ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

ምስ ጥበበኛታት ብምምልላሰይ ተጠቒመ

ምስ ጥበበኛታት ብምምልላሰይ ተጠቒመ

ነቲ አብ ብሩኪንግስ፡ ሳውዝ ዳኮታ፡ ሕ.መ.ኣ. ቀዝሒ ዝነበረሉ ንግሆ ኽሳዕ ሕጂ እዝክሮ እየ። ገና ሓያል ቍሪ ይመጽእ ከም ዘሎ ድማ ይስምዓኒ ነበረ። ኣነን እተወሰኑ ሰባትን፡ መውዓዪ ኣብ ዘይነበሮ ማዕከን ብቝሪ ኸርዲድና ደው ኢልና ነበርና። እቲ ኣብ ቅድሜና ዝነበረ ማል ዚሰትያሉ ጋብላ ድማ ዝሑል ማይ መሊኡ ነበረ። ንምንታይ ኣብኡ ኸም ዝነበርኩ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወተይ እተወሰነ እስከ ኸዘንትወልኩም።

ብንእስነተይ ዘሕለፍክዎ ህይወት ስድራ ቤት

ሓወቦይ ኣልፍረድን ኣቦይን

ብ7 መጋቢት 1936 እየ ተወሊደ፣ ካብታ ኣርባዕተ ውሉዳት ዝነበርዋ ስድራ ቤትና ኸኣ ዝነኣስኩ እየ ነይረ። ኣብ ምብራቕ ሳውዝ ዳኮታ፡ ኣብ ንእሽቶ ቦታ ሕርሻ ንነብር ነበርና። ሕርሻ ኣገዳሲ ኽፋል ህይወት ስድራ ቤትና እኳ እንተ ነበረ፡ ቀንዲ ኽፋል ግና ኣይነበረን። ወለደይ ብ1934 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ተጠሚቖም ነበሩ። ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ርእሶም ወፍዮም ስለ ዝነበሩ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ልዑል ኣትኵሮ ይህቡሉ ነበሩ። ኣቦይ ክላራንስ፡ ጸኒሑ ኸኣ ሓወቦይ ኣልፍረድ ኣብታ ኣብ ኮንደ፡ ሳውዝ ዳኮታ ዝነበረት ንእሽቶ ጉባኤና ኣተሓባበርቲ ኣካል ሽማግለታት ኰይኖም ዓይዮም እዮም።

ብስድራ ቤትና ኸኣ ኣዘውቲርና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንእከብን ኣብ በቤት እናኸድና ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜደንቕ ተስፋ ንሰባት ነካፍሎምን ነበርና። እቲ ወለደይ ዝገደፉልና ኣብነትን ዝሃቡና ስልጠናን ኣብ ደቆም ዓብዪ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩልና። ኣነን ሓብተይ ዶረቲን፡ ደቂ ሽዱሽተ ዓመት ከለና ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰንና። ብ1943 ድማ ኣብቲ ሽዑ ኣብ ኣኼባታትና እተጀመረ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተመዝገብኩ።

ብ1952 ፈላሚ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን

ዓበይቲ ኣኼባታት ኣገዳሲ ኽፋል ህይወትና እዩ ነይሩ። ኣብቲ ብ1949 ኣብ ሱዝ ፎልስ፡ ሳውዝ ዳኮታ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ፡ ሓውና ግራንት ሱተር በጻሒ ተዛራባይ ነበረ። ነታ፡ “መወዳእታ ኻብቲ እትሓስብዎ ንላዕሊ ቐሪቡ እዩ!” እትብል መደረኡ ኽሳዕ ሕጂ እየ ዝዝክራ። ኵሎም ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያናት፡ ንህይወቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምእዋጅ ኪጥቀሙሉ ኸም ዘለዎም ኣጕልሐ። እዚ ድማ ርእሰይ ንየሆዋ ኽውፊ ኣተባብዓኒ። ኣብቲ ቐጺሉ ኣብ ብሩኪንግስ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ኸኣ፡ ኣብቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽኩዎ ቘራሪ ማዕከን ክጥመቕ ተራይ እጽበ ነበርኩ። ብ12 ሕዳር 1949 ኣርባዕቴና ኣብቲ ኻብ ብረት እተሰርሐ ጋብላ ተጠመቕና።

ምስ ተጠመቕኩ፡ ፈላሚ ክኸውን ሸቶ ኣውጻእኩ። ብ1 ጥሪ 1952 ከኣ፡ ወዲ 15 ዓመት ከለኹ ፈላሚ ዀንኩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን” ይብል እዩ፣ ብዙሓት ጥበበኛታት ኣባላት ስድራ ቤተይ ድማ ነቲ ፈላሚ ክኸውን ዝገበርክዎ ውሳነ ደጊፎምዎ እዮም። (ምሳ. 13:20) እቲ ወዲ 60 ዓመት ፈላሚ ዝነበረ ሓወቦይ ጁልየስ፡ መገላግልተይ ኰነ። ናይ ዕድመ ፍልልይ እኳ እንተ ነበረና፡ ኣብ ኣገልግሎት ባህ ዜብል ግዜ ኣሕሊፍና ኢና። ካብ ተመክሮ ህይወቱ ብዙሕ ጠቓሚ ጥበብ ረኺበ እየ። ዶረቲ እውን ነዊሕ ከይጸንሐት ፈላሚት ኰነት።

ሓላውቲ ወረዳ ዘርኣዩኒ ብሕታዊ ተገዳስነት

ብግዜ ንእስነተይ፡ ወለደይ ንሓለውቲ ወረዳን ንኣንስቶምን ኣብ ቤትና ኺሓድሩ ይዕድምዎም ነበሩ። ጀሰ ካንትወልን ሊን ካንትወልን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር ብዙሕ ሓጊዞምኒ እዮም። ሓደ ኻብቲ ፈላሚ ክኸውን ዝወሰንኩሉ ምኽንያት ድማ፡ ሳላ እቲ ዝሃቡኒ መተባብዒ እዩ። እቲ ዘርኣዩኒ ተገዳስነት ቲኦክራስያዊ ሸቶታት ከውጽእ ባህጊ ኣሕዲሩለይ እዩ። ሓድሓደ እዋን፡ ኣብ ጥቓና ኣብ ዘለዋ ጉባኤታት ኬገልግሉ ኸለዉ፡ ምሳታቶም ናብ ኣገልግሎት ይወስዱኒ ነበሩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ባህ ዜብልን ዚሃንጽን እዩ ነይሩ።

ድሕሪኦም ከኣ ባድ ሚለርን ሰበይቱ ጆኣንን ሓለውቲ ወረዳ ዀይኖም በጽሑና። ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 18 ዓመት ኰይነ ስለ ዝነበርኩ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክህብ ተጸዋዕኩ። እቲ ኣብ ከባቢና ዝነበረ ንውትህድርና ዚኸትብ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ፈለማ ንዓይ ዝመዝገበሉ መገዲ ምስቲ የሱስ ንሰዓብቱ ኻብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ኪዀኑ ዝሃቦም ማዕዳ ዚቃዶ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኽ እየ ዝደሊ ነይረ። (ዮሃ. 15:19) ስለዚ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ከም ኣገልጋሊ ሃይማኖት ገይሩ ኺምዝግበኒ ሕቶ ኣቕረብኩ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ንጕዳየይ ኣብ ዚሰምዓሉ መዓልቲ፡ ሓውና ሚለር ምሳይ ኪኸይድ ፍቓደኛ ምዃኑ ባህ ኢሉኒ እዩ። ሓውና ሚለር ሕዉስን ደፋርን እዩ ነይሩ። ከምዚ ዓይነት ባህርያት ዘለዎ መንፈሳዊ ሰብ ኣብ ጐድነይ ምንባሩ ኽተብዕ ሓጊዙኒ እዩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ መወዳእታ ኽራማት 1954፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ከም ኣገልጋሊ ገይሩ መዝገበኒ። እዚ ድማ ናብ ካልእ ተወሳኺ ቲኦክራስያዊ ሸቶታት ክበጽሕ ኣጋጣሚ ኸፈተለይ።

ሓድሽ ቤት-ኤላዊ ኸለኹ ኣብ ጥቓ ናይ ሕርሻ ማኪና እተሰኣልክዎ

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብቲ ኣብ ስታተን ኣይላንድ፡ ኒውዮርክ ዝነበረ ዎችታወር ፋርም ዚብሃል ቤት-ኤል ከገልግል ዕድመ ቐረበለይ። ኣብኡ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ከገልግል ፍሉይ መሰል ረኺበ እየ። ሓያሎ ጥበበኛታት ኣሕዋት ምርካበይን ምሳታቶም ምዕያየይን ድማ፡ ብዙሕ ዜደንቕ ተመክሮታት ክረክብ ሓጊዙኒ እዩ።

ኣገልግሎት ቤት-ኤል

ምስ ሓውና ፍራንዝ ኣብ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር.

እቲ ኣብ ስታተን ኣይላንድ ዝነበረ ቦታ ሕርሻ፡ ንመደበር ረድዮ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. (WBBR) እውን ዜጠቓልል ነበረ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ መደበር ረድዮ ኻብ 1924 ክሳዕ 1957 ተጠቒሞምሉ እዮም። ኣብቲ ቦታ ኻብ 15 ኽሳዕ 20 ኣባላት ቤት-ኤል ጥራይ እዮም ዚዓይዩ ነይሮም። መብዛሕትና ድማ መንእሰያትን ብዙሕ ተመክሮ ዘይብልናን ኢና ኔርና። ምሳና ግና ኤልዶን ዉድዎርዝ ዚብሃል ካባና ዚዓቢ ቕቡእ ክርስትያን ነይሩ እዩ። ጥበበኛ ምዃኑ ድማ ኣርእዩ እዩ። ከም ኣቦ ዀይኑ ይኣልየና ስለ ዝነበረ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ክንጸንዕ ሓጊዙና እዩ። ዘይፍጽምና ሰባት ዕንቅፋት ኪዀነና ኸሎ፡ ሓውና ዉድዎርዝ፡ “ጐይታ በቶም ዘለውዎ ሰባት እዚ ዅሉ ምግባሩ ብሓቂ ዜደንቕ እዩ” ይብል ነበረ።

ሃሪ ፒተርሰን ንኣገልግሎት ዜደንቕ ቅንኣት ነበሮ

ሓውና ፍረደሪክ ዊልያም ፍራንዝ ምሳና የገልግል ምንባሩ እውን ፍሉይ መሰል እዩ ነይሩ። ጥበቡን ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝነበሮ ፍሉይ ፍልጠትን ንዅላትና ኣወንታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩልና እዩ። ንነፍሲ ወከፍና ድማ ብብሕቲ ይግደሰልና ነበረ። ምግቢ ዚኽሽነልና ዝነበረ ሃሪ ፒተርሰን ዝስሙ ሓው እዩ ነይሩ፣ ካብቲ ፓፓሪሮፑሎስ ዚብል ናይ ሓቂ ስሙ፡ ነዛ ናይ ስድራ ቤት ስሙ ምጥቃም ይቐለና ነበረ። ንሱ እውን ሓደ ኻብቶም ቅቡኣት እዩ ነይሩ፣ ንኣገልግሎት ዝነበሮ ቕንኣት ድማ ፍልይ ዝበለ እዩ ነይሩ። ሓውና ፒተርሰን ኣብ ቤት-ኤል ንዝነበሮ ዕዮ ብዚግባእ ይፍጽም እኳ እንተ ነበረ፡ ንኣገልግሎት ወፍሪ ፈጺሙ ዕሽሽ ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ኣብ ወወርሒ ኣማእታት መጽሔታትና ይዕድል ነበረ። ብዙሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ስለ ዝነበሮ ድማ፡ ንሕቶታትና ይምልሰልና ነበረ።

ካብ ጥበበኛታት ኣሓት ዝረኸብክዎ ጥቕሚ

ኣብ ሕርሻና ዝፈረየ ምህርቲ፡ ባዕልና ንዕሽጎ ነበርና። ኣብ ዓመት፡ ኣስታት 42,600 ሊትሮ ፍረታትን ኣሕምልትን ተዓሺጉ ናብ ቤት-ኤል ይለኣኽ ነበረ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ ድማ፡ ኤታ ሁት ምስ ዝስማ ጥበበኛ ሓብቲ ናይ ምግልጋል ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺበ ነይረ። ንሳ ንኣደላልዋ እቲ ዚዕሸግ ምግብታት ትቈጻጸሮ ነበረት። እቲ ምግቢ ኣብ ዚዕሸገሉ ወቕቲ፡ ኣብቲ ኸባቢ ዚነብራ ኣሓት ኪሕግዝና ይመጻ ነበራ፣ ኤታ ኸኣ ነቲ ዕዮአን ትውድቦ ነበረት። ኤታ ኣብቲ ምዕሻግ ምግቢ ኣገዳሲ ግደ እኳ እንተ ነበራ፡ ነቲ ሕርሻ ብሓላፍነት ንዚቈጻጸሩ ኣሕዋት ብዙሕ ተኽብሮም ነበረት። ንቲኦክራስያዊ ርእስነት ብምእዛዝ ዝመጸ ጽቡቕ ኣብነት ከም ዝዀነት ገይረ እየ ዝርእያ።

ምስ ኣንጀላን ምስ ኤታ ሁትን

ኣንጀላ ሮማኖ ሓንቲ ኻብተን ምግቢ ኺዕሽጋ ዚመጻ ዝነበራ መንእሰያት ኣሓት እያ ነይራ። ንሳ ናብ ሓቂ ኽትመጽእ ከላ፡ ኤታ ሓጊዛታ እያ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ቤት-ኤል ከገልግል ከለኹ፡ ካልእ ጥበበኛ ሰበይቲ ረኸብኩ፣ ምስኣ ኸኣ፡ ክሳዕ ሕጂ ን58 ዓመት ተጓዒዘ ኣለኹ። ኣነን ኣንጂን ኣብ ሚያዝያ 1958 ተመርዓና፣ ብሓንሳእ ከኣ ብዙሕ ፍሉይ መሰላት ረኺብና ኢና። ኣብዚ ዅሉ ዓመታት፡ ኣንጂ ንየሆዋ ዘርኣየቶ ጽኑዕ ተኣማንነት፡ ንሓዳርና ኣደልዲልዎ እዩ። ዜጋጥመና ብድሆታት ብዘየገድስ፡ ብእኣ እተኣማመን እየ።

ኣገልግሎት ሚስዮናውነትን ዕዮ መገሻን

ብ1957 እቲ ኣብ ስታተን ኣይላንድ ዝነበረ መደበር ረድዮ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር. ምስ ተሸጠ፡ ንሓጺር እዋን ኣብ ቤት-ኤል ብሩክሊን ኣገልገልኩ። ኣነን ኣንጂን ምስ ተመርዓና ግና፡ ካብ ቤት-ኤል ወጻእኩ፣ ብሓንሳእ ኴንና ድማ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ኣብ ስታተን ኣይላንድ ፈለምቲ ዄንና ዓየና። ንእተወሰነ እዋን፡ ምስቶም ነቲ መደበር ረድዮ ዝዓደግዎን ዳብልዩ.ፒ.ኦ.ዳብልዩ ዚብል መጸውዒ ዝሃብዎን ሓደስቲ ወነንቲ እውን ዓይየ እየ።

ኣነን ኣንጂን ኣብ እንድለየሉ ዘበለ ኼድና ምእንቲ ኸነገልግል፡ ቀሊል ናብራ ኽንነብር ወሲንና ነበርና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብ መጀመርታ 1961 ኣብ ፎልስ ሲቲ፡ ነብራስካ ፍሉያት ፈለምቲ ኽንከውን ንዝቐረበልና ዕድመ ተቐበልናዮ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ኣብ ሳውዝ ላንሲንግ፡ ኒው ዮርክ፡ ንሓደ ወርሒ ይውሃብ ኣብ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ክንካፈል ዕድመ ቐረበልና። እቲ ዝረኸብናዮ ስልጠና ባህ ዜብል ስለ ዝነበረ፡ ናብ ነብራስካ ተመሊስና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ተሃንጢና ነበርና። ይኹን እምበር፡ ሚስዮናውያን ኴንና ኣብ ካምቦድያ ኸነገልግል ምምዳብና ዘይተጸበናዮ እዩ ነይሩ። እዛ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ እትርከብ ጽብቕቲ ሃገር፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይንፈልጦ ባህ ዜብል ትርኢትን መዓዛን ከነስተማቕር ኣኽኢላትና እያ። ኣብታ ሃገር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንዝርግሕ ተሃንጢና ነበርና።

ይኹን እምበር፡ ፖለቲካዊ ዅነታት እታ ሃገር ስለ እተቐየረ፡ ናብ ደቡብ ቭየትናም ክንግዕዝ ተገደድና። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ከቢድ ጸገም ጥዕና ስለ ዘጋጠመኒ፡ ናብ ዓድና ተመለስና። ምሉእ ብምሉእ ክሓዊ እተወሰነ ግዜ ወሲዱለይ እዩ፣ ምስ ሓወኹ ግና፡ ከም ብሓድሽ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀንና።

ብ1975 ምስ ኣንጀላ ኣብ ተለቪዥን ቃለ መጠይቕ ቀቅድሚ ምግባርና

ኣብ መጋቢት 1965 ብዕዮ መገሻ ንጉባኤታት ክንበጽሐን ፍሉይ መሰል ተዋህበና። ን33 ዓመት ድማ፡ ኣነን ኣንጂን ኣብ ዕዮ ወረዳን ኣውራጃን ዓዪና ኢና። ዓበይቲ ኣኼባታት ወትሩ ልዑል ቦታ ስለ ዝህቦ፡ ነዚ ኣኼባታት እዚ ምውዳብ የሐጕሰኒ ነበረ። ንእተወሰነ ዓመታት ኣብ ከባቢ ኒው ዮርክ ሲቲ ነገልግል ነበርና፣ ኣብታ ኸተማ ኣብ ዚርከብ ያንኪ ስታድዩም ድማ ሓያሎ ዓበይቲ ኣኼባታት ጌርና ኢና።

ቤት-ኤልን ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርትን

ከምቲ ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ብዙሓት ኣሕዋት ዜጋጥሞም፡ ኣነን ኣንጂን እውን ባህ ዜብልን በዳህን ዕዮታት ኣጋጢሙና እዩ። ንኣብነት፡ ብ1995 ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ኽምህር ተሓተትኩ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ፡ ናብ ቤት-ኤል ክንኣቱ ዕድመ ቐረበልና። ናብቲ ቕድሚ 40 ዓመት ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎተይ ዝጀመርኩሉ ቦታ ምምላሰይ ብሓቂ ኣሐጒሱኒ እዩ። ንእተወሰነ እዋን፡ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ዓየኹ፣ ኣብ ሓያሎ ኣብያተ ትምህርት እውን መሃርኩ። ብ2007 ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ኣብ ቤት-ኤል ዚውሃብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ኽፍሊ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኸም ዚሕቈፍ ገበረ፣ ኣነ ኸኣ ንእተወሰነ ዓመታት ሓላዊ እቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዀንኩ።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ኣብ ቲኦክራስያዊ ትምህርቲ ብዙሕ ምትዕርራያት ተገይሩ እዩ። ብ2008 ቤት ትምህርቲ ሽማግለታት ጉባኤ ተጀመረ። ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ድማ፡ ልዕሊ 12,000 ሽማግለታት ኣብ ቤት-ኤል ፓተርሰንን ብሩክሊንን ተማህሩ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ድማ፡ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ብዝሰልጠኑ መምህራን ይካየድ ኣሎ። ብ2010 እቲ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ዚብሃል ዝነበረ ቤት ትምህርቲ፡ ንንጽል ኣሕዋት ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዚብል ተቐየረ፣ ንክርስትያን ሰብ ሓዳር ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሃል ሓድሽ ቤት ትምህርቲ እውን ተኸፍተ።

ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2015 ድማ፡ እዚ ኽልተ ኣብያተ ትምህርቲ እዚ ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ፡ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ተባህለ። እቶም ኣብኡ ዚምሃሩ ድማ ሰብ ሓዳር ወይ ከኣ ዘይተመርዓዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋት፡ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኣብ ሓያሎ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ከም ዚካየድ ምፍላጦም ኣሐጒስዎም እዩ። ቲኦክራስያዊ ትምህርቲ ኺሰፍሕ ምርኣይ ባህ ዜብል እዩ፣ ምስ ሓያሎ ኻብቶም ነዚ ስልጠና እዚ ዝረኸቡ ኣሕዋት ምርኻበይ ድማ አማስወሉ እየ።

ቅድሚ ምጥማቐይ ኣትሒዙ ኽሳዕ ሕጂ ዘሕለፍክዎ ህይወት ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ የሆዋ ብመገዲ ሓቂ ኽመላለስ ዚሕግዙኒ ጥበበኛታት ስለ ዝሃበኒ አመስግኖ እየ። ኵሎም እዚኣቶም፡ መሳቶይ ወይ ከም ናተይ ዓይነት ባህሊ ዝነበሮም ኣይኰኑን ነይሮም። ግናኸ፡ መንፈሳውያን ሰባት እዮም ነይሮም። ተግባራቶምን ኣረኣእያኦምን ንየሆዋ ዓሚቝ ፍቕሪ ኸም ዘለዎም ዜርኢ እዩ ነይሩ። ኣብ ውድብ የሆዋ፡ ብጥበብ ክንመላለስ ዚሕግዙና ብዙሓት ጥበኛታት ሰባት ኣለዉ። ኣነ እውን ምሳታቶም ብምምልላሰይ ብሓቂ ተጠቒመ እየ።

ካብ መላእ ዓለም ምስ ዝመጹ ተምሃሮ ምርኻብ ባህ እዩ ዚብለኒ