ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስም ኣብ ጥንታዊ ዕትሮ

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስም ኣብ ጥንታዊ ዕትሮ

ብ2012 እተረኽበ ኣስታት 3,000 ዓመት ዝገበረ ገልዒ ዕትሮ ንተመራመርቲ ተገዳስነት ኣሕዲሩሎም እዩ። እዚ ገልዒ እዚ ፍሉይ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ እቲ ኣብቲ ገልዒ እተጻሕፈ ነገር እዩ ፍሉይ ገይርዎ።

ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ነቲ ኣጋልዕ ብሓደ ምስ ገጣጠምዎ፡ ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ጥንታዊ ጽሑፍ ከነኣናውያን ኬንብብዎ ኽኢሎም እዮም። እቲ ጽሑፍ፡ “ኤሽበዓል ቤን [ወዲ] ቤዳ” ይብል። ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ንመጀመርታ እዋን እዮም ነዛ ስም እዚኣ ዝሓዘ ጥንታዊ ጽሑፍ ረኺቦም።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካልእ ኤሽበዓል ተጠቒሱ ኣሎ፣ እዚ ድማ፡ ወዲ ንጉስ ሳኦል እዩ ነይሩ። (1 ዜና 8:33፣ 9:39) ኣብቲ ዅዕታ እተኻፈለ ፕሮፌሰር ዮሴፍ ጋርፊንከል፡ “እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎን ሕጂ ድማ ኣብ ስነ ጥንታዊ ጽሑፍ እተረኽበን ኤሽበዓል ዚብል ስም ብግዜ ንጉስ ዳዊት ጥራይ ዝነበረ ምዃኑ ዜገርም እዩ” በለ። ገሊኦም እቲ ስም እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ጥራይ ዚጥቀሙሉ ኸም ዝነበሩ እዮም ዚሓስቡ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ ነገራት ብስነ ጥንታዊ ርኽበት እውን እንደገና ተረጋጊጹ እዩ።

ኣብ ካልእ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ኤሽበዓል ዚብል ስም ኢሽ-ቦሸት ተባሂሉ ንረኽቦ ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቲ “በዓል” ዚብል ቃል “ቦሸት” ብዚብል ቃል ተተኪኡ ኣሎ። (2 ሳሙ. 2:10) ስለምንታይ፧ ተመራመርቲ ኸምዚ ይብሉ፦ “እቲ ኤሽበዓል ዚብል ስም ነቲ በዓል ዚብሃል ናይ ከነኣናውያን ኣምላኽ ዝናም ስለ ዜዘኻኽሮም፡ ኣብ 2 ሳሙኤል ነቲ ስም እቲ ኺጥቀሙሉ ዘይደለዩ እዩ ዚመስል። . . . እቲ ናይ መጀመርታ ስም . . . ግና ኣብ መጽሓፍ ዜና መዋእል ይርከብ እዩ።”