ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ጸርፊ ብሓቂዶ ጌጋ እዩ፧

ጸርፊ ብሓቂዶ ጌጋ እዩ፧

“ጸርፊ ዅሉ ሳዕ ስለ ዝሰምዕ ዕጥጥ ኣይብለንን እዩ። ንቡር ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”—ክሪስቶፈር፡ 17።

“ንእሽቶ ኸለኹ ዅሉ ሳዕ እየ ዝጻረፍ ነይረ። ክትለምዶ ቐሊል ክትገድፎ ግና ኣሸጋሪ እዩ።”—ሪበካ፡ 19።

 ሕቶ

  •   ካልኦት ኪጻረፉ ኽትሰምዖም ከለኻ እንታይ ይስምዓካ፧

    •  ኣየስተብህለሉን እየ—ንዓይ ኖርማል እዩ።

    •  ብዙሕ ኣይብርሃንን እዩ—ግን ከኣ እቕበሎ እየ።

    •  እጸልኦ እየ—ክለምዶ ኣይከኣልኩን።

  •   ንስኻኸ ትጻረፍ ዲኻ፧

    •  ፈጺመ

    •  ሳሕቲ

    •  ወትሩ

  •   ብርእይቶኻ፡ ጽዩፍ ቃላት ክሳዕ ክንደይ እዩ ዜተሓሳስብ፧

    •  ክሳዕ ክንድቲ ኣይኰነን

    •  ከቢድ ጕዳይ እዩ

 ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 ጸርፊ ኸም ከቢድ ጕዳይ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧ ‘ከምኡ ገይረ ኣይርእዮን እየ። ደሓር ከኣ ኣብ ዓለም ዝያዳ ዜጨንቕ ከቢድ ነገራት ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ኵሉ ሰብ እኮ እዩ ዚጻረፍ’ ትብል ትኸውን። እዚ ግና ሓቂ ድዩ፧

 ክትኣምኖ ዜጸግም እኳ እንተ ዀነ፡ ዘይጻረፉ ሓያሎ ሰባት ኣለዉ። ከመይሲ፡ ካልኦት ዘይፈልጥዎ፡ ንሳቶም ግና ዚፈልጥዎ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ። ንኣብነት፦

  •  ጸርፊ ብዛዕባ መንነትካ ይገልጽ እዩ። ዘረባኻ መግለጺ መንነትካ እዩ። ስለዚ፡ ጽዩፍ ዘረባ ምዝራብካ፡ ብዛዕባ ስምዒት ካልኦት ግዲ ኸም ዘይብልካ ኼመልክት ይኽእል እዩ። እሞኸ፡ ብሓቂዶ ኸምኡ ዓይነት ሰብ ኢኻ፧

     መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና፡ ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ።”—ማቴዎስ 15:18

    ጸርፊ ንኸባቢ ዚብክል ቃላት እዩ። እሞ ደኣ፡ ንኻልኦት—ወይ ንርእስኻ—ስለምንታይ እትብክል፧

  •  ጸርፊ ንሰባት ብሕማቕ ከም ዚጥምቱኻ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። ከስ ኮንትሮል እተባህለት መጽሓፍ ከምዚ ትብል፦ “ኣዘራርባና ኣዕሩኽና መን ምዃኖም፡ ስድራ ቤትናን መሳርሕትናን ክሳዕ ክንደይ ከም ዜኽብሩና፡ እንታይ ዓይነት ርክብ ከም ዚህልወና፡ ክሳዕ ክንደይ ጽልዋ ኸነሕድር ከም እንኽእል፡ ስራሕ ወይ ዕቤት ክንረክብ እንተ ዄንና፡ ጓኖት እንታይ ምላሽ ከም ዚህቡና፡ ኪውስን ይኽእል እዩ።” እታ መጽሓፍ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “‘እንተ ዘይጻረፍ ነይረ ርክበይ ዝሓሸ ምዀነዶ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ” ትብል።

     መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ጸርፊ . . . ካባኻትኩም ይርሓቕ።”—ኤፌሶን 4:31

  •  ጸርፊ ኸምቲ እትሓስቦ ተፈታዊ ኣይገብረካን እዩ። ዶክተር ኣሌክስ ፓከር ኣብታ ሃው ሩድ ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “ወትሩ ንዚጻረፉ ሰባት ክትሰምዖም ኣይትደልን ኢኻ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ ብጸርፊ ዝመልአ ቓላት “ከም ልቦና፡ ብልሒ፡ ምስትውዓል፡ ወይ ድንጋጽ ዝኣመሰለ ባህርያት ኣየንጸባርቕን እዩ። ከም ዝመጸልካ፡ ከይሓሰብካ፡ ሃተፍተፍ እትብሎ ዘረባ ንኣእምሮኻ ይጸልዎ እዩ” በለ።

     መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ሕማቕ ቃልሲ ኻብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።”—ኤፌሶን 4:29

 ክትገብሮ እትኽእል

  •  ሸቶ ኣውጽእ። ኣብ ውሽጢ ወርሒ ኸይተጻረፍካ ኽትዛረብ ጽዓር። እትገብሮ ለውጢ ንምርኣይ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ መዝግቦ። ሸቶኻ ምእንቲ ኽትወቅዕ ግና ተወሳኺ ስጕምቲ ኽትወስድ ኣሎካ። ንኣብነት፦

  •  ንኣእምሮኻ ብጸርፊ ዚመልእ መዘናግዒ ኣርሕቕ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ስነ ምግባር የበላሽዎ እዩ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 15:33፡ እግረ ጽሑፍ) “ዕርክነት” ንሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመዘናግዒ እውን ማለት፡ ንእትርእዮ ፊልም፡ ንጸወታታት ቪድዮ፡ ንእተሰምዖ ሙዚቃ እውን የጠቓልል እዩ። ወዲ 17 ዓመት ዝዀነ ከነት፡ “ንሓደ ትፈትዎ ደርፊ፡ እቲ ህርመት ጥዑም ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ጸርፊ ዕሽሽ ኢልካ ኽትደርፎ ቐሊል እዩ” በለ።

  •  ብሱል ምዃንካ ኣርኢ። ገሊኦም፡ ዓበይቲ ዜምስሎም ኰይኑ ስለ ዚስምዖም ይጻረፉ። እቲ ሓቂ ግና ብኣንጻሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚብሎ፡ ብሱላት ዚብሃሉ፡ “ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኦም ዘሰልጠኑ ሰባት እዩ።” (እብራውያን 5:14) ብኻልኦት “ኪፍተዉ” ኢሎም ኣብ መትከላቶም ኣይለማለሙን እዮም።

 ብሓቂ እምበኣር፡ ጸርፊ ንኣእምሮኻን (ንኸባቢኻን) ካብ ምብካል ሓሊፉ፡ ካልእ ፋይዳ የብሉን። ዓለም ብጸርፊ እያ መሊኣ ዘላ! ስለዚ፡ “ኣብ ርእሲኡ ኣይትወስኸሉ!” ትብል ከስ ኮንትሮል። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ነቲ ኸባቢ ኻብ ጸርፊ ኸተጽርዮ ዚከኣለካ ግበር፡ ሽዑ ብዛዕባ ርእስኻ ጽቡቕ ኪስምዓካ እዩ፡ ካልኦት ሰባት እውን ብዛዕባኻ ጽቡቕ ኪስምዖም እዩ” ትብል።