ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሚልዮናት ዚምግብ ሕርሻ

ንሚልዮናት ዚምግብ ሕርሻ

ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት ኣብ 2 ለካቲት 1973፡ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ንምሕታም፡ ሓደስቲ ሓተምቲ ኣብ ዎልኪል፡ ኒው ዮርክ ተተኺለን ነይረን።

ቅድሚኡ ቕድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቶም ዚሰርሑ ሰባት ንምምጋብ ዜኽእሎም ሕርሻ ኪኸውን ኢሎም እዮም ነቲ መሬት ዓዲጎም ነይሮም። ሽዑ ግና ነቲ ቦታ እተፈላለየ መንፈሳዊ ምግቢ ንምድላው እውን ኪጥቀምሉ ጀሚሮም።—ማቴዎስ 24:45-47

መጀመርታ 1970ታት ዎችታወር ፋርምስ፡ ዎልኪል፡ ኒው ዮርክ

ኣብቲ ግዜ እቲ ሓላው ክፍሊ ሕትመት ዝነበረ ፊሊፕ ዊልኮክስ፡ ብዛዕባ እታ ኣብ ዎልኪል ሕትመት እተጀመረላ ፈለማ መዓልቲ ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነተን ፈጣናት ሓተምቲ ማካይን ንምግጥጣም፡ ዳርጋ ወርሒ እዩ ወሲዱልና ነይሩ። ድሉዋት ምስ ኰና ድማ ንፈተነ ኽንሓትመለን ጀሚርና። ነዊሕ ከይጸናሕና ኣሽሓት መጽሔታት ሓቲምና። ድሕሪኡ ነቲ መጽሔታት ኣብ ብሩክሊን ናብ ዚርከብ ቤት ማሕተምና ሰዲድናዮ፣ ካብኡ ድማ ናብ ጉባኤታት ተሰዲዱ። ንሓንቲ መጽሔታት እኳ፡ ከነባኽን ኣይደለናን ኔርና” በለ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ሽዑ ኣብ ብሩክሊን ዝነበረ ዓብዪ ቤት ማሕተም ንምድጋፍ ኢሎም እዮም ነቲ ሓድሽ ቤት ማሕተም ኣቚሞምዎ። ኣብ መጀመርታ 1970ታት፡ ጠለብ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተመስረተ ጽሑፋት፡ ካብቲ መዓልታዊ ዚሕተም ዝነበረ ጽሑፋት ኣዝዩ ይዛይድ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ብሩክሊን ዝነበረ ቤት ማሕተም ናይ ለይቲ እብረ ወሲኹ ነይሩ።

ላዕሊ፦ ኣብ ጥሪ 1973፡ ነታ ናይ መጀመርያ ኤም.ኤ.ኤን እትብሃል ሓታሚት ማኪና ኣብ ዎልኪል ትትከል። ታሕቲ፦ ወረቐት ናብታ ኤም.ኤ.ኤን እትብሃል ሓታሚት ማኪና ይኣቱ

እቲ ኣብ ዎልኪል ዚርከብ ናይ መጀመርያ ህንጻ ቤት ማሕተም፡ ኣርባዕተ ኽፍሊ ሕትመትን ክፍሊ ምልኣኽ ጽሑፋትን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብ ጥቓኡ ዝዓበየ ኻልኣይ ህንጻ ኺህነጽ ጀሚሩ። ሽዑ እውን ጠለብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት እናበዝሐ ስለ ዝኸደ፡ እቲ ኻልኣይ ህንጻ ኸይተወድአ ኸሎ፡ ኣብኡ ሽዱሽተ ተወሰኽቲ ሓተምቲ ማካይን ተተኺለን እየን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ተክኖሎጂ ሕትመት ተመሓይሹ፡ ጠለብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትና ድማ ወሲኹ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ዎልኪል ናብ ዚርከብ ቤት ማሕተም ብተደጋጋሚ ሓደስቲ ናውቲ ኣእቲናን ነቲ ህንጻ ኣስፊሕናዮን ኢና። እተን ብ1980ታት ዝነበራ ሓተምቲ ማካይን ብፈጥናት ሓተምቲ ማካይን ተተኪአን እየን።

ብ2004፡ እቲ ኣብ ብሩክሊን ዝነበረ ቤት ማሕተም ተዓጽዩ፣ ኣብ ዎልኪል ድማ ንመጀመርያ ግዜ መጻሕፍቲ ኺሕተም ተጀሚሩ። ብ2010 ከኣ ሕትመት መጽሔታት ኣብ ካናዳ ናብ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግዒዙ። እታ ኣብ ካናዳ እትርከብ ሓዳስ ሓታሚት ኣብ ሰዓት 200,000 መጽሔታት ክትሓትም ትኽእል እያ።

ላዕሊ፦ ብ2005 ኣብቲ ኣብ ዎልኪል ዚርከብ ክፍሊ ምጥራዝ። ታሕቲ፦ ብ2013፡ ዎችታወር ፋርምስ፡ ዎልኪል፡ ኒው ዮርክ

ሎሚ፡ እቲ ኣብ ዎልኪል ዚርከብ ቤት ማሕተም፡ ዘመናዊ ሓተምትን 280 ዚዀኑ ወለንተኛታት ዓየይትን ዘለዎ ምዕቡል ቤት ማሕተም እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብኡ፡ ልዕሊ 17 ሚልዮን መጻሕፍትን መጽሓፍ ቅዱሳትን ተሓቲሙ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመንፈሳዊ ጽምኢ ሚልዮናት ንምርዋይ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዚርከብ ዎልኪልን ካናዳን መክሲኮን ኣብያተ ማሕተም ኣለዎም። ብዘይካዚ ድማ ኣብ ካልእ ሃገራት 12 ቤት ማሕተም ኣለዎም፣ እዚ ድማ ኣብ ኣውስትራልያ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብ እስያ፡ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ይርከብ።—ማቴዎስ 5:3