ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ብዛዕባ ጾታዊ መጥቃዕቲ እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧—1ይ ክፋል፦ ጥንቃቐታት

ብዛዕባ ጾታዊ መጥቃዕቲ እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧—1ይ ክፋል፦ ጥንቃቐታት

 ጾታዊ መጥቃዕቲ እንታይ እዩ፧

 ሕጋዊ ትርጉም እቲ “ጾታዊ መጥቃዕቲ” ዚብል ቃላት፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዚፈላለ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይ ድሌት ንዚግበር ጾታዊ ምትንካይ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ሓይሊ ንእተሓወሶ ተግባር የመልክት። እዚ ኸኣ ኣብ ቘልዑ ወይ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ዚግበር ጾታዊ ህስያ፡ ምስ ናይ ቀረባ ዘመድ ዚግበር ስጋዊ ርክብ፡ ጾታዊ ዓመጻ፡ ከምኡ ድማ ብኸም ሓካይም፡ መምህራን፡ ወይ ኣቕሽሽቲ ዝኣመሰሉ ዚእመኑ ዚብሃሉ ሰባት ዚፍጸም ጾታዊ ምዝመዛ የጠቓልል እዩ። ንገለ ኻብዞም ግዳያት ኣፍኣዊ ወይ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ዚወርዶም ሰባት፡ እንታይ ከም ዘጋጠሞም እንተ ጠሪዖም፡ ጕድኣት ከም ዚወርዶም መፈራሂ ይንገሮም እዩ።

 ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ጥራይ ዓመታዊ ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ሰባት ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ይዀኑ እዮም። ከባቢ ፍርቂ ኻብዚኣቶም ድማ ካብ ደቂ 12 ኽሳዕ 18 እዮም።

 ክትፈልጦ ዘሎካ

  •   መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ይዅንን እዩ። ኣስታት 4,000 ዓመት ኣቢሉ ይገብር ብጾታ ዓበድበድ ዝበሉ ጭፍራ ሰባት፡ ናብ ከተማ ሶዶም ንዝመጹ ኽልተ ደቂ ተባዕትዮ ኺዕምጽዎም ደልዮም ከም ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። እዚ ድማ የሆዋ ነታ ኸተማ ስለምንታይ ከም ዘጥፍኣ ይሕብረና እዩ። (ዘፍጥረት 19:4-13) ብዘይካዚ እውን፡ እቲ ቕድሚ 3,500 ዓመት ንሙሴ እተዋህቦ ሕጊ፡ ምስ ቀረባ ዘመድ ዚግበር ጾታዊ ርክብ፡ እንተላይ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ቤተ ሰብ ዚግበር ጾታዊ መጥቃዕቲ ይዅንን ነይሩ እዩ።—ዘሌዋውያን 18:6

  •   መብዛሕትኡ መጥቃዕቲ ብእትፈልጦ ሰብ እዩ ዚፍጸም። ቶኪንግ ሴክስ ዊዝ ዮር ኪድስ እትብሃል መጽሓፍ፡ “ካብተን ብጾታ ዚዕመጻ ሰለስተ ሰባት፡ እተን ክልተ ነቶም ሰባት ይፈልጥኦም እየን” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ኣብ ድሕሪ እንዳ ጐሓፍ ተሓቢኡ ጸኒሑ ዘሊሉ ዚጐብጥ ዘይፈልጥኦ ሰብ ኣይኰነን ከምኡ ዚገብር” ትብል።

  •   ጾታዊ መጥቃዕቲ ንኽልቲኡ ጾታ እዩ ዜጋጥም። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ካብቶም ግዳያት እቶም 10 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ብመሰረት ሓደ ኣብ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዜተኵር መርበብ ሓበሬታ፡ ደቂ ተባዕትዮ ግዳያት፡ “ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ግብረ ሶዶማውያን ከይዀኑ” ወይ “‘ስብእነቶም’ ከይዋረድ” ይፈርሁ እዮም።

  •   ጾታዊ መጥቃዕቲ ኼስፋሕፍሕ ትጽቢት ዚግበረሉ ነገር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ሰባት “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም፡” “ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት” ከም ዚዀኑ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-3) እዚ ባህርያት እዚ ድማ ኣብቶም ጾታዊ መጥቃዕቲ ዚፍጽሙ ሰባት ብንጹር ይርአ እዩ።

  •   ጾታዊ መጥቃዕቲ ናይቲ ግዳይ ጌጋ ኣይኰነን። ማንም ሰብ፡ ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኪኸውን ዚግብኦ ኣይኰነን። እቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዜውርድ ሰብ ጥራዩ እዩ ብተግባሩ ተሓታቲ ኪኸውን ዘለዎ። ይኹን እምበር፡ ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ንምዃን ዘሎካ ኣጋጣሚ ንምንካይ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ኣሎ።

 ክትገብሮ እትኽእል

  •   ተዳሎ። ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ዋላ እውን ሓደ ብፍቕሪ እተዓራረኽካዮ ሰብ ይኹን ወይ ዘመድካ፡ ብጾታዊ መገዲ ንምትንካይ ጸቕጢ ኺገብረልካ እንተ ፈቲኑ፡ እንታይ ኽትገብር ከም እትኽእል ኣቐዲምካ ፍለጥ። ኢሪን እትብሃል መንእሰይ፡ ንዝዀነ ዓይነት ጸቕጢ መዛኑ ንምድላው፡ እንታይ ኬጋጥም ከም ዚኽእል ሓሲብካ፡ እንታይ ምላሽ ከም እትህብ ክትዳሎ ትመክር። ቀጺላ ድማ፡ “ዕሽነት ኪመስል ይኽእል ይኸውን፡ ግናኸ ነቲ ኣብ ናይ ሓቂ ህይወትካ ግዳይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ንምዃን ዘሎካ ዕድል ይንክዮ እዩ” ትብል።

     መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ከም ዓያሹ ዘይኰነስ፡ ከም ለባማት ከመይ ከም እትመላለሱ ኣጸቢቕኩም ተጠንቀቑ፣ ቅንያቱ ኽፉእ [እዩ]።”—ኤፌሶን 5:15, 16

     ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ሓደ ሰብ ደስ ኣብ ዘይብለኒ ቦታ እንተ ተንክዩኒ እንታይ ምገበርኩ፧’

  •   መምለጢ ይሃሉኻ። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መርበብ ሓበሬታ፡ “ምስ ሓደ ሰብ ግዜ ኣብ እተሕልፈሉ እዋን ኵነታቱ ደስ እንተ ዘይኢሉካ፡ እቲ ሰብ ከይፈለጠ ደዊልካ ንኣዕሩኽካ ወይ ንስድራ ቤትካ እትሕብረሉ መገዲ ይሃሉኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ ኣዕሩኽካ ወይ ስድራ ቤትካ መጺኦም ኣመኽንዮም ኺወስዱኻ ይኽእሉ እዮም” ኢሉ ይመክር። ብቐንዱ ኸኣ ካብ ከምዚ ሓደገኛ ዅነታት ብምርሓቕ፡ ንህይወትካ ካብ ብዙሕ ጓሂ ኸተድሕና ትኽእል ኢኻ።

     መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ፣ ዘይለበሙ ግና ህሩግ ይብሉ እሞ ብሳዕቤናቱ ይጕድኡ።”—ምሳሌ 22:3

     ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ፡ እንታይ መምለጢ ኣሎኒ።’

    ወትሩ መምለጢ ይሃሉኻ

  •   ደረት ግበር—ተግብሮ እውን። ንኣብነት፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ዕርክነት ኣብ እትምስርተሉ እዋን፡ እንታይ ኣካይዳ ግቡእ ከም ዝዀነን ከም ዘይኰነን ንምልላይ ምስ መሓዛኻ ተላዘብ። እቲ እትተዓራረኾ ዘለኻ ኣንጻር ጾታ፡ ደረት ምግባር ናይ ዕሽነት ኰይኑ እንተ ተሰሚዕዎ፡ ንመትከላትካ ዜኽብር ካልእ ሰብ እዩ ዜድልየካ።

     መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ “ፍቕሪ . . . ስዲ ኣይኰነትን፡ ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን . . . እያ።”—1 ቈረንቶስ 13:4, 5

     ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘እንታይ መትከላት እዩ ዘሎኒ፧ እንታይ ባህርያትከ እዩ ስርዓት ዚጥሕስ፧’