ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ምስ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ክተዓራረኽ ኣሎኒ ድዩ፧

ምስ እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ክተዓራረኽ ኣሎኒ ድዩ፧

 “ምስታ ንእሽቶ ጕጅለ ኣዕሩኽና ክኸውን ከለኹ፡ ጽቡቕ እዩ ዚስምዓኒ፣ ካብዛ ጕጅለ እዚኣ ምስ ዘይኰኑ ሰባት ክተዓራረኽ ግና ኣዝዩ እዩ ዚኸብደኒ።”ኣላን።

 “ምስ ሒደት ሰባት ጥራይ እየ ዝመሓዞ፣ ከምኡ እዩ ባህ ዚብለኒ። ምስ ዘይፈልጦም ሰባት ዝቀራረብን ዝዘራረብን ዓይነት ሰብ ኣይኰንኩን።”ሳራ።

 ከምቲ ኣላንን ሳራን እተሰምዖም ድዩ ዚስምዓካ፧ ስጡም ርክብ ዘለዎም ኣዕሩኽ ዘለዉኻ እሞ፡ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ከተጥሪ ዚኸብደካ ዲኻ፧

 ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትጠቕመካ እያ።

 ምስ ንእሽቶ ጕጅለ ኣዕሩኽ ጥራይ ምሕባር ዘለዎ ጸገማት

 ኣባል ሓንቲ ስጡም ርክብ ዘለዋ ጕጅለ ኣዕሩኽ ምዃን ጌጋ ኣይኰነን። ከምዚ ዓይነት ርክብ፡ በቲ ዘሎካ ጕድለታት ከይሓፈርካ ምስ ካልኦት ዕርክነት ክትምስርት ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

 “ብኻልኦት ሰባት ክትፍቶን ኣባል ሓንቲ ጕጅለ ኽትከውንን ባህ ዜብል እዩ። መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ ብኻልኦት ተቐባልነት ክትረክብ ጥራይ ኢኻ እትደሊ።”ካረን፡ 19።

 ትፈልጥዶ፧ እቶም 12 ሃዋርያት፡ ገለ ኻብቶም ብዙሓት ኣዕሩኽ የሱስ እዮም ነይሮም፣ ግናኸ፡ ካብዚኣቶም እቶም ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ዝስሞም ሰለስተ ሃዋርያት፡ ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ እዮም ነይሮም።—ማርቆስ 9:2፣ ሉቃስ 8:51

 ይኹን እምበር፡ ኣባል ሓንቲ ጕጅለ ኣዕሩኽ ጥራይ ምዃን፡ ምስ ካልኦት ድማ ዘይምቕራብ፡ ጸገማት ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፦

  •   ካልኦት ብሉጻት ኣዕሩኽ ንኸይተጥሪ ኺዓግተካ ይኽእል እዩ።

     “ምስ ከማኻ ዓይነት ሰባት ጥራይ ትተዓራረኽ እንተ ዄንካ፡ ሓድሽ ተመክሮ ኸይተጥርን ምስ ካልኦት ዜደንቑ ሰባት ከይትቀራረብን እዩ ዚዓግተካ።”ኢቫን፡ 21።

  •   በጥራን መሲልካ ኸም እትርአ ኺገብር ይኽእል እዩ።

     “ምስ ሓንቲ ጕጅለ ኣዕሩኽ ጥራይ ትሓብር እንተ ዄንካ፡ ምስ ካልእ ሰብ ክትዛረብ ከም ዘይትደሊ ዚሕብር መልእኽቲ ኸተመሓላልፍ ትኽእል ኢኻ።”ሳራ፡ 17።

  •   ንኻልኦት ኣብ ምድንዳን ከም እትሓብር ኪገብረካ ይኽእል እዩ።

     “ሓደ ሰብ ብውልቁ ንኻልእ ሰብ ኣይድንድንን ይኸውን፣ እቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኽትኻ ኸምኡ ምስ ዚገብሩ ግና፡ ብሃንደበት ከም ቅቡል ጌርካ ትወስዶ፡ ሕሉፍ ሓሊፍካ እውን ከም መስሓቕ ጌርካ ኢኻ እትርእዮ።”ጄምስ፡ 17።

  •   ብፍላይ ዝኸፈልካ ኸፊልካ ኣባል እታ ጕጅለ ኽትከውን ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ጸገም ኬእትወካ ይኽእል እዩ።

     “ስጡም ርክብ ኣብ ዘለዋ ጕጅለ ኣዕሩኽ፡ ሓደ እኩይ ሰብ እንተ ኣልዩ፡ ንብምልእታ እታ ጕጅለ ሕማቕ ነገር ናብ ምግባር ኪመርሓ ይኽእል እዩ።”ማርቲና፡ 17።

 ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

  •   ኣኽቢርካ ንእትርእዮ ስርዓታት መርምሮ።

     ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ኣብ ህይወተይ በየናይ ስርዓታት እየ ኽምራሕ ዝጽዕር፧ ኣዕሩኸይ፡ በዚ ስርዓታት እዚ ኽምራሕ ከም ዚቐልለኒዶ ወይስ ከም ዚኸብደኒ እዮም ዚገብሩ፧ ዝኸፈልኩ ኸፊለ ድየ ምሳታቶም ክጠብቕ ዝጽዕር፧’

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ስነ ምግባር የበላሽዎ እዩ።”—1 ቈረንቶስ 15:33፡ እግረ ጽሑፍ።

     “ከም ናትካ ዓይነት ስርዓታት ምስ ዘይስዕቡ ጕጅለ ኣዕሩኽ ትሓብር እንተ ዄንካ፡ ክትገብሮ ዘይትደሊ ዝነበርካ ነገራት፡ ምሳታቶም ክትከውን ከለኻ ኽትገብሮ ትኽእል ኢኻ።”ኢለን፡ 14።

  •   ቀዳማይ ቦታ ንእትህቦ ነገራት መርምሮ።

     ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ምስ ኣዕሩኸይ ንዘሎኒ ጥብቂ ርክብ ክዕቅብ ክብል ንዝስዕቦ ስርዓታት እሓድጎ ድየ፧ ሓደ ኻብ ኣዕሩኸይ ሕማቕ ነገር እንተ ገይሩ፡ እንታይ ምገበርኩ፧’

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ‘ኣነ ነቶም ዝፈትዎም ዘበሉ እገንሖም እየ።”—ራእይ 3:19

     “ሓደ ኻብ ጕጅለ ኣዕሩኽካ ሕማቕ ነገር ብምግባሩ ኣብ ጸገም ምስ ዝኣቱ፡ ብዛዕባኡ ምዝራብ ከም ክሕደት ኪቝጸር ይኽእል እዩ።”—ሜላኒ፡ 22።

  •   ዕርክነትካ ኣስፍሕ።

     ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ጽቡቕ ገይረ ንዘይፈልጦም ሰባት እውን ክቐርቦም ኢለ ዕርክነተይ ምስ ዜስፍሕ፡ ብኸመይ ክጥቀም እኽእል፧’

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።”—ፊልጲ 2:4

     “ከም ዘይተፈተውቲ ጌርካ ዚርኣዩ ቘልዑ፡ ኣብ ቤቶም ከቢድ ህይወት ዚመርሑ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብቐረባ ምስ ፈለጥካዮም ግና መብዛሕትኡ ግዜ ንሳቶም እውን ናይ ገዛእ ርእሶም ጽቡቕ ባህርያት ዘለዎም ኰይኖም ኢኻ እትረኽቦም።”ብራያን፡ 19።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ኣባል ሓንቲ ኣዝያ እትቀራረብ ጕጅለ ኣዕሩኽ ምዃን ጌጋ ኣይኰነን። ማዕረ ማዕሪኡ ግና፡ ምስ ካልኦት ብምቅርራብ ዕርክነትካ ምስ እተስፍሕ ዝያዳ ጥቕሚ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘እቲ ዜርዊ ንርእሱ ይረዊ’ ይብል።—ምሳሌ 11:25