ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈሳውነት እንታይ እዩ፧ ሃይማኖት ዘይብለይ ክነሰይ መንፈሳዊ ክኸውን እኽእልዶ፧

መንፈሳውነት እንታይ እዩ፧ ሃይማኖት ዘይብለይ ክነሰይ መንፈሳዊ ክኸውን እኽእልዶ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ መንፈሳውነት ኪብሃል ከሎ፡ ንኣምላኽ ንምሕጓስን ኣተሓሳስባኡ ንምቕዳሕን እተርእዮ ዓሚቝ ድሌትን ባህግን እዩ። መንፈሳዊ ሰብ ኣብ ህይወቱ ብስርዓታት ኣምላኽ ኪመላለስን ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኪስዕብን ጻዕሪ ይገብር እዩ። aሮሜ 8:5፣ ኤፌሶን 5:1

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንፈሳዊ ሰብን ዘይመንፈሳዊ ሰብን ዚገብርዎ ነገራት ብምንጽጻር፡ መንፈሳውነት እንታይ ምዃኑ ይገልጸልና እዩ። ንኣብነት፡ ዘይከም መንፈሳዊ ሰብ፡ “ስጋዊ ሰብ ነቲ ናይ መንፈስ ኣምላኽ [ትምህርትታት ኣምላኽ] ዘበለ ኣይቅበሎን እዩ”። (1 ቈረንቶስ 2:14-16) ምስ መንፈሳውያን ሰባት ከተነጻጽሮም ከለኻ፡ ስጋውያን ሰባት ኣብ ክንዲ ናብ ልግስን ሰላምን፡ ናብ “ቅንእን ባእስን” እተቓልዑ እዮም። (1 ቈረንቶስ 3:1-3) እዞም ሓመይትን ንናይ ቀረባ ፈተውቲ ዚፈላልዩን ሰባት፡ “ስጋውያን፡ ዘይመንፈሳውያን” ተባሂሎም ኣለዉ።—ይሁዳ 19፣ ምሳሌ 16:28 b

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 መንፈሳውነት ኣበይ እዩ ዚርከብ፧

 ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና፡ መንፈሳውነት ናይ ምምዕባል ክእለት ኣሎና። (ዘፍጥረት 1:27) እምበኣር፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ኺርእይዎ ወይ ኪድህስስዎ ዘይክእሉ ነገር፡ ኣኽብሮት ኬርእዩን ብዛዕባኡ ኺምሃሩን ምርኣይ ዘገርም ኣይኰነን።

 ከም ሰላም፡ ምሕረት፡ ኣድልዎ ዘይምግባር ዝኣመሰሉ ባህርያት የሆዋ c ሒዝና ኢና ተወሊድና። (ያእቆብ 3:17) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣምላኽ ንመንፈሳውነት እቶም ትእዛዛቱ ኺሕልዉ ኣበርቲዖም ዚጽዕሩ ሰባት፡ የደልድሎ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:32

 መንፈሳውነት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 መንፈሳውነት ናብ “ህይወትን ሰላምን” ይመርሕ እዩ። (ሮሜ 8:6) እዘን ውህበታት ኣምላኽ እዚአን፡ መዳርግቲ ኣልቦ ዝዀነ ጥቕሚ ይርከበን እዩ።

  •   ህይወት፦ ኣምላኽ ንመንፈሳውያን ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም ምዃኑ ኣተስፍዩ ኣሎ።—ዮሃንስ 17:3፣ ገላትያ 6:8

  •   ሰላም፦ እዚ ምስ ኣምላኽ ሰላም ምግባር ማለት እዩ። እቶም ኣብ ስጋዊ ድሌታቶም ጥራይ ዜድህቡ ሰባት፡ ጸላእቲ ኣምላኽ እዮም። (ሮሜ 8:7) ብተወሳኺ፡ ኣምላኽ፡ ነቶም መንፈሳውነቶም ኬማዕብሉ ዚጽዕሩ ሰባት፡ “እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ብምሃብ ይባርኾም እዩ። (ፊልጲ 4:6, 7) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ውሽጣዊ ሰላም ድማ ኣብ ህይወቶም ሕጉሳት ኪዀኑ ይሕግዞም እዩ።—ማቴዎስ 5:3

 መንፈሳውነት ከማዕብል ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

  •   ትእዛዛቱ ፍለጥን ሓልዎን። ነቲ ሰባት “ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም” ዝጸሓፍዎ ሓሳባት ኣምላኽ ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ፡ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። (2 ጴጥሮስ 1:21) እቲ እትምሃሮ ነገራት ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ከተምልኾን ብመንፈስ ቅዱስ ክትምራሕን ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕካ ኽትነብርን ኪሕግዘካ እዩ።—ዮሃንስ 4:24

  •   ሓገዝ ኣምላኽ ንምርካብ ጸሊ። (ሉቃስ 11:13) ኣምላኽ፡ ሓደ መንፈሳዊ ሰብ ዚልለየሉ ባህርያት ከተርኢ ኺሕግዘካ እዩ። (ገላትያ 5:22, 23) ኣብ ህይወትካ ዜጋጥመካ ብድሆታት ኽትዋጽኣሉ ዜኽእለካ ጥበብ እውን ኪህበካ እዩ።—ያእቆብ 1:5

  •   ምስ መንፈሳውያን ሰባት ዕርክነት ግበር። መንፈሳውነትካ ኽትሃንጽ ኬተባብዑኻ እዮም። (ሮሜ 1:11, 12) ብኣንጻሩ ኸኣ፡ ምስቶም ኣተሓሳስባኦም ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዚጋጮ ሰባት ዕርክነት ምምስራት፡ ንመንፈሳውነትካ ኼዳኽሞ ይኽእል እዩ።—ያእቆብ 4:4

 መንፈሳዊ ሰብ ክኸውን፡ ሃይማኖት የድልየኒ ድዩ፧

 ሓደ ሰብ፡ ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ብምዃኑ ጥራይ መንፈሳዊ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓደ እኳ ንልሳኑ ዘይለጕም ክነሱ፡ ሃይማኖተኛ ዝዀነ እንተ መሲልዎ፡ ንልቡ እዩ ዜታልል ዘሎ፡ ኣምልኾኡ እውን ከንቱ እዩ” ይብል።—ያእቆብ 1:26፡ እግረ ጽሑፍ።

 በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንፈሳውያን ሰባት ንኣምላኽ በቲ ንሱ ዚቕበሎ መገዲ ኸም ዜምልኽዎ ይገልጽ እዩ። “ሓደ መንፈስ” ማለት መንፈስ ቅዱስ ጥራይ ከም ዘሎ እውን ይኣምኑ እዮም። እዚ መንፈስ እዚ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ልክዕ ከም “ሓደ ሰብነት” ኰይኖም፡ ማለት ብጕጅለ ተወዲቦም፡ ‘ንሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም እናሓለዉ’ ንኣምላኽ ኬምልኽዎ ይድርኾም እዩ።—ኤፌሶን 4:1-4

 ብዛዕባ መንፈሳውነት ዘሎ ግጉይ ርድኢት

 ግጉይ ርድኢት፦ ሓደ መንፈሳዊ ሰብ፡ ርእሰ ዕግበት ኬምጽኣሉ ኽሳዕ ዝኸኣለ፡ ብዝደለዮ መገዲ ገይሩ መንፈሳውነቱ ኼማልእ ይኽእል እዩ።

 ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ንመንፈሳውነት ብሓሳብ ኣምላኽ ዚምራሕ መገዲ ህይወት ኢሉ እዩ ዚገልጾ። ካብ ኣምላኽ ርሒቕካ ንርእስኻ ባህ ዘብል ክትገብር ግና ኣየተባብዕን እዩ። መንፈሳውያን ሰባት፡ ነቲ ፈጣሪኦም ዝዀነ የሆዋ ብምግልጋልን ምስ ዕላማታቱ ተሰማሚዖም ብምንባርን ዕግበት ከም ዚረኽቡ ይኣምኑ እዮም።—መዝሙር 100:3

 ግጉይ ርድኢት፦ ሓደ ሰብ፡ ንሰብነቱ ኻብ ኣድለይቲ ነገራት ብምሕሳም ወይ ሰብነቱ ብምስቓይ መንፈሳውነት ኬማዕብል ይኽእል እዩ።

 ሓቂ፦ ምሕሳም ሰብነት ምልክት “ብፍቓድ ርእስኻ ዚግበር ኣምልኾን” ሓሳብ ስጋን እዩ። (ቈሎሴ 2:18, 23) መጽሓፍ ቅዱስ ንመንፈሳውነት ምስ ስቓይ ዘይኰነስ፡ ምስ ሓጐስ ኣተሓሒዙ እዩ ዚገልጾ።—ምሳሌ 10:22

 ግጉይ ርድኢት፦ ዝዀነ ይኹን ምስ መንፈሳዊ ዓለም ዚግበር ርክብ፡ እንተላይ መናፍስትነት፡ መንፈሳውነት የማዕብል እዩ።

 ሓቂ፦ መናፍስትነት ማለት፡ መናፍስቲ ምውታት ምስ ህያዋን ሰባት ይራኸቡ ዚብል እምነት እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምዉታት ገለ ኸም ዘይፈልጡ እዩ ዚምህር። (መክብብ 9:5) ከም ሓቂ መናፍስትነት ምስ ንኣምላኽ ዚጻረሩ መንፈሳውያን ፍጡራት ምርኻብ እዩ። መናፍስትነት ንኣምላኽ የቘጥዖ፡ ሓደ ሰብ መንፈሳዊ ዕብየት ከይገብር ድማ ይዓግቶ እዩ።—ዘሌዋውያን 20:6፣ ዘዳግም 18:11, 12

 ግጉይ ርድኢት፦ ኵሎም ፍጥረታት ብባህሪኦም መንፈሳውነት ኣለዎም።

 ሓቂ፦ ኵሉ ፍጥረት ንኣምላኽ ክብሪ የምጽኣሉ እዩ። (መዝሙር 145:10፣ ሮሜ 1:20) ይኹን እምበር፡ መስተውዓልቲ ፍጥረታት ኣምላኽ ጥራይ እዮም፡ መንፈሳውነት ኬማዕብሉ ዚኽእሉ። ብኣንጻሩ፡ እንስሳታት ብባህረት እዮም ዚምርሑ፡ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ኪምስርቱ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ ኵሉ ተግባራቶም ብስጋዊ ድሌቶም እዮም ዚድረኹ። (2 ጴጥሮስ 2:12) ስለዚ ድማ እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንፈሳውነት ምስ እንስሳዊ ኣተሓሳስባን ባህርን ከም ዚጋጮ ዚነግረና።—ያእቆብ 3:15፣ ይሁዳ 19

a እተን “መንፈስ” ተባሂለን እተተርጐማ፡ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ቓላት፡ “እስትንፋስ” ዚብል ትርጉም እውን ዘለወን እየን። ብተወሳኺ፡ እዘን ቃላት እዚአን፡ ንሓደ ዘይርአ ግናኸ ዚንቀሳቐስ ሓይሊ ዜመልክት ትርጉም እውን ዘለወን እየን። መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ልዑል መንፈስ ብምባል ይገልጾ እዩ። ሓደ መንፈሳዊ ሰብ፡ ብፍቓድ ኣምላኽን መንፈስ ቅዱሱን ኪምራሕ እዩ ዚመርጽ።

b ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ስጋዊ” እትብል ቃል፡ ነቶም ንስርዓታት ኣምላኽ ዕሽሽ ብምባል፡ ኣተሓሳስባኦምን ተግባሮምን ብስጋዊ ድሌታቶም ኪምራሕ ዚፈቕዱ ሰባት እያ እተመልክት።

c የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18