ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብልብኻ ናብቲ እተጻሕፈ ተቕልብ ዲኻ፧

ብልብኻ ናብቲ እተጻሕፈ ተቕልብ ዲኻ፧

“እዚ . . . ንዓና እቲ መወዳእታ ስርዓት ንዘርከበና እውን ንመጠንቀቕታ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ።”—1 ቈረ. 10:11

መዝሙር፦ 49, 127

1, 2. ኣብነት እቶም ኣርባዕተ ነገስታት ይሁዳ እንምርምር ስለምንታይ ኢና፧

ሓደ ሰብ ኣብ መገዲ ኼንደልህጽ ወይ ኪወድቕ እንተ ትርኢ፡ በታ መገዲ እቲኣ ኽትከይድ ከለኻ ኣይምተጠንቀቕካንዶ፧ ካልኦት ዝገበርዎ ጌጋታት ምምርማርና ድማ፡ ተመሳሳሊ ጌጋ ኸይንፍጽም ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ብመንፈሳዊ መገዲ እውን፡ ካብ ጌጋ ኻልኦት፡ እንተላይ ካብ ጌጋ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዘለዉ ሰባት፡ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

2 እቶም ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ዝረኣናዮም ኣርባዕተ ነገስታት ኣይሁድ ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም ኣገልጊሎምዎ እዮም። ይኹን እምበር፡ ከቢድ ጌጋታት እውን ገይሮም እዮም። ካብ ተመክሮኦም እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ተመሳሳሊ ጌጋ ኻብ ምፍጻም ክንቍጠብ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ ብዛዕባ እዞም ኣብነታት እዚኦም ምስትንታንና፡ ካብቲ ኣቐዲሙ ንትምህርትና እተጻሕፈ ዘበለ ኽንጥቀም ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።ሮሜ 15:4 ኣንብብ።

ኣብ ሰብኣዊ ጥበብ ምውካል ናብ ጥፍኣት ይመርሕ

3-5. (ሀ) ልቢ ኣሳ ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ እኳ እንተ ነበረ፡ እንታይ ጸገም እዩ ኣጋጢምዎ፧ (ለ) ባዕሳ ኣንጻር ይሁዳ ምስ መጸ፡ ኣሳ ኣብ ሰብ እተወከለ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

3 ፈለማ ብዛዕባ ኣሳ ንመርምር እሞ፡ ቃል ኣምላኽ ንህይወትና ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ንርአ። ኣሳ ሓደ ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኣንጻር ይሁዳ ምስ መጹ ኣብ የሆዋ እኳ እንተ ተወከለ፡ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ነታ ኣብ ዶብ ግዝኣት ኣሳ ዝነበረት ከተማ ራማ ኺሰርሓ ምስ ጀመረ ግና ከምኡ ኣይገበረን። (2 ዜና 16:1-3) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣሳ ኣብ ጥበቡ ተወኪሉ፡ ንቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ንባዕሳ ምእንቲ ኼጥቅዖ ጉቦ ሃቦ። እሞኸ ኸምቲ ዝሓሰቦ ዀይኑሉዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ባዕሳ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብኡብኡ ንራማ ምስራሕ ሓደገ፡ ነቲ ዕዮኡ ድማ ገደፎ” ይብለና። (2 ዜና 16:5) ስለዚ፡ ኣሳ ኸምቲ ዝሓሰቦ ዝሰለጦ ኺመስል ይኽእል እዩ።

4 የሆዋ ግና ብዛዕባ እቲ ኣሳ ዝገበሮ ነገር እንታይ ተሰምዖ፧ ኣምላኽ ነቲ ኣፈኛኡ ዝነበረ ሓናኒ ልኢኹ፡ ንኣሳ ኣብ የሆዋ ስለ ዘይተወከለ ገንሖ። (2 ዜና መዋእል 16:7-9 ኣንብብ።) ሓናኒ ንኣሳ፡ “ካብ ሕጂ ጀሚሩ ውግእ ኪልዓለካ እዩ” በሎ። ባዕሳ ናብ ቦታኡ እኳ እንተ ተመልሰ፡ ድሕሪ እቲ ግዜ እቲ ግና ኣሳን ህዝቡን ብዙሕ ውግእ ኣጋጢምዎም እዩ።

5 ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ኣምላኽ ንልቢ ኣሳ ምስ መርመሮ፡ ምሉእ ብምሉእ ምስኡ ኸም ዝዀነ ርእዩ እዩ። (1 ነገ. 15:14) ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ፡ ኣሳ መለኮታዊ ብቕዓት ዜማልእ ተወፋይነት ነይርዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሳዕቤን ዘይጥበባዊ መገዱ ዓጺዱ እዩ። ባዕሳ ምስ መጾ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ የሆዋ ኣብ ሰብ፡ ማለት ኣብ ቤን-ሃዳድን ኣብ ርእሱን እተወከለ ስለምንታይ እዩ፧ ንኣምላኽ ሓገዝ ካብ ምሕታት ንላዕሊ ዲፕሎማስያዊ ወይ ወተሃደራዊ ብልሓት ዝሓሸ ውጽኢት ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ሓሲቡ ደዀን ይኸውን፧ ከምኡ ዝሓሰበ ድማ፡ ሕማቕ ምኽሪ ስለ እተዋህቦ ደዀን ይኸውን፧

6. ካብቲ ኣሳ ዝገበሮ ጌጋ እንታይ ኢና እንምሃር፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

6 እቲ ብዛዕባ ኣሳ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ መገድና ኽንምርምር ኪድርኸናዶ ኣይግባእን፧ ኣዝዩ ኸም ዚኸብደና ዀይኑ ዚስምዓና ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣብ የሆዋ ኽንውከል ከም ዘሎና ኺርኣየና ይኽእል እዩ። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንዜጋጥመና ንኣሽቱ ጸገማት ግና ብኸመይ ኢና እንዋጽኣሉ፧ ብርእስና ኽንፈትሖ ብምጽዓር ኣብ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ንውከል ዲና፡ ወይስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምድላይን ተግባራዊ ብምግባርን ፍታሕ ጸገማትና ንምርካብ ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ነርኢ ኢና፧ ንኣብነት፡ ኣብ ኣኼባታት ብምእካብካ ስድራ ቤትካ ይቃወሙኻ ይዀኑ። ከምኡ ምስ ዜጋጥመካ፡ ምእንቲ ኺመርሓካን ነቲ ዅነታት ክትኣልየሉ እትኽእል ዝሓሸ መገዲ ኸተስተውዕል ምእንቲ ኺሕግዘካን ንየሆዋ ኽትልምኖ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ካብቲ ዝነበረካ ስራሕ እንተ ወጺእካን ካልእ ስራሕ ብቐሊሉ ኽትረክብ እንተ ዘይክኢልካን እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ሓድሽ ስራሕ ክትቍጸር ከለኻ፡ ኣብ መዓልትታት ስራሕ ሰሙናዊ ኣኼባታት ከም ዘሎካ ትሕብር ዲኻ፧ እቲ ዜጋጥመና ጸገም ብዘየገድስ፡ ነቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “መገድኻ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ፣ ኣብኡ ተወከል፡ ንሱ እውን ኬስልጠልካ እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ከነቕልበሉ ኣሎና።—መዝ. 37:5

ሕማቕ ዕርክነት እንታይ ጽልዋ ኼሕድረልካ ይኽእል፧

7, 8. ዮሳፋጥ ዝገበሮ ጌጋ እንታይ እዩ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

7 ዮሳፋጥ ወዲ ኣሳ ብዙሕ ባህ ዜብል ባህርያት ነይርዎ እዩ። ኣብ ኣምላኽ ብምውካሉ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ገይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ዘይጥበባዊ ውሳነታት እውን ገይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ምስቲ እኩይ ንጉስ ሰሜናዊት መንግስቲ ዝነበረ ኣከኣብ መውስቦ ገይሩ እዩ። ነብዪ ሚካያ ንዮሳፋጥ፡ ምስ ኣከኣብ ሓቢሩ ንሶርያውያን ከይዋግኦም እኳ እንተ ኣጠንቀቖ፡ ንሱ ግና ኣይሰምዐን። ኣብቲ ውግእ ድማ፡ ዮሳፋጥ ካብ ሞት ንስክላ ኣምለጠ። ድሕሪኡ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። (2 ዜና 18:1-32) ሽዑ፡ ነብዪ የሁ፡ “ንእኩይዶ ትሕግዞ፡ ነቶም ንየሆዋ ዚጸልእዎዶኸ ትፈትዎም ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ።2 ዜና መዋእል 19:1-3 ኣንብብ።

8 እሞኸ ዮሳፋጥ ካብ ጌጋኡ ተማሂሩዶ፧ ብቕንኣት ንኣምላኽ ኬሐጕሶ ይጽዕር እኳ እንተ ነበረ፡ ካብቲ ምስ ኣከኣብ ብምሕባሩ ዝገበሮ ጌጋን ካብቲ የሁ ዝሃቦ መጠንቀቕታን ኣይተማህረን። እኳ ደኣስ፡ ካልእ ዘይጥበባዊ ኺዳን ገበረ። ምስቲ ጸላኢ ኣምላኽ ዝነበረ እኩይ ንጉስ ኣሓዝያ ወዲ ኣከኣብ እዩ ኺዳን ገይሩ። ዮሳፋጥን ኣሓዝያን ብሓባር መራኽብ ሰርሑ፣ እተን መራኽብ ግና፡ ከይተጠቕሙለን ተሰብራ።—2 ዜና 20:35-37

9. ሕማቕ ዕርክነት ንብምሉኡ ህይወትና ኺጸልዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

9 ብዛዕባ ዮሳፋጥ ዚገልጽ ጸብጻብ ምንባብና፡ ህይወትና ኽንምርምር ኬለዓዕለና ኣለዎ። ብኸመይ፧ ዮሳፋጥ ብሓፈሻ ጥዑይ ንጉስ እዩ ነይሩ። ቅኑዕ ዘበለ ገይሩን ‘ንየሆዋ ብምሉእ ልቡ ደልይዎን’ እዩ። (2 ዜና 22:9) እንተዀነ ግና፡ ብሕማቕ ዕርክነት ኪጽሎ ይኽእል ነይሩ እዩ። ነቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ፡ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን፣ ምስ ዓያሹ ዚሓብር ግና ክፉእ ይረክብ” ዚብል ምሳሌ ኣይትረስዓዮ። (ምሳ. 13:20) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ነቶም ኣብ ሓቂ ተገዳስነት ዘሕደሩ ሰባት ክንሕግዞም ንደሊ ንኸውን። ይኹን እምበር፡ ዮሳፋጥ ብሰንኪ እቲ ምስ ኣከኣብ ዝነበሮ ርክብ ካብ ሞት ንስክላ እዩ ኣምሊጡ። ብተመሳሳሊ፡ ምስቶም ንየሆዋ ዘየገልግልዎ ሰባት ዘየድሊ ርክብ ምፍጣር፡ ሓደጋታት ኣለዎ።

10. (ሀ) ካብ ዮሳፋጥ ብዛዕባ ሓዳር እንታይ ንምሃር፧ (ለ) ምስ ሕማቕ ዕርክነት ዚተሓሓዝ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

10 ካብ ተመክሮ ዮሳፋጥ እንታይ ግብራዊ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ ሓደ ክርስትያን ካብ መንጎ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንዕኡ ዝዀኖ መጻምድቲ ኺረክብ ስለ ዘይከኣለ፡ ምስ ሓደ ንየሆዋ ዘየፍቅር ሰብ ፍቕራዊ ርክብ ይምስርት ይኸውን። ወይ ከኣ ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ ቤት ንሓደ ክርስትያን፡ ‘ዚምርዓወሉ ዕድመ ኸይሓለፈ’ ኸሎ ኺምርዖ ጸቕጢ ይገብሩሉ ይዀኑ። ብዘይካዚ፡ ገሊኦም ከምቲ ሓንቲ ሓብቲ እተሰምዓ ይስምዖም ይኸውን። ንሳ፡ “ብተፈጥሮና ፍቕርን ምሕዝነትን ክንረክብ ንደሊ ኢና” በለት። እሞኸ ሓደ ክርስትያን እንታይ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧ ብዛዕባ እቲ ንዮሳፋጥ ዘጋጠሞ ነገር ምስትንታን ጠቓሚ እዩ። ዮሳፋጥ መብዛሕትኡ እዋን ካብ የሆዋ መምርሒ ይሓትት ነበረ። (2 ዜና 18:4-6) ምስቲ ንየሆዋ ፍቕሪ ዘይነበሮ ኣከኣብ ምሕዝነት ምስ ጀመረ ግና እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧ ኣዒንቲ የሆዋ ናብቶም ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ ዝዀነ ኸም ዚጥምታ ኺርስዕ ኣይነበሮን። ኣብዚ ግዜና እውን፡ ኣዒንቲ ኣምላኽ “ኣብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።” ስሌና “ብርታዐኡ ምእንቲ ኼርኢ” ድማ ተዳልዩ ኣሎ። (2 ዜና 16:9) ንዅነታትና ይርድኣልናን የፍቅረናን እዩ። እሞኸ ኣምላኽ ንዓኻ ብዜድልየካ መገዲ ፍቕርን መጻምድትን ክትረክብ ከም ዚሕግዘካ እምነት ኣሎካዶ፧ ብግዜኡ ነዚ ኸም ዜማልኣልካ ተኣማመን።

ምስ ዘይኣመንቲ ኣብ ሓደ ኣርዑት ምጽማድ ሓደገኛ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

ልብኻ ኣይተዓበ

11, 12. (ሀ) ህዝቅያስ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ዘቃልዐ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ህዝቅያስ ካብ ቍጥዓ የሆዋ ዝደሓነ ስለምንታይ እዩ፧

11 እቲ ኻብ ህዝቅያስ እንምሃሮ ትምህርቲ ድማ ምስ ልቢ ዚተሓሓዝ እዩ። ሓደ እዋን፡ እቲ ንልቢ ዚምርምሮ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ህዝቅያስ ዝነበረ ነገር ኣቃሊዑ እዩ። (2 ዜና መዋእል 32:31 ኣንብብ።) ህዝቅያስ ኣዝዩ ምስ ሓመመ፡ ኣምላኽ ጽላሎት ንድሕሪት ከም ዚምለስ ብምግባር፡ ከም ዚሓዊ ዚሕብር ምልክት ሃቦ። ድሕሪኡ ድማ፡ መስፍን ባቢሎን ብዛዕባ እቲ ምልክት ኪፈልጥ ደልዩ ልኡኻት ሰደደሉ። (2 ነገ. 20:8-13፣ 2 ዜና 32:24) ህዝቅያስ ከኣ፡ ‘ኣምላኽ በይኑ ምስ ሓደጎ፡’ ነቶም ባቢሎናውያን “ብዘሎ ቤት መዝገቡ” ኺርእዩ ብምፍቃድ ኣብ ልቡ እንታይ ከም ዘሎ ኣርኣየ። እዚ ተግባር ዕሽነት እዚ፡ “ንዅሉ እቲ ኣብ [ልቢ ህዝቅያስ] ዘሎ” ኣቃልዐ።

12 ልቢ ህዝቅያስ ስለምንታይ ከም እተዓበየ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን እዩ። ኣብ ልዕሊ ኣሶራውያን ስለ እተዓወተ ወይ ከኣ ኣምላኽ ብተኣምራዊ መገዲ ስለ ዘሕወዮ ደዀን ይኸውን፧ ወይ ከኣ “ኣዝዩ ብዙሕ ሃብትን ክብርን” ስለ ዝነበሮ ደዀን ይኸውን፧ በዚ ዀነ በቲ፡ ህዝቅያስ ስለ እተዓበየ፡ “ነቲ እተገብረሉ ጽቡቕ ብሞሳ ኣይመለሰን።” እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! ህዝቅያስ ንኣምላኽ ብምሉእ ልቢ እኳ እንተ ኣገልገሎ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ግና ንየሆዋ ኣጕህይዎ እዩ። ጸኒሑ ግና፡ “ርእሱ ኣትሓተ፣” ንሱን ህዝቡን ድማ ካብ ቍጥዓ ኣምላኽ ደሓኑ።—2 ዜና 32:25-27፣ መዝ. 138:6

13, 14. (ሀ) የሆዋ ‘ኺፍትነና ኢሉ በይንና ዝሓድገና’ መዓስ ኪኸውን ይኽእል፧ (ለ) ስለቲ ዝዓየናዮ ነገራት ክንውደስ ከለና ኸመይ ኪስምዓና ኣለዎ፧

13 ነቲ ብዛዕባ ህዝቅያስ ዚገልጽ ጸብጻብ ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ትዕቢት ህዝቅያስ እተቓልዐ፡ የሆዋ ንሰናክሪብ ምስ ሰዓሮን ንህዝቅያስ ካብ ዚቐትል ሕማሙ ምስ ኣሕወዮን እዩ። ንሕና እውን ሓደ ጠቓሚ ዕዮ ኽንዓዪ ኸለና፡ የሆዋ እቲ ኣብ ልብና ዘሎ ምእንቲ ኺቃላዕ፡ ‘ኪፍትነና ኢሉ በይንና ሓዲጉና’ ኪኸውንዶ ይኽእል፧ ንኣብነት፡ ሓደ ሓው መደረ ጽቡቕ ገይሩ ተዳልዩ፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰማዕቲ ኣቕሪቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለቲ ዘቕረቦ መደረ ድማ ብዙሓት ይውድስዎ እዮም። እሞኸ ኺውደስ ከሎ ኸመይ እዩ ዚስምዖ፧

14 ክንውደስ ከለና፡ ነቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ክንዝክሮ ኣሎና። የሱስ ከምዚ በለ፦ “ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፡ ‘ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና። እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ጌርና’ በሉ።” (ሉቃ. 17:10) ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ካብ ተመክሮ ህዝቅያስ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ህዝቅያስ ምስ ተዓበየ፡ “ነቲ እተገብረሉ ጽቡቕ ብሞሳ ኣይመለሰን።” ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገራት ምስ እነስተንትን፡ ነቲ ንሱ ዚጸልኦ ባህርያት ከነወግድ ኪሕግዘና እዩ። ብዛዕባ የሆዋ ድማ ብሞሳ ኽንዛረብ ኢና። የሆዋ ንህዝቡ ብቕዱሳት ጽሑፋትን ብመንፈስ ቅዱስን ገይሩ ይድግፎም እዩ።

ተጠንቂቕካ ውሳነታት ግበር

15, 16. ዮስያስ ዕቝባ ኣምላኽን ህይወቱን ዝሰኣነ ስለምንታይ እዩ፧

15 ካብቲ ነቲ ጥዑይ ንጉስ ዝነበረ ዮስያስ ዘጋጠሞ ነገራትከ እንታይ መለበሚ ኢና እንረክብ፧ ናብ ስዕረትን ሞትን ዝመርሖ ነገር እስከ ንርአ። (2 ዜና መዋእል 35:20-22 ኣንብብ።) ዮስያስ ንኔኮ ንጉስ ግብጺ “ኺጻረሮ ወጸ፣” እቲ ንጉስ ግና ምስኡ ኺዋጋእ ከም ዘይደሊ ነገሮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቃላት ኔኮ “ኻብ ኣፍ ኣምላኽ ዝመጸ ቓል” ከም ዝነበረ ይነግረና። ዮስያስ ምስኡ ኺዋጋእ ዝደለየ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይነግረናን እዩ።

16 ዮስያስ እቲ ኔኮ እተዛረቦ ቓላት ካብ የሆዋ ዝመጸ ኸም ዝነበረ ብኸመይ ኪፈልጥ ይኽእል ነይሩ፧ ነቲ ሓደ ኻብቶም እሙናት ነብያት ዝነበረ ኤርምያስ ኪሓትቶ ምኸኣለ ነይሩ። (2 ዜና 35:23, 25) ከምኡ ኸም ዝገበረ ዚገልጽ ጸብጻብ ግና የልቦን። ብዘይካዚ፡ ኔኮ ናብ ከርከሚሽ እዩ ዚኸይድ ነይሩ። እቲ ውግእ “ምስ ካልእ ቤት” ደኣ እምበር፡ ምስ የሩሳሌም ኣይነበረን። ብተወሳኺ፡ ኔኮ ንየሆዋ ዀነ ንህዝቡ ስለ ዘይጸረፈ፡ እቲ ውግእ ምስ ስም ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ውግእ ኣይነበረን። ስለዚ፡ ዮስያስ ምስ ኔኮ ኺዋጋእ ምድላዩ ሕማቕ ውሳነ እዩ ነይሩ። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ክንጽዕር ኣሎና።

17. ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ከም ዮስያስ ከይንጋገ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

17 ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንዕኡ ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምርን ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ኣሎና። ሓድሓደ እዋን ድማ፡ ንሽማግለታት ከነማኽሮም ንደሊ ንኸውን። ነቲ ጕዳይ ብዚምልከት እንፈልጦ ነገራት ሓሲብናሉን ኣብ ጽሑፋትና ምርምር ጌርናን ክንከውን ንኽእል ኢና። ሓደ ሽማግለ ግና ካልእ ክንሓስበሉ ዘሎና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬዘኻኽረና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሓብቲ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትሰብኽ ሓላፍነት ከም ዘለዋ ትፈልጥ እያ። (ግብ. 4:20) ይኹን እምበር፡ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽትከይድ ኣብ ዝሓሰበትሉ ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣያ ኻብ ገዛ ኸይትወጽእ ደሊዋ ንበል። ከም ቀደሞም ብሓንሳእ ብዙሕ ግዜ ስለ ዘየሕለፉ፡ ሓቢሮም ገለ ነገር ኪገብሩ ኸም ዚደሊ ይነግራ። ንሳ ኸኣ ንኣምላኽ ብዛዕባ ምእዛዝን ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ምግባር ዚገልጽ ጥቕስታት ትዝክር ትኸውን። (ማቴ. 28:19, 20፣ ግብ. 5:29) ይኹን እምበር፡ ንሰብኣያ ኽትግዛእን ልዝብቲ ወይ ሚዛናዊት ክትከውንን ከም ዘለዋ ኽትዝክር ኣለዋ። (ኤፌ. 5:22-24፣ ፊል. 4:5) ሰብኣያ ናብ ኣገልግሎት ክትከይድ ምድላያ ድዩ ብጥራስ ዚቃወሞ ዘሎ፡ ወይስ ነዛ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ እዩ ምስኡ ኽትከውን ደልይዋ፧ ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብርን ሰናይ ሕልና ኺህልወናን ክንጽዕር ከለና ሚዛናውያን ክንከውን ኣሎና።

ምሉእ ልቢ ብምሓዝ ተሓጐስ

18. ብዛዕባ እቶም ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተገልጹ ኣርባዕተ ነገስታት ምስትንታንካ ብኸመይ ኪጠቕመካ ይኽእል፧

18 ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ሓድሓደ እዋን ከምቶም ኣብ ላዕሊ እተመያየጥናሎም ኣርባዕተ ነገስታት ዝገበርዎ ዓይነት ጌጋ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (1) ከይሓሰብናዮ ኣብ ሰብኣዊ ጥበብ ክንውከል፡ (2) ሕማቕ ዕርክነት ክንምስርት፡ (3) ክንዕበ፡ (4) ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኸይመርመርና ውሳነታት ክንገብር ንኽእል ኢና። የሆዋ ግና ከምቲ ኣብቶም ኣርባዕተ ነገስታት ጽቡቕ ነገር ዝረኸበ፡ ኣባና እውን ጽቡቕ ነገር ይረክብ እዩ። ክሳዕ ክንደይ ከም እነፍቅሮን ክሳዕ ክንደይ ብምሉእ ልቢ ኸነገልግሎ ሃንቀው ከም እንብልን እውን ይፈልጥ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ከቢድ ጌጋታት ከይንገብር መለበሚ ኪዀኑና ዚኽእሉ ኣብነታት ሂቡና ኣሎ። ሃየ እምበኣር፡ ብዛዕባ እዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ገጸ ባህርያት ነስተንትን፡ ንየሆዋ ኸኣ ኣብነት ኪዀኑና ስለ ዝሃበና ነመስግኖ!