ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ንጾታዊ ሓሳባት ብኸመይ ከርሕቖ እኽእል፧

ንጾታዊ ሓሳባት ብኸመይ ከርሕቖ እኽእል፧

 “በዚ መጺኡ ኸይበልክዎ ብሃንደበት ጾታዊ ሓሳባት ናብ ኣእምሮይ ይመጽእ፣ ብዛዕባ ኻልእ ነገር ክሓስብ ከኣ ኣይክእልን። ካልእ ሰብ ንኣእምሮይ ዚቈጻጸሮ ዘሎ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”—ቬራ።

 “ንጾታዊ ሓሳባት ክትቈጻጸሮ ዘይከኣል እዩ ዚመስል። ኣእዳወይ ዘርጊሐ ኽነፍር ይቐልለኒ።”—ጆን።

 ከምቲ ንቬራን ንጆንን እተሰምዖም ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ ክትሕግዘካ ትኽእል እያ።

 ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 ኣሌክስ ዝስሙ መንእሰይ፡ “ኣኮይ፡ ኣምላኽ ጾታዊ ድሌተይ ኬርዊ እንተ ዘይደልየኒ ነይሩ ጾታዊ ባህጊ ኸም ዘይምሃበኒ ነጊሩኒ” ይብል።

 እቲ ኣኮ ኣሌክስ ዝበሎ ነገር ብገለ መዳዩ ሓቂ እዩ፣ ኣምላኽ ጾታዊ ባህጊ ሂቡና እዩ። ካብ ጽቡቕ ዕላማ ተበጊሱ ድማ እዩ ነዚ ባህጊ እዚ ሂቡና። ሰባት ጾታዊ ርክብ ኪገብሩን ኪፋረዩን እንተ ዘይክእሉ ነይሮም፡ ሎሚ ዓሌት ደቂ ሰብ ኣይምሃለወን። ጾታዊ ሓሳባት ከተርሕቕ ክትጽዕር ዜድልየካ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ክልተ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ፦

  •   መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጾታዊ ርክብ ኣብ መንጎ ንሓድሕዶም እተመራዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ ኪግበር ከም ዘለዎ ይምህር እዩ።—ዘፍጥረት 1:28፣ 2:24

     ነዚ ስነ ምግባራዊ መለክዒ እተኽብርን ገና ዘይተመርዓኻን እንተ ዄንካ፡ ጾታዊ ሓሳባት ምሕሳብ ናብ ብስጭት ጥራይ እዩ ዚመርሓካ። ኢድካ ኽትህብ እሞ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም እውን ኪፍትነካ ይኽእል እዩ። ከምኡ ዝገበሩ ብዙሓት ሰባት ድማ ጸኒሖም ተጣዒሶም እዮም።

  •   ጾታዊ ሓሳባት ምርሓቕ፡ ርእሰ ግትኣት ከተማዕብል ይሕግዘካ።—1 ቈረንቶስ 9:25

 ርእሰ ግትኣት፡ ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ ኣሳልጦ ኽትረክብ ብዙሕ ሓጋዚ እዩ። ብመሰረት ሓደ መጽናዕቲ፡ ርእሶም ዚገትኡ ቘልዑ ምስ ዓበዩ ዝወሓደ ጸገማት ጥዕናን ቍጠባዊ ወጥርን ምስ ሕጊ ዚተኣሳሰር ጸገማትን እዩ ዚህልዎም። a

 ኣጸጋሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 ብጾታዊ ርክብ ኣብ እተዓብለለት ዓለም ንነብር ኣብ ርእሲ ምህላውና፡ ሆርሞናትና እውን ጾታዊ ሓሳባት ከነርሕቕ ኣጸጋሚ ከም ዚኸውን ይገብሮ እዩ።

 “ኵሉ መደባት ተለቪዥን፡ ቅድሚ መርዓ ንዚግበር ጾታዊ ርክብ ከም ጽቡቕን ዝዀነ ሓደጋ ዘይብሉን ገይሩ ዜቕርቦ ዘሎ እዩ ዚመስል። ዘይግቡእ ጾታዊ ርክብ ምንም ሳዕቤን ከም ዘይብሉ ተገይሩ ዚቐርብ እንተ ዀይኑ ኸኣ ርኹስ ሓሳባት ክትሓስብ ቀሊል እዩ ዚኸውን።”—ሩት።

 “ኣብ ስራሕ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ብዙሕ ጽዩፍ ዘረባ እሰምዕ እየ፣ እዚ ኸኣ ንህንጥዩነተይ ኣለዓዒልዎ። ርኹስ ጾታዊ ርክብ ከም ተራ ነገር ይርአ ብምህላዉ፡ ከም ጌጋ ጌርካ ኽትርእዮ ኣጸጋሚ እዩ።”—ኒኮል።

 “ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ስእልታት ክትርኢ ኸለኻ፡ ብቐሊሉ ትድህለል ኢኻ። ሓንቲ ጾታዊ ስእሊ እኳ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትቅረጽን ምርሳዕ ክትኣብየካን ትኽእል እያ።”—ማሪያ።

 ከምዚ ዝኣመሰለ ረቛሒታት፡ ከምቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ እተሰምዖ ኸም ዚስምዓካ ኺገብር ይኽእል እዩ። ንሱ፡ ‘ሰናይ ክገብር እናደለኹ፡ እከይ ኣባይ ኣሎ’ ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—ሮሜ 7:21

ግጉይ ሓሳባት ኣብ ርእስኻ ሰፈር ኪሰርሕ ኣይትፍቀድ

 ክትገብሮ እትኽእል

 ብዛዕባ ኻልእ ነገራት ሕሰብ። ኣእምሮኻ ኻብ ጾታዊ ርክብ ወጻኢ ከም ዜተኵር ግበር። ንኣብነት፡ ኣብ ስፖርት፡ ኣብ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ወይ ኣብ ካልእ ዜገድሰካ ንጥፈታት ከተተኵር ትኽእል ኢኻ። ቫለሪ ዝስማ መንእሰይ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ሓጋዚ እዩ” ትብል። ቀጺላ ኸኣ፡ “ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ዘሎ ሓሳባት ዝሓዘ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኽትሓስብ ከለኻ ኸኣ፡ ንኻልእ ሓሳባት ዚኸውን ቦታ የብልካን” በለት።

 ጾታዊ ሓሳባት ናብ ኣእምሮኻ ኺኣቱ ይኽእል እዩ። ነዚ ሓሳባት እትሕዘሉ መገዲ ግና ኣባኻ እዩ ዚምርኰስ። ካብ ኣእምሮኻ ኸተውጽኦ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ንምግባር ክትውስን ጥራይ እዩ ዘሎካ።

 “ጾታዊ ሓሳባት ኪመጸኒ ኸሎ፡ ብዛዕባ ኻልእ ነገራት ክሓስብ እየ ዝጽዕር። ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ከም ዚሓስብ ንዚገብረኒ ነገራት ከለልዮ እጽዕር እሞ፡ ደርፊ ወይ ስእሊ እንተ ዀይኑ እድምስሶ እየ።”—ሄለና።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ብዛዕባ . . . ጽድቂ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ . . . ብቐጻሊ ሕሰቡ።”—ፊልጲ 4:8

 ጥዑያት ኣዕሩኽ ሕረ። ኣዕሩኽካ ወትሩ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዚዛረቡ እንተ ዀይኖም፡ ብዛዕባ ንጹህ ነገራት ክትሓስብ ኬሸግረካ እዩ።

 “ጐርዞ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ርኹስ ሓሳባት የሸግረኒ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ብቐንዱ ብሰንኪ መሓዙተይ እዩ ነይሩ። ንግጉይ ትምኒታት ምስ ዜተባብዑ ሰባት ትውዕል እንተ ዄንካ፡ ኣብ ስምዒታትካ ኢኻ እተተኵር፣ እዚ ኸኣ ንሓዊ ነዳዲ ኸም ምውሳኽ እዩ ዚዀነካ።”—ሳራ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን፣ ምስ ዓያሹ ዚሓብር ግና ክፉእ ይረክብ።”—ምሳሌ 13:20

 ዘይግቡእ መዘናግዒ ኣርሕቕ። ዳርጋ ዅሉ ሎሚ ዘሎ መዘናግዒ ጾታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ኸም ዝዀነ ማንም ዘይክሕዶ ሓቂ እዩ። ኒኮል ከምዚ ትብል፦ “ንዓይ ቀንዲ ዜሸግረኒ ነገር ሙዚቃ እዩ። ሓያል ትምኒታት ከም እተሕድር ኪገብረካ ይኽእል እዩ።”

 “ጾታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ክርኢ ጀሚረ። ከይተረድኣኒ ኸኣ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ብዙሕ ክሓስብ ጀሚረ። ምንጪ እዚ ሓሳባት እዚ እንታይ ምንባሩ ኽፈልጥ ኣየጸገመንን። ነቲ ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ምርኣዩ ምስ ኣቋረጽኩ፡ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ብዙሕ ምሕሳብ ኣቋሪጸ። ጽቡቕ መዘናግዒ ምምራጽ፡ ኣንጻር ዘይግቡእ ሓሳባት ንእትገብሮ ቓልሲ ቐሊል ከም ዚኸውን ይገብሮ እዩ።”—ጆኣና።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዐ . . . ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ።”—ኤፌሶን 5:3

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ገሊኦም ሰባት፡ ጾታዊ ድራኸታቶም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ ኺቈጻጸርዎ ኸም ዘይብሎምን ከም ዘይክእሉን ኰይኑ ይስምዖም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። ሓሳባትና ኽንቈጻጸር ከም እንኽእል ይነግረና እዩ፣ እዚ ኸኣ የኽብረና እዩ።

 ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ብኣተሓሳስባኹም ከኣ ብቐጻሊ ተሓደሱ።”—ኤፌሶን 4:23

a ምርዑዋት ሰባት እውን ርእሰ ግትኣት የድልዮም እዩ። እዚ ኸኣ ገና ኸይተመርዓኻ ኸለኻ ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸተጥርያ ዜድልየሉ ተወሳኺ ምኽንያት እዩ።