ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ብዛዕባ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧

ብዛዕባ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧

 ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት—ሕቶታት

 ኣብታ ብኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ብዙሕ ቢልዮናት ዶላራት መኽሰብ ዚርከበላ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ . . .

  1.   ገምጋም ዕድመ ተጻወትቲ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ክንደይ እዩ፧

    1.  ሀ. 18

    2.  ለ. 30

  2.   ካብ ተጻወትቲ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት፡ ክንደይ ደቂ ተባዕትዮ፡ ክንደይ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዉ፧

    1.  ሀ. 55 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮ፣ 45 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ

    2.  ለ. 15 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮ፣ 85 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ

  3.   ካብዞም ክልተ ጕጅለታት፡ ኣበየናይ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ተጻወትቲ እዮም ዝበዝሐ ቝጽሪ ዘለዎም፧

    1.  ሀ. ደቂ 18ን ልዕሊኡን ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ

    2.  ለ. ደቂ 17ን ትሕቲኡን ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ

 መልሲ (ኣብ ናይ 2013 ጸብጻብ እተመስረተ)፦

  1.   ለ. 30

  2.   ሀ. 45 ሚእታዊት፡ ማለት ዳርጋ ፍርቂ እቶም ተጻወትቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

  3.   ሀ. ደቂ 18ን ልዕሊኡን ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ፡ 31 ሚእታዊት እቶም ተጻወትቲ እየን፣ ደቂ 17ን ትሕቲኡን ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ ድማ 19 ሚእታዊት እቶም ተጻወትቲ እዮም።

 እዚ ኣሃዛዊ ሓበሬታ እዚ፡ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ዚጻወቱ መን ምዃኖም ሓፈሻዊ መረዳእታ ይህበካ ይኸውን። ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ኣባኻ ኺህልዎ ዚኽእል ጽልዋ፡ ማለት ጥቕሙን ጕድኣቱን ግና ኣይነግረካን እዩ።

 ጥቕሙ

 ካብዚ ብዛዕባ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ተዋሂቡ ዘሎ ሓሳባት ምስ ኣየናይ ትሰማማዕ፧

  •  “ምስ ስድራ ቤትካን ፈተውትኻን ክትቀራረብ ዚሕግዘካ መዘናግዒ እዩ።”—ኣይሪን።

  •  “ካብ ናይ ሓቂ ህይወት ክትወጽእ ይሕግዘካ እዩ።”—ኣነት።

  •  “ቅልጡፍ መልሰ ግብሪ ንናይ ምሃብ ክእለትካ የመሓይሾ እዩ።”—ክሪስቶፈር።

  •  “ግድላት ናይ ምፍታሕ ክእለት ከተማዕብል ይሕግዘካ እዩ።”—ኤሚ።

  •  “ንኣእምሮኻ የስርሖ እዩ፣ ከም እትሓስብን ከም እትውጥንን ስልቲ ኸም እትምህዝን ይገብረካ እዩ።”—ኣንቶኒ።

  •  “ገሊኡ ጸወታታት ምስ ፈተውትኻ ተሓባቢርካ ንኽትዓዪ የተባብዓካ እዩ።”—ቶማስ።

  •  “ገሊኡ ጸወታታት፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብርን ቅርጽኻ ኽትሕሉን ይሕግዘካ እዩ።”—ጃኤል።

 ምስ ገሊኡ፡ ምናልባት እውን ምስ ኵሉ እዚ ሓሳባት ትሰማማዕ ዲኻ፧ ጸወታታት ቪድዮ፡ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥቕሚ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ገሊኡ ጸወታታት፡ መሕለፍ ግዜ ጥራይ እዩ፣ ከምቲ ኣነት ዝበለቶ ድማ፡ “ካብ ናይ ሓቂ ህይወት ክትወጽእ” ምድላይ ኵሉ ግዜ ጌጋ እዩ ማለት ኣይኰነን።

 ● መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ትሕቲ ሰማያት ንዘሎ ዅሉ ንጥፈት ገግዜኡ ኣለዎ” ይብል፣ እዚ ንምዝንጋዕ እውን የጠቓልል።—መክብብ 3:1-4

 ጕድኣቱ

 ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ንግዜኻ ይሰርቆ ኣሎ ድዩ፧

 “ጸወታ እንተ ጀሚረ፡ ከቋርጽ ይኸብደኒ እዩ። ‘እዛ ደረጃ እዚኣ እሞ ኽሰግራ፡ ሽዑ ኸቋርጽ እየ’ እናበልኩ ጸወታይ ይቕጽል። ከይተረድኣኒ ኸኣ ሰዓታት ይሓልፍ። ኣብ ስክሪን ብዙሕ ግዜ እየ ዘጥፍእ።”—ኣነት።

 “ጸወታታት ቪድዮ፡ ብዙሕ ግዜ እዩ ዚወስደልካ። ንሰዓታት ኢኻ ዀፍ ትብል፣ ሽዑ ሓሙሽተ ጸወታታት ስለ ዝወዳእካ ገለ ነገር ዝዓመምካ ዀይኑ ይስምዓካ፣ ከም ሓቂ ግና፡ ምንም ኣይዓመምካን።”—ሰረና።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ገንዘብ እንተ ጠፊኡካ፡ መሊስካ ትረኽቦ ትኸውን። ግዜ እንተ ጠፊኡካ ግና ኣይትረኽቦን ኢኻ። ከም ሓቂ ኸኣ፡ ግዜ ኻብ ገንዘብ ይበልጽ። ስለዚ፡ ግዜኻ ኺስረቕ ኣይትፍቀድ።

 ● መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንግዜኹም ብዝበለጸ እናተጠቐምኩም፡ . . . ብጥበብ ተመላለሱ” ይብል።—ቈሎሴ 4:5

 ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ንኣተሓሳስባኻ ይጸልዎ ኣሎ ድዩ፧

 “ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ብማእሰርቲ ወይ ብሞት ዜቕጽዕ ገበናት፡ ኣብ ጸወታታት ቪድዮ ዕጅብ ከይበለካ ትፍጽሞ ኢኻ።”—ሴት።

 “ኣብ ብዙሕ ጸወታታት፡ ሸቶኻ ምእንቲ ኽትወቅዕ ንጸላእትኻ ኽትስዕር የድልየካ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ነዚ ንምፍጻም ብዜስካሕክሕ መገዲ ኽትቀትሎም ኣለካ ማለት እዩ።”—ኣነት።

 “ሓድሓደ ግዜ ኽትጻወት ከለኻ ንፈተውትኻ እትብሎም ነገራት ብሓቂ ዜተሓሳስብ እዩ፣ ንኣብነት፡ ‘ዕልው በል!’ ወይ ‘ክቐትለካ እየ!’ ትብል ትኸውን።”—ናታን።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ካብቲ ንኸም ዓመጻን ምንዝርናን መናፍስትነትን ዝኣመሰለ ኣምላኽ ዚጸልኦ ነገራት ዜተባብዕ ጸወታታት ርሓቕ።—ገላትያ 5:19-21፣ ኤፌሶን 5:10፣ 1 ዮሃንስ 2:15, 16

 ● መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ፡ ዓመጻ ንዚገብር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ዓመጻ ንዚፈቱ ዘበለ ይጸልኦ’ እዩ ዚብለና። (መዝሙር 11:5) ብዛዕባ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት እትገብሮ ምርጫ፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም እትኸውን ኣይሕብርን ይኸውን፣ ሎሚ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝዀንካ ግና ብእተወሰነ መገዲ ይሕብር ይኸውን።

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ጌቲንግ ቱ ካልም ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ፡ “ዓመጻ ዝመልኦ ጸወታታት ቪድዮ ኻብ ተለቪዥን ንላዕሊ ንባህርያት ሰባት ኪጸሉ ይኽእል እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ቈልዑ ነቲ ሓያልን ደም ዜፍስስን ጅግና ይርእይዎ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ንሱ ዀይኖም እዮም ዚጻወቱ ዘለዉ። ጸወታታት ቪድዮ ልክዕ ከም ሓደ መምህር፡ ትምህርቲ የመሓላልፍ እዩ፣ ስለዚ፡ ዓመጻ ዜርኢ ጸወታታት፡ ዓመጻ እዩ ዚምህር።”—ምስ ኢሳይያስ 2:4 ኣረኣኢ።

 ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ምትኳር

 ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ኣጠቓቕማ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ሚዛናዊ ምዃን ተማሂሮም እዮም። ክልተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

 “‘ሓሙሽተ ሰዓት ጥራይ እንተ ደቂሰ እኹል እዩ፣ እዛ ደረጃ ጥራይ እሞ ኽሓልፋ’ እናበልኩ ነዊሕ ሰዓታት እጻወት ነይረ። ሕጂ ግና ንጸወታታት ቪድዮ ግቡእ ቦታኡ እሕልወሉ እየ። ሓሓሊፈ ኸም ዚጥቀመሉ መሕለፍ ግዜ ገይረ እየ ዝርእዮ። ኵሉ ነገር ብመጠን ኪግበር ኣለዎ።”—ጆሴፍ።

 “ጸወታታት ቪድዮ ዝጻወተሉ ግዜ ምስ ነከኹ፡ ብዙሕ ነገራት ክዓምም ክኢለ እየ። ኣገልግሎተይ ከመሓይሽ፡ ንኻልኦት ኣባላት ጉባኤይ ክሕግዝ፡ ሙዚቃዊ መሳርሒ እውን ክምሃር ክኢለ እየ። ካብ ጸወታታት ቪድዮ ወጻኢ ኻልእ ህይወት ኣሎ!”—ዴቪድ

 ● መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሱላት ሰብኡትን ኣንስትን፡ ‘ሚዛናዊ ዝልማዶም’ ከም ዝዀኑ ይገልጽ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:2, 11፡ እግረ ጽሑፍ) ይዘናግዑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ መዘናግዒ ንዜሕልፍዎ ግዜ ደረት ይገብሩሉ እዮም፣ ከምኡ ንምግባር ዜድልዮም ርእሰ ግትኣት ድማ ኣለዎም።—ኤፌሶን 5:10

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ኤለክትሮኒካዊ ጸወታታት ቦታኡ እንተ ተሓልዩሉ፡ ጽቡቕ መዘናግዒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ጸወታታት ንግዜኻ ኺሰርቆ ወይ ካብቲ ኣብ ህይወት ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ከም እተስግል ኪገብረካ ኣይትፍቀደሉ። ኣብ ጸወታታት ንዘሎ ሸቶታት ክትወቅዕ ኣብ ምጽዓር ኣብ ክንዲ እተተኵር፡ ሸቶታትካ ኽትወቅዕን ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ክትዕወትን ክትጽዕርዶ ኣይሓይሽን፧