ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ምስ ወለደይ ብኸመይ እየ ተሳንየ ኽነብር ዝኽእል፧

ምስ ወለደይ ብኸመይ እየ ተሳንየ ኽነብር ዝኽእል፧

 ሕቶታት ግጭት

  •   መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ኣየናይ ወላዲ ኢኻ እትጋጮ፧

    •  ኣቦ

    •  ኣደ

  •   ምስቲ ወላዲኻ ኽንደይ ሳዕ ኢኻ እትጋጮ፧

    •  ሳሕቲ

    •  ሓሓሊፉ

    •  ብተደጋጋሚ

  •   እቲ ግጭት ክብደቱ ኽሳዕ ክንደይ እዩ፧

    •  ብቕልጡፍን ብሰላምን ይፍታሕ እዩ።

    •  ድሕሪ ብዙሕ ቈየቛ እዩ ዚፍታሕ።

    •  ድሕሪ ብዙሕ ቈየቛ እኳ ኣይፍታሕን እዩ።

 ምስ ወለድኻ ዘይትሳነ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ርክብኩም ንምምሕያሽ ሓደ ስጕምቲ ኺወስዱ ኸም ዚግባእ ይስምዓካ ይኸውን። ቀጺልና ኸም እንርእዮ ግና፡ ብዝሕን ክብደትን እቲ ግጭታት ንምንካይ ንስኻ ኽትወስዶ ዚግባእ ስጕምትታት ኣሎ። ፈለማ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕሰበላ፦

 ስለምንታይ እዩ ግጭት ዚልዓል፧

  •   ኣተሓሳስባ። እናዓበኻ ምስ ከድካ፡ ብዛዕባ እቲ ብቝልዕነትካ እትሓስበሉ ዝነበርካ ነገራት ብዕምቈት ክትሓስብ ትጅምር ኢኻ። ገሊኡ ነገራት ድማ ብጽኑዕ ክትኣምነሉ ትጅምር ኢኻ፣ ገለ ኻብኡ ድማ ምስ ወለድኻ ዘይትሰማምዓሉ ነገራት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ይብል እዩ።—ዘጸኣት 20:12

     ክውንነት ህይወት፦ ፍልልያት ብዝሰልጠነ መገዲ ምሓዝ፡ ብስለትን ክእለትን ይሓትት እዩ።

  •   ናጽነት። እናዓበኻ ምስ ከድካ፡ ወለድኻ ዝያዳ ናጽነት ምሃቦም ኣይተርፎምን እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ዚህቡኻ ናጽነት እኹል ከም ዘይኰነ ወይ ከም ዝደንጐየ ይስምዓካ ይኸውን፣ እዚ ድማ ናብ ግጭት ኪመርሕ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንወለድኹም . . . ተኣዘዝዎም” ይብል እዩ።—ኤፌሶን 6:1

     ክውንነት ህይወት፦ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ወለድኻ ዚህቡኻ ናጽነት፡ ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ናጽነት ኣብ እትጥቀመሉ መገዲ እዩ ዚምርኰስ።

 ክትገብሮ እትኽእል

  •   ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኣተኵር። ግጭት ኪልዓል ከሎ ንወለድኻ ጥራይ ተሓተትቲ ኣብ ክንዲ እትገብሮም፡ ንስኻ ብወገንካ ሰላም ንምፍጣር እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ሕሰብ። ጀፍሪ ዝስሙ መንእሰይ፡ “ወለድኻ ዚብሉኻ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንስኻ እትህቦ ምላሽ እዩ ነቲ ግጭት ዜጋድዶ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ብህድኣት ምዝራብ፡ ጸገማት ይፈትሕ እዩ” ይብል።

     መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።”—ሮሜ 12:18

  •   ስማዕ። ሳማንታ ዝስማ ጓል 17 ዓመት መንእሰይ፡ “እዚ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝኸበደ ነገር ኰይኑ እየ ረኺበዮ” ድሕሪ ምባል፡ “እንተዀነ ግና፡ ትሰምዕ ከም ዘለኻ ወለዲ ምስ ዚርእዩ፡ ንሳቶም እውን ይሰምዑኻ እዮም” ትብል።

     መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኵሉ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ . . . ይኹን።”—ያእቆብ 1:19

    ግጭት ከም ሓዊ እዩ፣ እንተ ዘይተቘጻጺርካዮ፡ ናብ ባርዕ እዩ ዚቕየር

  •   ሓደ ጋንታ ኸም ዝዀንኩም ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ግጭት ከም ውድድር ስፖርት ጌርካ ርኣዮ። ንወለድኻ ዘይኰነስ፡ ነቲ ፍልልይ ዚፈጥር ጕዳይ ከም መጋጥምትኻ ጌርካ ርኣዮ። ኣዳም ዝስሙ መንእሰይ፡ “ግጭት ኪልዓል ከሎ፡ ወለዲ ንመንእሰይ ውሉዶም ዝሓሸ ዝበልዎ እዮም ዚሓስቡ፡ መንእሰይ ከኣ ንርእሱ ዝሓሸ ዝበሎ እዩ ዚሓስብ። ስለዚ፡ እንተ ወሓደ ብደረጃ ኽልሰ ሓሳብ፡ ሕደ ሸቶ እዩ ዘለዎም” ይብል።

     መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ደጊም ሰላም ዜስፍን . . . ነገር ንስዓብ።”—ሮሜ 14:19

  •   ተረድኣሎም። ሴራ ዝስማ መንእሰይ፡ “ወለዲ ናታቶም ቃልሲ ኸም ዘለዎም፡ እዚ እውን ከም ናትና ኸቢድ ኪኸውን ከም ዚኽእል ምዝካር ይሕግዘኒ እዩ” ትብል። ክራላ ዝስማ መንእሰይ ከኣ፡ “ገዛእ ርእሰይ ኣብ ቦታ ወለደይ ክገብር እፍትን እየ። ውሉድ ዘዕቢ እንተ ዝኸውን እሞ ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ዜጋጥመኒ፡ ከመይ ምተሰምዓኒ፧ ንውሉደይ እንታይ ምሓሾ፧” ትብል።

     መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።”—ፊልጲ 2:4

  •   ተኣዘዞም። ዞይሩ ዞይሩ መጽሓፍ ቅዱስ ንወለድኻ ኽትእዘዞም እዩ ዚደልየካ። (ቈሎሴ 3:20) እንተ ተኣዚዝካዮም፡ ብዙሕ ጸገማት ኣይኪፍጠርን እዩ። ካረን ዝስማ መንእሰይ፡ “ወለደይ ዚብሉኒ እንተ ገይረ፡ ውጥረት እየ ዚንኪ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “ምእንታይ ብዙሕ መስዋእቲ ገይሮም እዮም፣ ስለዚ፡ እዚ ዚበዝሖም ኣይኰነን” ትብል። ተኣዛዝነት ንግጭት ፍቱን መድሃኒት እዩ ዚኸውን!

     መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ዕንጨይቲ ኣብ ዘይብሉ፡ ሓዊ ይጠፍእ።”—ምሳሌ 26:20

 ምኽሪ። ምዝርራብ ዚኸብደካ እንተ ዀይኑ፡ ሓሳባትካ ኣብ ወረቐት ወይ ብተክስት ጽሓፍ። ኣሊሳ ዝስማ መንእሰይ፡ “ክዛረብ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን፡ ከምኡ እየ ዝገብር። ከይጨደርኩ ወይ ደሓር ዜጣዕሰኒ ነገር ከይተዛረብኩ ሓሳበይ ክገልጽ ይሕግዘኒ እዩ” ትብል።