚ፡ መልሲ ጸሎተይ ከም ዝነበረ እየ ዝኣምን። ድሕሪ ግዜ፡ ኣነን ሰበይተይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና ተጠመቕና።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ፦

ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወተይ ስለ ዝዓየኹሉን ክርስትያናዊ ናብራ ስለ ዝነብርን፡ ሎሚ ብህይወት ኣሎኹ። ሕጕስቲ ስድራ ቤት ኣላትኒ። የሆዋ ይቕረ ኸም ዝበለለይ ስለ ዝኣምን ከኣ ንጹህ ሕልና እዩ ዘሎኒ።

ኣብ ዝሓለፈ 14 ዓመት፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይነ ብምዕያይ፡ ንኻልኦት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ንኺፈልጡ ኣብ ምሕጋዝ እየ ኣሕሊፈዮ። ካብዚ ቐረባ ግዜ ኣትሒዛ ሰበይተይ እውን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምሳይ ሓቢራ ትዓዪ ኣላ። ኣብዘን ዝሓለፋ 30 ዓመት፡ ን22 ዚኣኽሉ መሳርሕተይ ንየሆዋ ኼምልኹ ስለ ዝሓገዝክዎም ሕጉስ እየ። ሕጂ እውን ናብ ቦታታት ዕዳጋ እኸይድ እየ፣ እንተዀነ ግና ኸምቲ ቐደም ዝገብሮ ዝነበርኩ ንሰባት ንምትላል ኣይኰንኩን ዝኸይድ። ሎሚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናብኡ ዝኸደሉ ምኽንያት፡ እምነተይ ንኻልኦት ንምክፋል እዩ። ሓደ ነገር ክህቦም እየ ዝደሊ፣ እዚ ኸኣ፡ ኣብታ ኻብ መታለልቲ ናጻ ዝዀነት እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ናይ ምንባር ተስፋ እዩ።—መዝሙር 37:10, 11