ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣሳ፡ ዮሳፋጥ፡ ህዝቅያስ፡ ዮስያስ

ንየሆዋ ብምሉእ ልቢ ኣገልግሎ

ንየሆዋ ብምሉእ ልቢ ኣገልግሎ

“ኦ የሆዋ፡ . . . ኣብ ቅድሜኻ ብተኣማንነትን ብምሉእ ልብን ከም እተመላለስኩ . . . በጃኻ ዘክር።”—2 ነገ. 20:3

መዝሙር፦ 36, 54

1-3. ንየሆዋ “ብምሉእ ልቢ” ምግልጋል እንታይ የጠቓልል፧ ግለጽ።

ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ንጋገ ኢና። እንተ ተነሲሕናን ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ የሱስ ብእምነት ትሕት ኢልና ናብ ኣምላኽ እንተ ቐሪብናን፡ የሆዋ “ኸም ሓጢኣትና” ኣይገብረናን እዩ። (መዝ. 103:10) ይኹን እምበር፡ ዳዊት ንሰሎሞን፡ መዓልታዊ ኣምልኾና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ኪህልዎ ዚኽእል፡ ‘ብምሉእ ልቢ እንተ ኣገልጊልናዮ’ ኸም ዝዀነ ነጊርዎ እዩ። (1 ዜና 28:9) ዘይፍጹማት ክነስና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል ደኣ ብኸመይ ኢና፧

2 ብዛዕባ እዚ ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ነቲ ንጉስ ኣሳን ንጉስ ኣማስያን ዘሕለፍዎ ህይወት እስከ ነነጻጽሮ። ክልቲኦም ነገስታት ይሁዳ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ ገይሮም እዮም፣ ኣሳ ግና ብምሉእ ልቡ እዩ ኸምኡ ገይሩ። (2 ዜና 15:16, 17፣ 25:1, 2፣ ምሳ. 17:3) ክልቲኦም ነገስታት ዘይፍጹማት እዮም ነይሮም፣ ጌጋታት እውን ገይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣሳ ብልቡ ንኣምላኽ “ምሉእ ብምሉእ ውፉይ” ስለ ዝነበረ፡ ካብ መገድታት የሆዋ ኣየላገሰን። (1 ዜና 28:9፡ እ.ጽ.) ኣማስያ ግና ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ውፉይ ኣይነበረን። ንጸላእቲ ኣምላኽ ምስ ሰዓሮም፡ ንኣማልኽቶም ኣምጺኡ ኼምልኾም ጀመረ።—2 ዜና 25:11-16

3 ንኣምላኽ “ብምሉእ ልቢ” ምግልጋል ኪብሃል ከሎ፡ ክሳዕ መወዳእታ ንዕኡ ምሉእ ብምሉእ ውፉይ ምዃን የጠቓልል። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ልቢ” እትብል ቃል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንውሽጣዊ መንነት ሰብ ተመልክት። እዚ ድማ፡ ባህግን ኣተሓሳስባን ዝንባለን ኣረኣእያን ክእለትን ድራኸን ሸቶን የጠቓልል። ስለዚ፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልቡ ዜገልግል ሰብ ብግብዝና ኣየገልግልን እዩ። ንማለቱ ኣይኰነን ንየሆዋ ዜምልኾ። ንሕና እውን ዘይፍጹማት ክነስና ንየሆዋ ብዘይግብዝና ምሉእ ብምሉእ ርእስና እንተ ወፊና፡ ንኣምላኽ ብምሉእ ልቢ ኸነገልግሎ ኢና።—2 ዜና 19:9

4. ቀጺልና እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

4 ንኣምላኽ ብምሉእ ልቢ ምግልጋል እንታይ ማለት ምዃኑ ምእንቲ ኽንርዳእ፡ ንህይወት ኣሳን ንህይወት እቶም ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ውፉያት ኰይኖም ዘገልገልዎ ነገስታትን፡ ማለት ዮሳፋጥን ህዝቅያስን ዮስያስን እስከ ንመርምር። ኣርባዕቲኦም ጌጋታት ገይሮም እኳ እንተ ነበሩ፡ ሞገስ የሆዋ ርእዮም እዮም። ኣምላኽ ብምሉእ ልቢ ኸም ዘገልገልዎ ገይሩ ዝረኣዮም ስለምንታይ እዩ፧ ኣስኣሰሮም ክንስዕብ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

ልቢ ኣሳ “ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ ነበረ”

5. ኣሳ እንታይ ቈራጽ ስጕምትታት እዩ ወሲዱ፧

5 ኣሳ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ካብ ይሁዳ ምስ ተፈልየት ዝነገሰ ኻልኣይ ንጉስ ይሁዳ እዩ። ካብ ግዝኣቱ ጣኦታት ኣርሓቐ፡ ንተባዕትዮ ኣመናዝር ድማ ሰጐጎም። ንዓባዩ ማዓካ ኸኣ፡ “ካብቲ ኸም ኣደ ንጉስ ዝነበራ ስልጣን ሰዓራ።” (1 ነገ. 15:11-13) ብዘይካዚ፡ ንህዝቡ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪደልይዎ፡ ሕግን ትእዛዝን ከኣ ኪሕልዉ ነገሮም።” እወ፡ ኣሳ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዜስፋሕፍሕ ገይሩ እዩ።—2 ዜና 14:4

6. ኢትዮጵያውያን ንይሁዳ ምስ ወረርዋ፡ ኣሳ እንታይ እዩ ገይሩ፧

6 ኣብተን ናይ መጀመርታ ዓሰርተ ዓመት ንግስና ኣሳ፡ የሆዋ ንይሁዳ ሰላም ሃባ። ድሕሪኡ፡ ዜራሕ እቲ ኢትዮጵያዊ 1,000,000 ሰራዊትን 300 ሰረገላን ሒዙ ኣንጻር ይሁዳ መጸ። (2 ዜና 14:1, 6, 9, 10) እሞኸ ኣሳ እንታይ ገበረ፧ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚተኣማመን ገለጸ። (2 ዜና መዋእል 14:11 ኣንብብ።) ኣምላኽ ድማ ኣሳ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ስዒሩ ኺድምስሶም ብምፍቃድ ነቲ ኻብ ልቡ ዘቕረቦ ጸሎት ምላሽ ሃበሉ። (2 ዜና 14:12, 13) ነገስታት ንየሆዋ እሙናት ኣብ ዘይኰኑሉ እዋናት እውን፡ የሆዋ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ንጸላእቶም ኪስዕሩ ይፈቕደሎም ነይሩ እዩ። (1 ነገ. 20:13, 26-30) ኣሳ ግና ብኣምላኽ ተኣሚኑ እዩ፣ የሆዋ ኸኣ ንጸሎቱ ምላሽ ሃበሉ። ድሕሪ ግዜ ኣሳ ዘይጥበባዊ ተግባራት ከም ዝገበረ ዚከሓድ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ጸኒሑ ኻብ የሆዋ ዘይኰነስ፡ ካብ ሶርያ ሓገዝ ሓቲቱ እዩ። (1 ነገ. 15:16-22) ብሓፈሻ ግና ኣምላኽ፡ ልቢ ኣሳ “ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ” ኸም ዝነበረ ገይሩ እዩ ርእይዎ። ሰናይ ብምግባር ዝመጸ ንኣሳ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—1 ነገ. 15:14

7, 8. ንየሆዋ ኸተገልግል ከለኻ፡ ንኣሳ ኽትመስሎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

7 ኵላትና ንኣምላኽ ውፉያት ምዃንና ንምርግጋጽ ልብና ኽንምርምር ኣሎና። ስለዚ፡ ‘ንየሆዋ ኸሐጕሶን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽጣበቐሉን ንህዝቡ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሕማቕ ጽልዋ ኺሕሉን ቈሪጸ ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተት። ኣሳ ነታ ኣብታ ሃገር ‘ከም ኣደ ንጉስ ስልጣን ዝነበራ’ ማዓካ ኺቃወማ ኽሳዕ ክንደይ ትብዓት ከም ዘድለዮ እሞ ሕሰብ። ከም ማዓካ ዝበለ ሰብ ኣይትፈልጥን ትኸውን፡ ኣሳ ንዘርኣዮ ቕንኣት ክትቀድሓሉ እትኽእለሉ ዅነታት ግና ኪፍጠር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣባል ስድራ ቤትካ ወይ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ሓጢኣት ፈጺሙ ስለ ዘይተነስሐ እንተ ተወጊዱ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ምስቲ ሰብ እቲ ዝነበረካ ርክብ ብምብታኽ ቈራጽ ስጕምቲ ትወስድ ዲኻ፧ ልብኻ እንታይ ክትገብር ምደረኸካ፧

8 ንስኻ እውን ከቢድ ምጽራር ኬጋጥመካ ኸሎ እኳ ኣብ ኣምላኽ ብምውካል፡ ከም ኣሳ ምሉእ ልቢ ኸም ዘሎካ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ። ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃንካ መማህርትኻ ኼላግጹልካን ኪጸርፉኻን ይኽእሉ እዮም። ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ዚኸውን መዓልቲ ዕረፍቲ ብምውሳድካ ወይ ከኣ ብዙሕ ሳዕ ተወሳኺ ሰዓት ስራሕ ብዘይ ምስራሕካ መሳርሕትኻ የባጭዉልካ ይዀኑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስ ዜጋጥመካ፡ ከም ኣሳ ናብ የሆዋ ጸሊ። ነቲ ቕኑዕን ጥበባውን ምዃኑ እትኣምነሉ ነገራት ጸኒዕካ ብምግባር፡ ብትብዓት ኣብ የሆዋ ተወከል። ኣምላኽ ንኣሳ ኸም ዘበርትዖን ከም ዝሓገዞን ዘክር፣ ንዓኻ እውን ኬበርትዓካ እዩ።

9. ክንሰብኽ ከለና፡ ምሉእ ልቢ ኸም ዘሎና ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ኣይኰኑን ዚሓስቡ። ኣሳ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዜስፋሕፍሕ ገይሩ እዩ። ንሕና እውን ካልኦት ‘ንየሆዋ ኺደልይዎ’ ንሕግዞም ኢና። ንየሆዋ ኻብ ዘሎና ናይ ሓቂ ፍቕርን ሰባት ዘለኣለማዊ ራህዋ ኪረኽቡ ኻብ ዘሎና ናይ ሓቂ ድሌትን ተላዒልና ንጐረባብትናን ንኻልኦትን ብዛዕባ የሆዋ ምስ እንዛረቦም፡ የሆዋ ኣዝዩ እዩ ዚሕጐስ።

ዮሳፋጥ ንየሆዋ ደለዮ

10, 11. ንዮሳፋጥ ክትመስሎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

10 ዮሳፋጥ ወዲ ኣሳ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ . . . ቅኑዕ ገበረ።” (2 ዜና 20:31, 32) ብኸመይ፧ ከም ኣቦኡ፡ ነቶም ህዝቢ ንየሆዋ ኺደልይዎ ኣተባብዖም። “መጽሓፍ ሕጊ የሆዋ” ተጠቒሙ ኸኣ ብወፈራ ንህዝቡ ምሂሩ እዩ። (2 ዜና 17:7-10) ኣብ ክሊ እታ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ናብ ዝነበረ ኣኽራን ኤፍሬም ከይዱ እውን ነቶም ህዝቢ “ናብ የሆዋ . . . ኪመልሶም” ጽዒሩ እዩ። (2 ዜና 19:4) ዮሳፋጥ “ንየሆዋ ብምሉእ ልቡ ዝደለዮ” ንጉስ እዩ ነይሩ።—2 ዜና 22:9

11 ኵላትና ኣብዚ ሎሚ የሆዋ ዚመርሖ ዘሎ ዓብዪ ወፈራ ስብከት ክንካፈል ንኽእል ኢና። ኣብ ወወርሒ ንኻልኦት ቃል ኣምላኽ ክትምህሮምን ንኣምላኽ ምእንቲ ኼገልግሉ ልቦም ከተለዓዕልን ሸቶኻ ድዩ፧ ዝከኣለካ ዘበለ ምስ እትገብር፡ ብሓገዝ ኣምላኽ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ትኽእል ኢኻ። እሞኸ ብዛዕባ እዚ ትጽሊ ዲኻ፧ ግዜ ዕረፍትኻ እውን ሰዊእካ ኣብዚ ዕዮ እዚ ኽትካፈል ትኽእልዶ፧ ከምቲ ዮሳፋጥ ናብ ክሊ ኤፍሬም ከይዱ ነቶም ህዝቢ ናብ የሆዋ ኺመልሶም ዝጸዓረ፡ ነቶም ዘይንጡፋት ንምሕጋዝ ክንጽዕር ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ሽማግለታት ጉባኤ ነቶም ኣብ ክሎም ዘለዉ ብሓጥእ መገዲ ምምልላስ ሓዲጎምዎ ኪዀኑ ዚኽእሉ እተወገዱ ሰባት ኪበጽሕዎም ምድላዋት ይገብሩ እዮም።

12, 13. (ሀ) ዮሳፋጥ ዜፍርህ ኵነታት ምስ ኣጋጠሞ እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ለ) ድኹማት ምዃንና ብምእማን ንዮሳፋጥ ክንመስሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12 ዮሳፋጥ ከም ኣቦኡ ኣሳ፡ ሓያል ሰራዊት ጸላኢ ምስ መጾ እውን ንኣምላኽ ውፉይ ኰይኑ እዩ። (2 ዜና መዋእል 20:2-4 ኣንብብ።) ፈሪሁ እኳ እንተ ነበረ፡ “ንየሆዋ ኺደልዮ . . . ቈረጸ።” “ኣብ ቅድሚ እዚ ዚመጸና ዘሎ ብዙሕ ህዝቢ ሓይሊ የብልናን” ኢሉ ብትሕትና ብምጽላይ፡ ንሱን ህዝቡን እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ከም ዘይፈልጡ ገለጸ። “ኣዒንትና ግና ናባኻ እየን” ኢሉ ድማ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ተወከለ።—2 ዜና 20:12

13 ንሕና እውን ሓድሓደ ግዜ ከም ዮሳፋጥ እንታይ ከም እንገብር ኪጠፍኣናን ክንፈርህን ንኽእል ኢና። (2 ቈረ. 4:8, 9) ዮሳፋጥ ኣብቲ ብግህዶ ዝጸለዮ ጸሎት፡ ንሱን ህዝቡን ድኹማት ምዃኖም ተኣሚኑ እዩ። (2 ዜና 20:5) እቶም ንስድራ ቤቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዚመርሑ ዘበሉ እውን ንዜጋጥሞም ጸገማት ምእንቲ ኺዋጽእሉ የሆዋ መምርሒ ኺህቦምን ኬበርትዖምን ብምጽላይ ንዮሳፋጥ ኪመስልዎ ይኽእሉ እዮም። ስድራ ቤትካ ኸምዚ ዓይነት ጸሎት ክትጽሊ ኸለኻ ኸይሰምዑኻ ኢልካ ኽትስከፍ የብልካን። እኳ ደኣስ፡ ብየሆዋ ኸም እትእመን ኪርድኡ እዮም። ኣምላኽ ንዮሳፋጥ ካብ ሓገዞ፡ ንዓኻ እውን ኪሕግዘካ እዩ።

ህዝቅያስ ቅኑዕ ዘበለ ገበረ

14, 15. ህዝቅያስ ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚውከል ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

14 እቲ “ናብ የሆዋ . . . ጠበቐ” እተባህለሉ ንጉስ ህዝቅያስ፡ ንጽልዋ እቲ ኣምላኺ ጣኦት ዝነበረ ኣቦኡ ኺዋጽኣሉ ኣድልይዎ እዩ። “እቲ ንበረኽቲ ዘወገዶን ንሓወልትታት ኣምልኾ ዝሰባበሮን ንዓንዲ ኣምልኾ ዝቘረጾን ንሱ እዩ። ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ተመን ነሓሲ [ኣብቲ ግዜ እቲ ንኣምልኾ ጣኦት ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ] ድማ ድርቅምቅም ኣበሎ።” ‘ነቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዛት ብምሕላው’ ድማ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ውፉይ ኰነ።—2 ነገ. 18:1-6

15 ኣብቲ ግዜ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ኣሶር ንይሁዳ ምስ ወረረታን ንየሩሳሌም ከተጥፍኣ ምስ ሃቀነትን እውን፡ ህዝቅያስ ብምሉእ ልቡ ብየሆዋ ተኣመነ። ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ንየሆዋ ኣባጨወሉ፡ ንህዝቅያስ ድማ ኢዱ ኽህብ ኣፈራርሆ። ይኹን እምበር፡ ህዝቅያስ ኣብ ጸሎቱ፡ የሆዋ ኸም ዜድሕኖ ምሉእ ብምሉእ ዚእመን ምዃኑ ገለጸ። (ኢሳይያስ 37:15-20 ኣንብብ።) ኣምላኽ ድማ መልኣኹ ልኢኹ 185,000 ኣሶራውያን ብምቕታል፡ ንጸሎቱ ምላሽ ሃበሉ።—ኢሳ. 37:36, 37

16, 17. ንኣምላኽ ከተገልግል ከለኻ ንህዝቅያስ ክትመስሎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

16 ጸኒሑ፡ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዚቐርብ ሓመመ። ንየሆዋ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ብኸመይ ከም እተመላለሰ ኺዝክር ለመኖ። (2 ነገስት 20:1-3 ኣንብብ።) የሆዋ ድማ ንህዝቅያስ ብምሕዋይ ንጸሎቱ መለሰሉ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግና፡ ኣምላኽ ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዘየሕውየና ወይ ከኣ ዕድመና ኸም ዘየናውሕ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተረዲእና ኢና። ይኹን እምበር፡ ነፍሲ ወከፍና ኸም ህዝቅያስ፡ ‘ብተኣማንነትን ብምሉእ ልብን ተመላሊሰ እየ’ ኢልና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። እሞኸ የሆዋ ኣብ ዓራት ሕማምካ እውን ኪድግፈካ ኸም ዚኽእል ትኣምን ዲኻ፧—መዝ. 41:3

17 ህዝቅያስ ኣብ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስትንታን፡ ምስ ኣምላኽ ኣብ ዘሎና ርክብ ዕንቅፋት ኪዀነና ወይ ከኣ ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኼስግለና ዚኽእል ነገራት ከነውግድ ንኽእል ኢና። ከምቶም ብማሕበራዊ መራኸቢ ንሰባት ከም ኣማልኽቲ ገይሮም ዚርእይዎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ክንከውን ኣይንደልን ኢና። ገሊኦም ክርስትያናት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ቤተ ሰቦም ወይ ምስ ፈተውቶም ኪራኸቡ ባህ ይብሎም ይኸውን። ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ግና፡ ንዘይፈልጥዎም ሰብኡትን ኣንስትን ኪከታተሉ ኢሎም ንማሕበራዊ መራኸቢ ኻብ መጠን ንላዕሊ ይጥቀሙሉ እዮም። ስእልታት እዞም ሰባት እዚኦም ብምርኣይን ብዛዕባኦም ዝወጸ ጽሑፋት ብምንባብን ድማ ብዙሕ ግዜ የባኽኑ እዮም። በዚ ዘይረብሕ ነገራት ግዜና ነጥፍእ እንተ ዄንና ሓደገኛ እዩ። ሓደ ክርስትያን ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝጠቅዖ ስእሊ ብዙሓት ከም ዝፈተዉሉ እናተዛረበ ኪዀርዕ፡ ነቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣዕሩኹ ኪዀኑ ዘይደልዩ ድማ ኪቕየሞም ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኰነ ኣኪላስን ጵርስኪላን ኣብዚ እዋን እዚ እንተ ዚህልዉ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ስእልታት ዚልጥፉ ወይ ንዘይፈልጥዎ ሰብ ዚከታተሉዶ ይመስለካ፧ ጳውሎስ፡ ‘በቲ ቓል ኣጸቢቑ እተጸምደ’ ኸም ዝነበረ ነንብብ ኢና። ጵርስኪላን ኣኪላስን ድማ፡ ንኻልኦት ‘መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ብልክዕ ኣብ ምግላጽ’ እዮም ግዜ ዜሕልፉ ነይሮም። (ግብ. 18:4, 5, 26) እምበኣር ንርእስና፡ ‘ንሰባት ከየምልኽ እጥንቀቕ ድየ፧ ነቲ ኽቡር ግዜይ ኣብ ዘይጠቅም ነገራት አጥፍኦ ድየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና።ኤፌሶን 5:15, 16 ኣንብብ።

ዮስያስ ትእዛዛት የሆዋ ሓለወ

18, 19. ንዮስያስ ክትመስሎ እትደሊ በየናይ መገድታት ኢኻ፧

18 ንጉስ ዮስያስ ወዲ ወዱ ንህዝቅያስ ዝወለዶ እዩ ነይሩ፣ “ብዅሉ ልቡ” ድማ ትእዛዛት የሆዋ ሓልዩ እዩ። (2 ዜና 34:31) ገና ዀተቴ ኸሎ፡ “ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ኪደልዮ ጀመረ፣” ወዲ 20 ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ንይሁዳ ኻብ ኣምልኾ ጣኦት ኬንጽሃ ጀመረ። (2 ዜና መዋእል 34:1-3 ኣንብብ።) ዮስያስ ካብ መብዛሕትኦም ነገስታት ይሁዳ ንላዕሊ ብቕንኣት ንኣምላኽ ዜሐጕሶ ዘበለ ገይሩ እዩ። እንተ ዀነ ግና፡ ሕጊ ሙሴ ዝሓዘ በዅሪ ጽሑፍ ምስ ተረኽበን ኣብ ቅድሚኡ ምስ ተነብበን፡ ምሉእ ብምሉእ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብር ከም ዘለዎ ተረዲኡ እዩ። ንኻልኦት ንየሆዋ ኼገልግልዎ ኣተባቢዕዎም እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣብ መላእ ህይወቱ፡ እቶም ህዝቢ “ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ካብ ምስዓብ ኣየልገሱን።”—2 ዜና 34:27, 33

19 መንእሰያት ከም ዮስያስ ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ንየሆዋ ኺደልይዎ ኣለዎም። እቲ እተነስሐ ንጉስ ምናሴ ንዮስያስ ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ነጊርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣቱም መንእሰያት ዘበልኩም፡ ኣብ ስድራ ቤትኩምን ኣብ ጉባኤን ናብ ዚርከቡ ብዕደመ ዝደፍኡ እሙናት ኣሕዋት ቅረቡ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረሎም ሰናይ ነገራት ድማ ተምሃሩ። ዮስያስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምንባቡ ንልቡ ኸም ዝተንከፎን ስጕምቲ ኺወስድ ከም ዝደረኾን እውን ዘክሩ። ንስኻትኩም እውን ቃል ኣምላኽ ምስ እተንብቡ፡ ስጕምትታት ክትወስዱ ኺድርኸኩም ይኽእል እዩ፣ እቲ እትወስድዎ ስጕምትታት ድማ፡ ሓጐስ ኪውስኸልኩምን ምስ ኣምላኽ ንዘሎኩም ዕርክነት ኬደልድልን ካልኦት ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎ ኽትሕግዝዎም ኬለዓዕለኩምን እዩ። (2 ዜና መዋእል 34:18, 19 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ንኣምላኽ ኣብ እተቕርብዎ ኣገልግሎት ምምሕያሻት ክትገብሩ እትኽእልሉ መገዲ ኸተስተብህሉ ኺሕግዘኩም እዩ። እተመሓይሽዎ ነገራት እንተ ኣስተብሂልኩም ድማ፡ ከም ዮስያስ ስጕምቲ ውሰዱ።

ንየሆዋ ብምሉእ ልቢ ኣገልግሎ

20, 21. (ሀ) እቶም ኣርባዕተ ነገስታት እንታይ ሓባራዊ ነገር እዩ ነይርዎም፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

20 እቶም ኣርባዕተ ነገስታት ይሁዳ ንየሆዋ ብኸመይ ብምሉእ ልቢ ኸም ዘገልገልዎ ምምርማርካ እንታይ ጥቕሚ ረኺብካሉ፧ እዞም ነገስታት እዚኦም፡ ብቕንኣትን ምሉእ ብምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ ገይሮም እዮም። ብርቱዓት ጸላእቲ ምስ ኣጓነፍዎም እውን ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኣይሓደጉን። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ብቕኑዕ ድራኸ እዮም ንየሆዋ ኣገልጊሎምዎ።

21 ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ከም እንርእዮ፡ እዞም ኣርባዕተ ነገስታት ጌጋታት ገይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ እቲ ልቢ ዚምርምር ኣምላኽ ምስ መርመሮም፡ ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ ኸም ዝዀነ ኣስተብሂሉ እዩ። ንሕና እውን ዘይፍጹማት ኢና። እሞኸ፡ የሆዋ እንተ ዚምርምረና፡ ብምሉእ ልብና ኸም እነገልግሎ ኺድምድም ድዩ፧ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ ኽንምርምር ኢና።