ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

መጻምድቲ ፍሉይ ክንክን ኬድልዮ ኸሎ

መጻምድቲ ፍሉይ ክንክን ኬድልዮ ኸሎ

ወትሩ ኽቱር ድኻም ዜስዕብ ሕማም ከም ዘሎኒ ኻብ ዚፍለጥ ንነጀው፡ ሰብኣየይ በይኑ ዓለማዊ ስራሕ ኪሰርሕ ነበሮ። ብዛዕባ ወጻኢታትና እውን ተዛሪቡኒ ኣይፈልጥን እዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ፈጺሙ ዘይነግረኒ ስለምንታይ እዩ፧ ቍጠባዊ ዅነታትና ኣዝዩ ሕማቕ ስለ ዝዀነ፡ እንተ ነጊሩኒ ዝስምብድ መሲልዎ ኪኸውን ኣለዎ።—ናንሲ። *

ኣብ ውሽጢ ሓዳር፡ ሓደ ኻብ መጻምድቲ ሕዱር ሕማም እንተ ኣልይዎ፡ ብዙሕ ሕልኽላኻት ኬጋጥም ይኽእል እዩ። * ሕዱር ሕማም ንዘለዎ መጻምድትኻ ትኣሊ ኣለኻ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ትሓትት ትኸውን፦ ‘ኵነታት ጥዕና መጻምድተይ እናኸፍአ እንተ ኸይዱ፡ ብኸመይ እየ ክኽእሎ ዝኽእል፧ ባዕለይ ምግቢ እናኣዳለኹ፡ እናኣጸራረኹ፡ ዓለማዊ ስራሕ እናሰራሕኩ ኽሳዕ መዓስ እየ ኽከናኸኖ ዝኽእል፧ ጥዕና ብምርካብይ፡ ሕማቕ ዚስምዓኒ ስለምንታይ እዩ፧’

በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ሕዱር ሕማም ዘሎካ መጻምድቲ እንተ ዄንካ፡ ‘ነብሰይ ክኣሊ ዝኽእል እኳ እንተ ዘይኰንኩ፡ ንርእሰይ ከይደርበኹ ኽመላለስ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧ መጻምድተይ ብሕማመይ የማርር ድዩ፧ ኣብ ሓዳርና ሓጐስ ክንረክብ ንኽእልዶ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

እቲ ዜሕዝን፡ ገሊኡ ሓዳር ብሰንኪ ሕዱር ሕማም ፈሪሱ እዩ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ሓዳርካ እውን ከምኡ ኼጋጥሞ እዩ ማለት ኣይኰነን።

ብሕዱር ሕማም ዚሳቐዩ መጻምድቲ ዘለውዎ ሓያሎ ሓዳር ኣይፈረሰን፣ እኳ ደኣስ፡ ዝያዳ ጸኒዑ እዩ። ንዮሺያኪን ካዙኮን እሞ ከም ኣብነት ንውሰድ። ዮሺያኪ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዓንዲ ሕቘኡ ዘጋጠሞ ጕድኣት፡ ብዘይ ደገፍ ኪንቀሳቐስ ኣይክእልን እዩ። ካዙኮ ኸምዚ በለት፦ “ሰብኣየይ ኣብ ኵሉ ነገራት ሓገዝ የድልዮ እዩ። ብሰንኪ እቲ ንዕኡ ንምክንኻን ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ክሳደይን መንኩበይን ኣእዳወይን ኬቐንዝወኒ ጀመረ፣ ናብ ሆስፒታል እናተመላለስኩ ድማ ክሕከም ጀመርኩ። ንሰብ ምክንኻን ከቢድ ከም ዝዀነ እዩ ዚስምዓኒ።” እዚ ጸገማት እናሃለዋ ኽነሱ ግን፡ “ከም ሰብ ሓዳር መጠን ዘሎና ዝምድና መሊሱ እዩ ደልዲሉ” በለት።

ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ከመይ ጌርካ እዩ ሓጐስ ኪርከብ ዚከኣል፧ ብቐዳምነት፡ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስ ኣጋጠሞም ሓጐሶምን ዕግበቶምን ምሉእ ብምሉእ ዘየጥፍኡ ሰብ ሓዳር፡ እቲ ሕማም ንኽልቲኦም ሰብ ሓዳር ከም ዜጸግሞም ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ከመይሲ፡ ሓዲኦም እንተ ሓሚሙ፡ ብእተፈላለየ መገዲ እኳ እንተ ዀነ፡ ክልቲኦም እዮም ዚጽለዉ። ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ምትእስሳር፡ ኣብ ዘፍጥረት 2:24፡ “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ” ብዚብል ቃላት ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ፡ ሓደ ኻብ ሰብ ሓዳር ሕዱር ሕማም እንተ ኣልይዎ፡ ክልቲኦም ነቲ ጸገም ንምኽኣሉ ብሓባር ኪዓዩ ኣለዎም።

ብተወሳኺ፡ ሕዱር ሕማም ኣጋጢምዎም ክነሱ ጽቡቕ ርክቦም ሒዞም ዚቕጽሉ ሰብ ሓዳር፡ ነቲ ዘጋጠሞም ጸገም ተቐቢሎም፡ ብዝሓሸ መገዲ ኽኢሎምዎ ኸም ዚነብሩ መጽናዕቲ ሓቢሩ እዩ። ሓያሎ ኻብቲ ነቲ ሕማም ክኢሎምዎ ንኺነብሩ ዝሓገዞም ሜላታት፡ ኣብቲ ግዜ ዘይሓልፎ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ። ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ሓሳባት እስከ ንርአ።

ተሓላለዩ

መክብብ 4:9, 10፡ “እንተ ወደቑ፡ እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ፡ ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ” ትብል። እሞኸ ንመጻምድትኻ ሞሳኻ ብምግላጽ ‘ተተንስእ’ ዲኻ፧

ንሓድሕድኩም ክትደጋገፉ እትኽእሉሉ መገድታት ተናዲ ዲኻ፧ ብዓልቲ ቤቱ ብኸፊል ዝለመሰቶ ዮንግ ከምዚ በለ፦ “ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ ንሰበይተይ ክሓልየላ እጽዕር እየ። ክጸምእ ከለኹ፡ ንሳ እውን ጸሚኣ ኽትከውን ከም ዘለዋ እሓስብ። ናብ ግዳም ወጺአ ባህ ዜብል ትርኢት ክርኢ እንተ ደልየ፡ ምሳይ ክትከይድ እንተ ደልያ እሓታ። ስቓያ እካፈላ፡ ነቲ ዅነታት ድማ ብሓባር ንጻወሮ።”

ብኻልእ ሸነኽ፡ መጻምድትኻ ኽንክን ይገብረልካ እንተ ኣልዩ፡ ንጥዕናኻ ኣብ ሓደጋ ኸየእተኻ እተወሰነ ነገራት ባዕልኻ ኽትገብር ትኽእልዶ፧ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ እዚ ነገር እዚ ነብስኻ ንኸይተውድቕ ይሕግዘካ፡ ነቲ መጻምድትኻ ዚገብሮ ኽንክን ድማ ኣበርክቶ ይገብር።

‘ንመጻምድተይ ብኸመይ ከም ዝከናኸን ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ’ ኢልካ ኣብ ክንዲ እትሓስብ፡ ንምንታይ ንመጻምድትኻ ዘይትሓትት፧ እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ናንሲ፡ ቍጠባዊ ዅነታት ስድራኣ ዘይምፍላጣ ብኸመይ ከም ዚጸልዋ ንሰብኣያ ነገረቶ። ሕጂ ሰብኣያ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ ኺህባ ይጽዕር ኣሎ።

ነዚ ፈትኖ መጻምድትኻ ብኸመይ ኪድግፈካ ኸም ዚኽእል ዝርዝር ሓሳባት ጽሓፍ፣ መጻምድትኻ እውን ከምኡ ኸም ዚጽሕፍ ግበር። ድሕሪኡ፡ ነቲ ዝጸሓፍክምዎ ዝርዝር ተቐያየርዎ። ነፍሲ ወከፍኩም ግብራዊ ኪኸውን ዚኽእል ሓደ ወይ ክልተ ሓሳብ ክትሓርዩ ኣሎኩም።

ሚዛናዊ መደብ ይሃሉኻ

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (መክብብ 3:1) ይኹን እምበር፡ ብሕዱር ሕማም ዚሳቐዩ መጻምድቲ ዘለዎም ሰብ ሓዳር፡ ሚዛናዊ መደብ ሒዞም ኪነብሩ የጸግሞም ይኸውን። ብእተወሰነ መጠን ሚዛንካ ምእንቲ ኽትሕሉ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ሓሳባትኩም ኣብ ሕክምና ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልእ ነገራት ከም ዜተኵር ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። መጻምድትኹም ቅድሚ ምሕማሙ፡ ክልቴኹም እትፈትውዎ ዝነበርኩም ነገራት ሕጂ እውን ክትገብሩ ትኽእሉዶ፧ ከምኡ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ሓድሽ ንጥፈታት ንምክፋል ክትፍትኑ ትኽእሉዶ፧ ምስ መጻምድትኻ ጽሑፋት ከም ምንባብን ሓድሽ ቋንቋ ኸም ምጽናዕን ዝኣመሰለ ቐሊል ነገራት ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ እቲ ሕማም ጥራይ ካብ ምጭናቕ፡ ካልእ ነገራት ሓቢርኩም ምዕያይኩም፡ ነቲ ኸም “ሓደ ስጋ” መጠን ዘሎኩም ጥምረት የደልድሎ፣ ሓጐስኩም ድማ ብዝያዳ ይውስኽ።

ካልእ ሚዛናዊ ኽትኰኑ ዚሕግዘኩም ከኣ፡ ምስ ካልኦት ምሕባር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሳሌ 18:1፡ “እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒቱ ይደሊ፡ ንዅሉ ጥበብውን ይቃወሞ” ይብል። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ርእስኻ ምፍላይ ሕማቕ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኣስተብሂልኩምዶ፧ ብኣንጻሩ ግን፡ በብእዋኑ ምስ ካልኦት ግዜ ምሕላፍ፡ ንመንፈስኩምን ንኣተሓሳስባኹምን ኬሐድሶ ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ሰብ ኪበጽሓኩም ስለምንታይ ዘይትዕድሙ፧

ሓድሓደ ግዜ፡ እቶም ንመጻምድቶም ዚኣልዩ ሰብ ሓዳር፡ ሚዛኖም ምሕላው የጸግሞም እዩ። ብዙሕ ዕዮ ስለ ዚስከሙ፡ በብቝሩብ ይደኽሙ፡ ንጥዕናኦም ድማ ኣብ ሓደጋ የእትዉ። ኣማስያኡ፡ ንዜፍቅርዎ መጻምድቶም ኪከናኸኑ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ እውን ኪበጽሑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ንሓደ ሕዱር ሕማም ዘለዎ መጻምድቲ ትከናኸን እንተ ኣሊኻ፡ ንዓኻ ዜድልየካ ነገራት እውን ዕሽሽ ኣይትበሎ። ኣዘውቲርካ ዕረፍቲ እትገብረሉ እዋን መድብ። * ገሊኦም ምስ ዚኣምንዎ ሕደ ጾታ ዝዀነ ፈታዊኦም ብዛዕባ ዜጨንቖም ነገራት ምዝርራብ፡ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም።

ነዚ ፈትኖ፦ ንመጻምድትኻ ኽትከናኸን ከለኻ ዜጋጥመካ ዕንቅፋታት ኣብ ወረቐት ዘርዝሮ። ድሕሪኡ፡ ነዚ ዕንቅፋታት ንኽትሰግሮ ወይ ንኽትክእሎ ዜኽእለካ ስጕምታት ዘርዝር። ብዙሕ ነገራት ኣብ ክንዲ እትትንትን፡ ‘ነቲ ዅነታት ንምምሕያሽ ዚሕግዝ ዝቐለለን ንጹርን መገዲ እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።

ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ይሃሉኻ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ እዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሔሻ ስለምንታይ እዩ፧ ኣይትበል” ኢሉ የጠንቅቕ። (መክብብ 7:10) ስለዚ፡ ‘ከምዚ ወይ ከምቲ እንተ ዚኸውን ነይሩ’ ኣይትበል። ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ኵሉ ሰብ ዚረኽቦ ሓጐስ ድሩት ምዃኑ ኣይትረስዕ። ንዅነታትካ ኸም ዘለዎ ተቐቢልካ፡ ብዝበለጸ መገዲ ተጠቐመሉ።

ንዓኻን ንመጻምድትኻን ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ኪሕግዘኩም ይኽእል፧ ዝረኸብኩምዎ በረኸት ተመያየጡሉ። ጥዕናኻ ቝሩብ እኳ እንተ ተመሓይሹ፡ በዚ ተሓጐስ። ብሃንቀውታ እትጽበዮ ነገር ይሃሉኻ፡ ብሓባር ከኣ ክትበጽሕዎ እትኽእሉ ሸቶታት ኣውጽኡ።

ሾጂን ኣኪኮን ዚበሃሉ ሰብ ሓዳር፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዓሉ፡ ጽቡቕ ፍረ ረኺቦምሉ እዮም። ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣኪኮ ኸቢድ ቅርጥማት ዜስዕብ ሕማም ምስ ሓመመት፡ ካብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኬቋርጹ ነበሮም። እሞኸ በዚ ጕህዮምዶ፧ እወ፡ ጕህዮም እዮም። ኰይኑ ግን፡ ሾጂ ነቶም ተመሳሳሊ ዅነታት ዘለዎም ሰብ ሓዳር፡ ነዚ ዚስዕብ ምኽሪ ሃበ፦ “ብዛዕባ እቲ ኽትገብሮ ዘይትኽእል ነገር እናሓሰብካ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ይሃሉኻ። ክልቴኹም ናብ ንቡር መዓልታዊ ንጥፈታትኩም ናይ ምምላስ ተስፋ እውን እንተ ኣሎኩም፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ ህይወትካ ኣተኵር። ኣነ ኣብቲ ንሰበይተይ ዝህቦ ሓገዝ እየ ዘተኵር።” መጻምድትኻ ፍሉይ ክንክን እንተ ኣድልይዎ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ግብራዊ ምኽሪ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 3 ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 4 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሓደ ኻብ መጻምድቶም ሕዱር ኣካላዊ ሕማም ብዛዕባ ዘለዎም ሰብ ሓዳር እያ እትዛረብ። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ሓደጋ ኣካላዊ ጸገም ንዘጋጠሞ ወይ ከም ጭንቀት ዝኣመሰለ ስምዒታዊ ሽግር ንዘለዎ መጻምድቲ ዚኣልዩ ሰብ ሓዳር እውን ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።

^ ሕ.ጽ. 20 ንዅነታትኩም ኣብ ግምት ብምእታው፡ እንተ ተኻኢሉ፡ ካብ ሰብ ሞያ ኽንክን ጥዕና ሓገዝ ምርካብ፡ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦

ኣነን መጻምድተይን ሕጂ እንታይ እዩ ዜድልየና ዘሎ፧

▪ ብዛዕባ እቲ ሕማም ዝያዳ ምዝርራብ

▪ ብዛዕባ እቲ ሕማም ብዙሕ ዘይምዝርራብ

▪ ብዙሕ ዘይምጭናቕ

▪ ዝያዳ ምትሕልላይ

▪ ኣብ ካልእ ነገራት ሓባራዊ ተገዳስነት ምህላው

▪ ዝያዳ ማሕበራዊ ርክብ ምግባር

▪ ሓባራዊ ሸቶታት ምውጻእ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ሚዛንካ ምእንቲ ኽትሕሉ፡ ብሓባር ዜሐጕሰኩም መሕለፍ ግዜ ኽትገብር ትኽእልዶ፧