ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕግበት ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧

ዕግበት ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧

ኵላትና፡ ዘይተመርዓና ንኹን ሰብ ሓዳር፡ መንእሰያት ንኹን ዓበይቲ፡ ሕጉሳትን ዕጉባትን ክንከውን ንደሊ ኢና። ፈጣሪና እውን ሓጐስን ዕግበትን ክንረክብ ይደልየና እዩ። ነዚ እዩ ኸኣ ብኸመይ ዕጉባት ክንከውን ከም እንኽእል ብሉጽ ምኽሪ ዝሃበና።

ህርኩት ኩን

“ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ሰናይ እናገበረ ደኣ ብኣእዳዉ ይጽዓር።”—ኤፌሶን 4:28

ፈጣሪና ብዛዕባ ስራሕ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ኺህልወና እዩ ዜተባብዓና። ስለምንታይ፧ ጻዕረኛ ሰብ ንርእሱን ንስድራ ቤቱን ስለ ዚኣሊ፡ ሕጉስ እዩ። ካብ ርእሱ ሓሊፉ ንስኡን እውን ይሕግዝ እዩ። ኣስራሒኡ ህርኩት ብምዃኑ ይፈትዎ እዩ፣ ስለዚ፡ ካብ ስራሕ ከይስጐጕ ኣይሻቐልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ጻዕረኛ ሰብ ዚረኽቦ ዓስቢ፡ “ውህበት ኣምላኽ” ኢሉ እዩ ዚገልጾ።—መክብብ 3:13

ሓቀኛ ኹን

“ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር እናደለና፡ ቅኑዕ ሕልና ኸም ዘሎና ንተኣማመን ኢና።”—እብራውያን 13:18

ሓቀኛታት እንተ ዄንና፡ ንርእስና ግቡእ ኣኽብሮት ይህልወና፡ ውሽጣዊ ሰላም ንረክብ፡ ጥዑም ድቃስ ከኣ ንድቅስ ኢና። ብተወሳኺ፡ ካልኦት ይኣምኑናን የኽብሩናን እዮም። ብኣንጻሩ ግና፡ መታለልቲ ሰባት እዚ ጽቡቕ ነገራት የብሎምን። ከመይሲ፡ ሕልናኦም ይርብሾም እዩ፡ ከምኡ እውን ሓደ መዓልቲ ኺቃላዕ እየ ዚብል ፍርሂ የሳቕዮም እዩ።

ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣርኣእያ ይሃሉኻ

“ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ።”—እብራውያን 13:5

ምግብን ካልእ ዜድልየናን ነገራትን ንምዕዳግ ገንዘብ የድልየና እዩ። “ፍቕሪ ገንዘብ” ግና ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ስለምንታይሲ፡ ሓደ ገንዘብ ዜፍቅር ሰብ ግዜኡን ጕልበቱን ዝያዳ ገንዘብ ንምርካብ እዩ ዜውዕሎ። ደድሕሪ ገንዘብ ዚጐዪ ሰብ ኣብ ሓዳሩ ጸገም ይፍጠር፡ ምስ ደቁ ግዜ ምሕላፍ ይስእን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ኸኣ ጥዕናኡ ይጕዳእ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ካብዚ ሓሊፉ ኸኣ ሓደ ፍቕሪ ገንዘብ ዘለዎ ሰብ፡ ኣታሊሉ ኺህብትም ይጽዕር እዩ። ነዚ ብዚምልከት ሓደ ጥበበኛ ሰብ፡ “እሙን ሰብ ብዙሕ በረኸት ይረክብ፣ ኪህብትም ዚህወኽ ግና፡ ንጹህ ኰይኑ ኣይቅጽልን” ኢሉ እዩ።—ምሳሌ 28:20

ብሉጽ ትምህርቲ ምረጽ

“ንግብራዊ ጥበብን ንምምዝዛንን ሓልወን።”—ምሳሌ 3:21

ጽቡቕ ትምህርቲ፡ ሓላፍነት ዚስምዓና ሰባት ክንከውን ይሕግዘና እዩ። ጽቡቕ ዓለማዊ ትምህርቲ ጥራይ ግና፡ ነባራዊ ድሕንነት ወይ ሓጐስ ኣየምጽኣልናን እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ናይ ሓቂ ዕዉታት ምእንቲ ክንከውን፡ እቲ ኣምላኽ ዚህበና ትምህርቲ የድልየና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ንኣምላኽ ዚሰምዕ ሰብ፡ “ዚገብሮ ዅሉ እውን ይሰልጦ” ይብል እዩ።—መዝሙር 1:1-3