ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እሙን ዓርኪ ዲኻ፧

እሙን ዓርኪ ዲኻ፧

ጃኒን ማውሪጽዮን ንኣስታት 50 ዓመት ኣዕሩኽ እዮም። ዕርክነቶም ኣብ ሓደጋ ዝኣተወሉ እዋን ግና ነይሩ እዩ። ማውሪጽዮ፡ “ኣብ ሓደ ጽንኩር እዋን፡ ከም እንፈላለ ዝገበረና ኸቢድ ጌጋ ገይረ” በለ። ጃኒ ድማ ከምዚ በለ፦ “መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃረኒ ማውሪጽዮ እዩ። መንፈሳዊ መምህረይ ድማ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ በቲ ዝገበሮ ነገር ክኣምን ኣይከኣልኩን። ዕርክነትና ኸም ዚፈርስ ስለ እተረድኣኒ ምድረ ሰማይ ጽልምት ኢሉኒ። ዝጠንጠነኒ ዀይኑ ድማ ተሰሚዑኒ።”

ጥዑያት ኣዕሩኽ ኣኽቢርካ ዚርኣዩ እዮም፣ ነባሪ ዕርክነት ድማ ብኣጋጣሚ ዚፍጠር ኣይኰነን። ንዕርክነትካ ኣብ ጸገም ዜእቱ ዅነታት እንተ ተፈጢሩ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ ዕርክነቶም ኣብ ጸገም ኣትዩ ዝነበረ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና።

ዓርክኻ ምስ ዚጋገ

እቲ ጓሳን ንጉስን ዝነበረ ዳዊት ጥዑያት ኣዕሩኽ ነይሮምዎ እዮም። ንዮናታን ዓርኪ ዳዊት ብቐሊሉ ንዝክሮ ንኸውን። (1 ሳሙ. 18:1) ይኹን እምበር፡ ዳዊት ከም ነብዪ ናታን ዝኣመሰሉ ኻልኦት ኣዕሩኽ እውን ነይሮምዎ እዮም። ዳዊትን ናታንን መዓስ ከም እተዓራረኹ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን እዩ። ሓደ ግዜ ግና፡ ዳዊት ንናታን ከም ዓርኩ ብምርኣይ መኻፍልቲ ምስጢሩ ገይርዎ እዩ። ንጉስ ዳዊት ንየሆዋ ቤት ኪሰርሓሉ ሓሊኑ ነበረ። ንናታን ከም ዓርኩን መንፈስ የሆዋ ኸም ዘለዎ ሰብን ገይሩ ይርእዮ ስለ ዝነበረ ድማ፡ ነቲ ዚህቦ ሓሳብ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ።—2 ሳሙ. 7:2, 3

ይኹን እምበር፡ ንዕርክነቶም ኣብ ጸገም ዜእቱ ዅነታት ኣጋጠመ። ንጉስ ዳዊት ምስ ባትሴባ መንዘረ፣ ድሕሪኡ ድማ፡ ንሰብኣያ ኡርያ ኣቕተሎ። (2 ሳሙ. 11:2-21) ዳዊት ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ እሙን ኰይኑን ፍትሒ ይገብርን ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ነዚ ኸቢድ ሓጢኣት እዚ ፈጸመ። እዚ ጥዑይ ዝነበረ ንጉስ እንታይ ወሪድዎ እዩ ኸምኡ ዝገበረ፧ እቲ ዝገበሮ ነገር ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ከም ዝነበረ ዘየስተብሃለ ስለምንታይ እዩ፧ ካብ የሆዋ ኺሓብኦ ኸም ዚኽእል ሓሲቡ ደዀን ይኸውን፧

ናታንከ እንታይ እዩ ኺገብር፧ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ካልእ ሰብ ነቲ ንጉስ ከም ዚነግሮ ደዀን ይገብር ይኸውን፧ ዳዊት ንኡርያ ብኸመይ ከም ዘቕተሎ ኻልኦት እውን ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እሞኸ ናታን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣልዒሉ ንዳዊት ብምዝራብ ስለምንታይ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝነበሮም ዕርክነት ዜበላሹ፧ ዳዊት ነቲ ንጹህ ዝነበረ ኡርያ ኻብ ኣቕተሎ፡ ናታን ንዳዊት ብዛዕባ እዚ እንተ ኣዛሪብዎ ንህይወቱ እውን ኣብ ሓደጋ ኼእትዋ ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር፡ ናታን ኣፈኛ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። እቲ ነብዪ፡ ስቕ እንተ ኢሉ፡ ምስ ዳዊት ዝነበሮ ዕርክነት ከም ቀደሙ ኸም ዘይከውንን ሕልናኡ ኸም ዚርብሾን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ዓርኩ ዝነበረ ዳዊት፡ የሆዋ ዘይፈትዎ መገዲ እዩ ዚስዕብ ነይሩ። እቲ ንጉስ መገዱ ምእንቲ ኼዐሪ ሓገዝ የድልዮ ነበረ። እወ፡ ዳዊት ናይ ሓቂ ዓርኪ የድልዮ ነበረ። ናታን ከኣ ናይ ሓቂ ዓርኪ ዀይኑሉ እዩ። ነቲ ቐደም ጓሳ ዝነበረ ንጉስ ኪትንክፍ ብዚኽእል ምሳሌ ገይሩ ነቲ ጕዳይ ኣልዓሎ። እወ፡ ዳዊት ክብደት ሓጢኣቱ ኺግንዘብን ኪንሳሕን ብዚሕግዞ መገዲ እዩ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ መልእኽቲ ነጊርዎ።—2 ሳሙ. 12:1-14

ንስኻኸ ዓርክኻ ኸቢድ ጌጋ ወይ ሓጢኣት እንተ ዚፍጽም እንታይ ምገበርካ፧ ብዛዕባ እቲ እተገብረ ጌጋ ምዝራብ ንዕርክነትኩም ኬበላሽዎ ኸም ዚኽእል ትሓስብ ትኸውን። ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ሓጥእ ኣካይዳኡ ነቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ኪሕግዝዎ ዚኽእሉ ሽማግለታት እንተ ተዛሪብካ፡ ንዓርክኻ ኣሕሊፍካ ዝሃብካዮ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። እሞኸ እንታይ ኢኻ እትገብሮ፧

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ጃኒ ኸምዚ በለ፦ “ገለ ነገር ከም ዘሎ ተረዲኡኒ። ማውሪጽዮ ኸም ቀደሙ ናይ ልቡ ኣይዛረበንን ነይሩ። ኣዝዩ ኸቢዱኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዛዕባ እዚ ኸዛርቦ ወሲነ። ‘ንሱ ዘይፈልጦ እንታይ ሓድሽ ነገር እሞ ኽዛረብ እየ፧ ሕማቕ ምላሽ ከኣ ኪህበኒ ይኽእል እዩ’ ኢለ ሓሲበ። ብዛዕባ እቲ ብሓንሳእ ዘጽናዕናዮ ነገራት ምስ ሓሰብኩ ግና፡ ደፊረ ኸዛርቦ ኽኢለ። ቅድሚ ሕጂ ሓገዝ ኣብ ዜድልየኒ እዋን፡ ከምኡ ገይሩ ሓጊዙኒ እዩ። ነቲ ዝነበረና ዕርክነት ክስእኖ እኳ እንተ ዘይደለኹ፡ ብዛዕባኡ ስለ ዝሓሊ ኽሕግዞ ደልየ።”

ማውሪጽዮ ድማ ከምዚ በለ፦ “ጃኒ ብቕንዕና እዩ ተዛሪቡኒ፡ እተዛረቦ ድማ ሓቂ እዩ ነይሩ። እቲ ዘጋጠመኒ ሕማቕ ነገራት ብሰንኩን ብሰንኪ የሆዋን ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ እቲ ዝገበርክዎ ሕማቕ ምርጫ ኸም ዝዀነ እፈልጥ ነይረ እየ። ስለዚ፡ ነቲ እተዋህበኒ ተግሳጽ ተቐቢለ፡ ድሕሪ ግዜ መንፈሳዊ ጥዕናይ ረኺበ እየ።”

ዓርክኻ ኣብ ጸገም ምስ ዚኣቱ

ዳዊት ኣብ ግዜ ሽግር ካብ ጐድኑ ዘይተፈልዩ ኣዕሩኽ ነይሮምዎ እዮም። ሓደ ኻባታቶም፡ ሑሻይ እዩ ነይሩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ “ፈታው ዳዊት” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። (2 ሳሙ. 16:16፣ 1 ዜና 27:33) ሑሻይ ዓርክን ፈታውን እቲ ንጉስ እዩ ነይሩ፣ ሓድሓደ ግዜ ብምስጢር ዚንገሮ ትእዛዛት ዚፍጽም ብዓል ስልጣን ነይሩ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት ዝፋን ምስ መንጠለ፡ ብዙሓት እስራኤላውያን ምስ ኣቤሴሎም እኳ እንተ ወገኑ፡ ሑሻይ ግና ከምኡ ኣይገበረን። ዳዊት ኪሃድም ከሎ፡ ሑሻይ ምስኡ ኸደ። ዳዊት፡ ወዱን ካልኦት ዚኣምኖም ሰባትን ስለ ዝጠለምዎ ተጐዲኡ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ሑሻይ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ብምእታውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዳዊት እተኣልመ ውዲት ዜፍሽል ተልእኾ ብምውሳድን እሙን ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ነቲ ኸም ብዓል ስልጣን መጠን ዝነበሮ ሓላፍነት ኪፍጽም ኢሉ ኣይኰነን ከምኡ ገይሩ። ናይ ሓቂ እሙን ዓርኪ እዩ ነይሩ።—2 ሳሙ. 15:13-17, 32-37፣ 16:15–17:16

ሎሚ ኣሕዋትን ኣሓትን ዜደንቕ ሓድነት ኣለዎም፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጉባኤ ዘለዎም ግደ ወይ ሓላፍነት እተመስረተ ኣይኰነን። ብተግባሮም፡ “ኣነ ፈታዊኻ ዝዀንኩ፡ ግዴታ ስለ ዘሎኒ ዘይኰነስ፡ ስለ እተገድሰኒ ኢኻ” ይብሉ እዮም።

ፈደሪኮ ዝስሙ ሓው ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ሳላ ሓገዝ እቲ ኣንቶንዮ ዝስሙ ዓርኩ፡ ኣብ ህይወቱ ንዘጋጠሞ ጽንኩር እዋን ኪሓልፎ ኽኢሉ እዩ። ፈደሪኮ ኸምዚ በለ፦ “ኣንቶንዮ ናብ ጉባኤና ምስ ገዓዘ፡ ቀልጢፍና ተዓራሪኽና። ክልቴና ኣገልገልቲ ጉባኤ ኢና ኔርና፣ ብሓንሳእ ምዕያይ ድማ ባህ እዩ ዚብለና ነይሩ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣንቶንዮ ሽማግለ ዀይኑ ተሸይሙ። ዓርከይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊ ኣርኣያይ እውን እዩ ነይሩ።” ድሕሪኡ፡ ፈደሪኮ ግጉይ መገዲ ሰዓበ። ቀልጢፉ ድማ መንፈሳዊ ሓገዝ ደለየ። ብሰንኪ እቲ ዝገበሮ ነገር ግና ፈላምን ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ኪቕጽል ኣይከኣለን። እሞኸ ኣንቶንዮ እንታይ ገበረ፧

ፈደሪኮ ጸገም ምስ ኣጋጠሞ ኣንቶንዮ ዓርኩ ጽን ኢሉ ሰሚዕዎን ኣተባቢዕዎን እዩ

ፈደሪኮ ኸምዚ በለ፦ “ኣንቶንዮ ጓህየይ ከም እተሰምዖ ተረዲኡኒ ነይሩ። ብስምዒታዊ መዳይ ኪሕግዘኒ ድማ ዝከኣሎ ገይሩ። ብመንፈሳዊ መዳይ ክጥዒ ብዙሕ ሓጊዙኒ እዩ፣ ካብ ጐድነይ ድማ ፈጺሙ ኣይተፈልየን። ከይተሓለልኩ መንፈሳውነተይ ከመሓይሽ ኣተባቢዑኒ እዩ።” ኣንቶንዮ ድማ፡ “ምስ ፈደሪኮ ብዙሕ ግዜ አሕልፍ ነይረ። ብዛዕባ ዝስምዖ ጓህን ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ካልእ ነገራትን ብዘይ ስክፍታ ኸዛርበኒ እየ ዝደልዮ ነይረ” በለ። ድሕሪ ግዜ፡ ፈደሪኮ መንፈሳውነቱ ኼደልድልን ከም ብሓድሽ ፈላምን ኣገልጋሊ ጉባኤን ኰይኑ ኼገልግልን ክኢሉ እዩ። ኣብ መደምደምታ ኣንቶንዮ ኸምዚ በለ፦ “ሕጂ ኣብ እተፈላለያ ጉባኤታት ነገልግል እኳ እንተለና፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንቀራረብ ኢና።”

እተጠለምካ ዀይኑዶ ምተሰምዓካ፧

ሓገዝ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ኣብ እትደልየሉ እዋን፡ እቲ ዓርክኻ እንተ ዘይሕግዘካ ኸመይ ምተሰምዓካ፧ ብዙሕ ከም እትጕዳእ ፍሉጥ እዩ። እሞኸ ይቕረ ምበልካሉዶ፧ ዕርክነትኩምከ ኸም ቀደሙዶ ምዀነ፧

ኣብተን የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረለን ናይ መወዳእታ መዓልትታት እንታይ ከም ዘጋጠመ እሞ ሕሰብ። ምስቶም እሙናት ሃዋርያት ብዙሕ ግዜ ኣሕሊፉ ነይሩ እዩ፣ ፍሉይ ርክብ ድማ እዩ ነይርዎም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሱስ ኣዕሩኸይ ኢሉ ዝጸውዖዎም። (ዮሃ. 15:15) ምስ ተኣስረ ግና እንታይ እዮም ገይሮም፧ ኵሎም እቶም ሃዋርያት ራሕሪሖምዎ እዮም ሃዲሞም። ጴጥሮስ ንጐይታኡ ኸም ዘይርሕርሖ ብግልጺ ተዛሪቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብታ ምሸት እቲኣ ግና ንየሱስ ከም ዘይፈልጦ ብምዝራብ ክሒድዎ እዩ።—ማቴ. 26:31-33, 56, 69-75

የሱስ ነቲ ናይ መወዳእታ ፈተና በይኑ ኸም ዚፍተኖ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብኣታቶም ኪጕህን ኪጕዳእን ይኽእል ነይሩ እዩ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ትንሳኤኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ እተዛረቦ ዘረባ ግና፡ ብኣታቶም ጓህን ምረትን ጣዕሳን ከም እተሰምዖ ዚሕብር ሓሳብ ፈጺምና ኣይንረክብን ኢና። የሱስ ብዛዕባ እቲ ደቀ መዛሙርቱ ኣብታ እተኣስረላ ምሸት ዝገበርዎ ነገራትን ብዛዕባ ኻልእ ጕድለታቶምን ኺጽብጽብ ኣድላዪ ዀይኑ ኣይተሰምዖን።

እኳ ደኣስ፡ የሱስ ንጴጥሮስን ንኻልኦት ሃዋርያቱን ኣጸናንዖም። ነቲ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ትምህርታዊ ዕዮ ዚምልከት መምርሒ ብምሃብ ከም ዚኣምኖም ኣረጋገጸሎም። ሽዑ እውን እንተ ዀነ፡ የሱስ ንሃዋርያቱ ኸም ኣዕሩኹ ገይሩ እዩ ዚርእዮም ነይሩ። ፍቕሩ ነባሪ ጽልዋ ኣሕዲሩሎም እዩ። ካብ ሽዑ ንነጀው ንጐይታኦም ከየጕህይዎ ጽዒሮም እዮም። እወ፡ ነቲ ንሰዓብቱ እተዋህቦም ትእዛዝ ብዚግባእ ፈጺሞም እዮም።—ግብ. 1:8፣ ቈሎ. 1:23

ኤልቪራ ዝስማ ሓብቲ ምስ ጒሊና ዝስማ መሓዛኣ ንዝነበራ ዘይምስምማዕ ኣጸቢቓ እያ እትዝክሮ። ኤልቪራ ኸምዚ በለት፦ “ብሰንኪ እቲ ዝገበርክዎ ነገር ከም እተጐድአት ምስ ነገረትኒ፡ ብዙሕ እየ ሓዚነ። ሓቃ እያ ኽትቍጣዕ። ብዛዕባ ስምዒተይን ብዛዕባ እቲ ተግባረይ ኪህልዎ ዚኽእል ውጽኢትን ምሽቓላ ግና ገሪሙኒ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዝገበርክዎ ጌጋ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ብሰንኩ ኺበጽሓኒ ዚኽእል ጕድኣት ምሕሳባ ዅሉ ሳዕ እየ ዘማስወላ። ካብ ስምዒታ ንላዕሊ ንድሕንነተይ እትግደሰለይ መሓዛ ብምርካበይ ንየሆዋ አመስግኖ እየ።”

ንዕርክነት ኣብ ጸገም ዜእቱ ዅነታት እንተ ተፈጢሩ፡ ናይ ሓቂ ዓርኪ እንታይ እዩ ዚገብር፧ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ብለውሃትን ብግልጽን ይዛረብ እዩ። እቲ ዓርኪ እቲ፡ ከምቶም ኣብ ጽንኩር ግዜ እሙናት ኣዕሩኽ ዝነበሩ ናታንን ሑሻይን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ይቕረ ንምባል ድሉው ዝነበረ የሱስ እውን እዩ ዚኸውን። ንስኻኸ ኸምኡ ዓይነት ዓርኪ ዲኻ፧