ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ብዛዕባ ጾታዊ መጥቃዕቲ እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧—2ይ ክፋል፦ ሕውየት

ብዛዕባ ጾታዊ መጥቃዕቲ እንታይ ክፈልጥ ኣሎኒ፧—2ይ ክፋል፦ ሕውየት

 ንስምዒት በደለኛነት ምስጋሩ

 ብዙሓት ግዳያት ጾታዊ ህስያ በቲ ዘጋጠሞም ነገር ውርደት ይስምዖም እዩ። ርእሶም ኪወቕሱ እውን ይኽእሉ እዮም። ሕጂ 19 ዓመት ዝዕድሚኣ ካረን፡ ካብ 6 ክሳዕ 13 ዕድሚኣ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ግዳይ ጾታዊ ህስያ ዀይና ነይራ እያ። ንሳ፡ “ልዕሊ ዅሉ ዝኸፍኣኒ፡ እቲ ናይ በደለኛነት ስምዒት እዩ” ትብል። ቀጺላ ኸኣ፡ “‘ከመይ ኢለ እየ ነዚ ህስያ ንነዊሕ እዋን ኪቕጽል ፈቒደ፧’ ኢለ እሓስብ እዩ” ትብል።

 ብዛዕባ ዅነታትካ ኸምዚ ዚስምዓካ እንተ ኰይኑ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

  •   ቈልዑ ጾታዊ ርክብ ንምግባር፡ ብኣካላዊ ዀነ ብስምዒታዊ መዳይ ኣይበሰሉን። እዚ ንጥፈት እዚ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ኣይፈልጡን እዮም፣ ስለዚ ፍቓደኛታት ከም ዝዀኑ ጌርካ ኺውሰድ ኣይከኣልን እዩ። እምበኣር፡ ህስያ ቘልዑ ኼጋጥም ከሎ፡ ንሳቶም በደልቲ ኣይኰኑን።

  •   ቈልዑ ንዓበይቲ ሰባት ናይ ምእማን ዝንባለ ስለ ዘለዎም፡ በቲ ብዕሉጋት ሰባት ዚጥቀምሉ ሜላታት ይግርሁ እዮም፣ እዚ ድማ ንመጥቃዕቲ የቃልዖም እዩ። እታ ዘ ራይት ቱ ኢኖሰንስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ጾታዊ መጥቃዕቲ ዚገብሩ ሰባት መታለልቲ እዮም፣ ቈልዑ ድማ ምስቲ በሊሕ ናይ ምቍጽጻር ክእለቶም ዚዳረግ ክእለት የብሎምን” ትብል።

  •   ቈልዓ ኣደዳ ህስያ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ብጾታዊ መዳይ ኪለዓዓል ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ሰብነትና ብገሊኡ መገዲ ኺትንከ ኸሎ፡ ዜርእዮ ግብረ መልሲ ምዃኑ ኽትፈልጥ ይግባእ። ነቲ ህስያ ኸም እተሰማማዕካሉ ወይ ተወቃሲ ኸም ዝዀንካ ዜመልክት ኣይኰነን።

 ርእይቶ፦ ዕድሚኡ ኣብቲ ንስኻ ግዳይ ጾታዊ ህስያ ዝዀንካሉ ዕድመ ብዛዕባ ዚርከብ ቈልዓ ሕሰብ። ድሕሪኡ፡ ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘እቲ ቘልዓ እቲ ግዳይ ህስያ እንተ ዚኸውንሲ፡ ንዕኡ ተሓታቲ ምግባር ግቡእ ድዩ፧’

 ካረን ንሰለስተ ቘልዑ ኽትሕሉ ኸላ፡ ብዛዕባ እዚ ሓሲባ እያ፣ ሓደ ኻብቶም ቈልዑ ዳርጋ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ኣቢሉ እዩ ነይሩ። ካረን ድማ ካብቲ ዕድመ እቲ ኣትሒዛ እያ ግዳይ ህስያ ዀይና። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ኣብቲ ዕድመ እቲ ዚርከብ ቈልዓ ማዕረ ኽንደይ ተኣፋፊ ምዃኑ ተገንዚበ፡—ኣነ እውን ተኣፋፊት እየ ነይረ።”

 ሓቂ፦ በቲ ኣብ ልዕሌኻ እተፈጸመ ተግባር፡ እቲ ሃሳዪ እዩ ተሓታቲ ኪኸውን ዘለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እከይ እኩይ . . . ንዕኡ ጥራይ እዩ ዚቝጸረሉ” ይብል እዩ።—ህዝቅኤል 18:20

 ምስጢርካ ምክፋል ዘለዎ ጥቕሚ

 ንሓደ እትኣምኖ ዓብዪ ሰብ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመካ ህስያ ምንጋርካ፡ ንስቓይካ ኼፍኵሰልካ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ” ይብል እዩ።—ምሳሌ 17:17

 ንሰባት ከይነገርካ ስቕ ምባልካ፡ እተወሰነ ዕቝባ ኸም ዚስምዓካ ኺገብር ይኽእል እዩ። ምናልባት ንስቕታኻ፡ ካብ ዝኸፍአ ህስያ ንምክልኻል ከም ዝነደቕካዮ መንደቕ ኰይኑልካ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ እቲ ኸም ዕቝባ ዝዀነካ መንደቕ ስቕታ፡ ሓገዝ ከይትረክብ እውን ኪዓግተካ ይኽእል እዩ።

እቲ ኸም ዕቝባ ዝዀነካ መንደቕ ስቕታ፡ ሓገዝ ከይትረክብ እውን ኪዓግተካ ይኽእል እዩ

 ጃነት ዝስማ መንእሰይ ብዛዕባ ዘጋጠማ ህስያ ምዝራባ ብዙሕ እፎይታ ኣምጺኡላ እዩ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ኣዝየ ንእሽቶ ከለኹ፡ ብዝፈልጦን ብዝኣምኖን ሰብ እየ ጾታዊ ህስያ ኣጋጢሙኒ፣ ነዚ ኸኣ ንዓመታት ሒዘዮ ነይረ። ብዛዕባ እዚ ንኣደይ ሓንሳእ ምስ ነገርክዋ ግና፡ ዓብዪ ጾር ካብ እንግድዓይ ከም ዘውረድኩ እዩ ተሰሚዑኒ።”

 ጃነት ነዚ ምልስ ኢላ ኽትሓስበሉ ኸላ፡ ገሊኦም ስለምንታይ ንምዝራብ ከም ሰጋእ መጋእ ከም ዚብሉ ይርድኣ እዩ። “ህስያ ኽትዛረበሉ ዘይጥዕም ጕዳይ እዩ” ትብል። ቀጺላ እውን “ብወገነይ ግና፡ ዓቢጥካ ምሓዙ ዜምጽኦ ጕድኣት ጽቡቕ ኣይኰነን። ይንዋሕ ይሕጸር እምበር፡ ምዝራበይ ዝሓሸ ዀይኑለይ እዩ” ትብል።

 “ንምሕዋይ . . . ግዜ ኣለዎ”

 ጾታዊ ህስያ ብዛዕባ ርእስኻ ግጉይ ዝዀነ ጐዳኢ ኣተሓሳስባ ኸም እትሕዝ ኪገብር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብልሹውን ዘይትረብሕን ከም ዝዀነካ፡ ወይ ድማ ጾታዊ ዕግበት ካልኦት ሰባት ንምርዋይ ጥራይ ከም እትነብር ኰይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ ነዚ ግጉይ ኣተሓሳስባኻ ኽትቅይሮ ኣጋጣሚ ኣሎካ፣ እወ፡ ካብቲ ‘ግዜ ምሕዋይ’ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። (መክብብ 3:3) ኣብዚ ጻዕሪ እዚ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓሳባት ኣምላኽ ሒዙ ኣሎ፣ እዚ ድማ፡ ‘ጽኑዕ ዕርድታት ኬፍርስ ዚኽእል ሓይሊ’ ኣለዎ፣ እንተላይ ነቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ዘሎካ ግጉይ ሓሳባት እውን ኬፍርሶ ይኽእል እዩ። (2  ቈረንቶስ 10:4, 5) ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ኣንቢብካ ሕሰበሉ፦ ኢሳይያስ 41:10፣ ኤርምያስ 31:3፣ ሚልክያስ 3:16, 17፣ ሉቃስ 12:6,  71  ዮሃንስ 3:19, 20

 ጸሎት። ዘይትጠቅም ኰይኑ ኺስምዓካ ከሎ ወይ ብስምዒት በደለኛነት ኽትውሓጥ ከለኻ፡ ብጸሎት ኣቢልካ “ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ።” (መዝሙር 55:22) ንሱ ኸቶ ኣይሓድገካን እዩ!

 ሽማግለታት ጉባኤ። እዞም ክርስትያን ሰብኡት እዚኦም፡ “ካብ ንፋስ ከም መሕብኢ፡ ካብ ሃጽፊ ኸም መኸወሊ” ኪዀኑ ዝሰልጠኑ እዮም። (ኢሳይያስ 32:2) ብዛዕባ ርእስኻ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወካን ህይወትካ ኽትቅጽልን ኪሕግዙኻ እዮም።

 ጽቡቕ ዕርክነት። ኣብ ክርስትያናዊ ህይወቶም ኣብነታውያን ንዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተዓዘብ። ንሓድሕዶም ብኸመይ ከም ዚተሓሓዙ እውን ርአ። ድሕሪ ግዜ፡ እነፍቅሮ ንዚብልዎ ሰብ ብጾታዊ መዳይ ዚሃስዩ ዅሎም ሰባት ከም ዘይኰኑ ኽትርዳእ ኢኻ።

 ታንያ ዝስማ መንእሰይ ነዚ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዚ ትምሃሮ ኣላ። ካብ ንእስነታ ጀሚራ፡ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ኸም ናይ ጾታ ኣቕሓ እዮም ዚጥቀሙላ ነይሮም። “ኵሎም እቶም ዝቐረብክዎም ዘበሉ ደቂ ተባዕትዮ ጐዲኦምኒ እዮም” ትብል። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዜርእዩ ደቂ ተባዕትዮ ኸም ዘለዉ ኽትርኢ ኽኢላ እያ። ነዚ ብኸመይ እያ ኽትርእዮ ኽኢላ፧

 ታንያ ምስ ኣብነታውያን ክርስትያን ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ተቐራረበት፡ ኣረኣእያኣ ተቐዪሩ እዩ። “ኵሎም ሰብኡት ሃሰይቲ ኸም ዘይኰኑ ኻብ ተግባራት እቲ ሰብኣይ ርእየ እየ” ትብል። ቀጺላ ድማ፡ “እቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ይሓልየላ ነይሩ እዩ፣ ኣምላኽ ድማ ከምኡ እዩ ሓሊኑ ነይሩ” ትብል። aኤፌሶን 5:28, 29

a ምስ ከም ሕዱር ጭንቀት፡ ጸገም ኣመጋግባ፡ ርእሰ ጕድኣት፡ ወልፊ፡ ስእነት ድቃስ፡ ወይ ርእሰ ቕትለታዊ ሓሳብ ዝኣመሰለ ጸገማት ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ ካብ ብቑዓት ሓካይም ሓገዝ ምሕታት ጥበባዊ ውሳነ እዩ።