ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ድሕሪ ጥምቀት እንታይ እየ ኽገብር ዘሎኒ፧—1ይ ክፋል፦ ንጥፈታትካ ኣይተቋርጽ

ድሕሪ ጥምቀት እንታይ እየ ኽገብር ዘሎኒ፧—1ይ ክፋል፦ ንጥፈታትካ ኣይተቋርጽ

 ከም ገዛ ወይ ማኪና ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ጥሪት፡ ጽቡቕ ክንክን ኪግበረሉ ኣለዎ። ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ዕርክነት እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ድሕሪ ጥምቀት ነቲ ዕርክነት እቲ ብኸመይ ክትከናኸኖ ትኽእል፧

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 ኣዘውቲርካ ቓል ኣምላኽ ኣጽንዕ

 ቀንዲ ጥቕሲ፦ “ብሰናይ ግብሪ ዘበለ እናፈረኹምን ብልክዕ ፍልጠት ኣምላኽ እናዓበኹምን [ተመላለሱ።]”—ቈሎሴ 1:10

 እንታይ ማለት እዩ፧ ድሕሪ ጥምቀት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምንባብን ብዛዕባ እቲ እተምሃርካዮ ኻብ ምስትንታንን ኣይተቋርጽ።—መዝሙር 25:4፣ 119:97

 እንታይ ክትጽበ ትኽእል፧ ሓድሓደ ግዜ፡ መጽናዕቲ ንምግባር ኣይትለዓዓልን ትኸውን። መጽናዕቲ ኸም ዘይብርሃካ ጌርካ ኽትድምድም ትኽእል ኢኻ።

 እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ኣብቲ ንተገዳስነትካ ዜለዓዕሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ርእሰ ነገራት ኣዕሚቝካ ዅዓት። ንዓኻ ዚዀነካ ብሕታዊ መደብ መጽናዕቲ ኣማዕብል፣ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ጾር ኣይኪዀነካን እዩ። ሸቶኻ ንየሆዋን ንቓሉን ዘሎካ ፍቕሪ ምዕባይ እዩ። እዚ ዓይነት መጽናዕቲ እዚ፡ ጠቓሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ባህ ዜብል እውን እዩ።—መዝሙር 16:11

 ምኽሪ፦ ካብ መጽናዕትኻ ብዙሕ ምእንቲ ኽትጥቀም፡ ብኣትኵሮ ኸተጽንዓሉ እትኽእል ጸጥታ ዝሰፈኖ ቦታ ርኸብ።

 ተወሳኺ ሓገዝዶ ትደሊ፧

 ኣዘውቲርካ ናብ የሆዋ ጸሊ

 ቀንዲ ጥቕሲ፦ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ።”—ፊልጲ 4:6

 እንታይ ማለት እዩ፧ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ክልተ ኣንፈት ኣለዎ፦ ቃሉ ኸተንብብ ከለኻ፡ ትሰምዖ፣ ናብኡ ኽትጽሊ ኸለኻ ኸኣ፡ ትዛረቦ። ኣብ ጸሎትካ ብዛዕባ ዜድልየካ ነገር ክትልምን፡ ስለቲ ዝረኸብካዮ በረኸት እውን ከተመስግን ትኽእል ኢኻ።

 እንታይ ክትጽበ ትኽእል፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ጸሎትካ ንማለቱ ጥራይ ዚግበር ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። የሆዋ ብሓቂ ዚሰምዓካ እንተ ዀይኑ ወይ ኪሰምዓካ ዚደሊ እንተ ዀይኑ እውን ክትጠራጠር ትጅምር ትኸውን።—መዝሙር 10:1

 እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ብዛዕባ እንታይ ክትጽሊ ኸም እትኽእል ምሉእ መዓልቲ ኽትሓስበሉ ውዓል። ንውሕ ዝበለ ጸሎት ንምጽላይ ኵነታትካ ዘይፈቕደልካ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ነገር በታ መዓልቲ እቲኣ ጸኒሕካ ንምጽላይ ኣብ ኣእምሮኻ መዝግቦ። ብዛዕባ እቲ ንዓኻ ዜተሓሳስበካ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ንኻልኦት ዜድልዮም ነገራት እውን ሕሰብ።—ፊልጲ 2:4

 ምኽሪ፦ ጸሎትካ ንማለቱ ኸም ዝዀነ እንተ ተሰሚዑካ፡ ብዛዕባኡ ናብ የሆዋ ጸሊ። ንሱ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዜተሓሳስበካ ነገራት ኪሰምዕ ይደሊ እዩ፣ ብዛዕባ ጸሎት ዜተሓሳስበካ ነገር እውን ምስኡ ይጠቓለል እዩ።—1 ዮሃንስ 5:14

 ተወሳኺ ሓገዝዶ ትደሊ፧

 ኣዘውቲርካ ብዛዕባ እምነትካ ንሰባት ንገር

 ቀንዲ ጥቕሲ፦ “ኣብ ርእስኻን ኣብቲ እትምህሮ ትምህርትን ኣተኵር። . . . እዚ እንተ ጌርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ።”—1 ጢሞቴዎስ 4:16

 እንታይ ማለት እዩ፧ ብዛዕባ እምነትካ ንሰባት ክትነግር ከለኻ፡ እምነትካ ይድልድል እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ህይወት እቶም ዚሰምዑኻን ህይወትካን ከተድሕን ትኽእል ኢኻ።

 እንታይ ክትጽበ ትኽእል፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ብዛዕባ እምነትካ ንሰባት ክትነግር ኣይትደልን ትኸውን። ምናዳ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸምኡ ምግባር የፍርሃካ ይኸውን።

 እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ፍርሂ ወይ ካልእ ኣሉታዊ ስምዒታት ንውሳነታትካ ኺጸልዎ ኣይትፍቀድ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ዋላ እኳ ኸይፈቶኹ [ብስራት እንተ ኣበሲረ፡] እዚ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት እዚ ብሕድሪ ተዋሂቡኒ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—1 ቈረንቶስ 9:16, 17

 ምኽሪ፦ ካብ ወለድኻ ፍቓድ ምስ ረኸብካ፡ ኣብ ኣገልግሎት ጽቡቕ ኣብነት ኪዀነካ ዚኽእል ኣሰልጣኒ ርኸብ።—ምሳሌ 27:17

 ተወሳኺ ሓገዝዶ ትደሊ፧

 ኣዘውቲርካ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ተኣከብ

 ቀንዲ ጥቕሲ፦ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። . . . ኣኼባና ኣይንሕደግ።”—እብራውያን 10:24, 25

 እንታይ ማለት እዩ፧ ናብ ኣኼባታት እንኸደሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ንየሆዋ ንምምላኽ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ኣኼባታት ምእካብ፡ ክልተ ተወሳኺ ጥቕምታት ኣለዎ። ቀዳማይ፡ ንስኻ ኻብ ክርስትያናት ብጾትካ መተባብዒ ትረክብ። ካልኣይ፡ ኣብ ኣኼባ ኽትእከብን ክትሳተፍን ከለኻ፡ ንዓታቶም ተተባብዖም።—ሮሜ 1:11, 12

 እንታይ ክትጽበ ትኽእል፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ሓሳብካ ኺገይሽ ይኽእል እዩ፣ በዚ ኸምዚ እውን ጠቓሚ ትምህርቲ ኼምልጠካ ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ኣብ ገሊኡ መዓልትታት ካብ ኣኼባ ኽትበኵር ወይ ከም ዕዮ ትምህርቲ ንዝኣመሰለ ኻልእ ነገራት ከተቐድም ትፍተን ትኸውን።

 እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ንዕዮ ትምህርትኻ ዕሽሽ ከይበልካ፡ ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲርካ ንምእካብ ቈራጽነት ግበር፡ ካብኡ ብዙሕ ጥቕሚ ንምርካብ እውን ሸቶ ግበር። ሓሳብ ብምሃብ ኣብኡ ተሳተፍ። ድሕሪ ኣኼባ፡ እንተ ወሓደ ንሓደ ሰብ ስለቲ ተሳትፎኡ ንኣዶ።

 ምኽሪ፦ ኣቐዲምካ ተዳሎ። ኣፕሊኬሽን JW Library® ኣራግፍ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ እንታይ ከም ዚቐርብ ንምፍላጥ ድማ ኣብቲ “ኣኼባታት” ዚብል ክፋል ርአ።

 ተወሳኺ ሓገዝዶ ትደሊ፧